ኣብ መዋስንቲ ቦታታት ዓፋርን ሶማልን 'ልዕሊ 300 ሰባት ከምዝተቐተሉ' መንግስቲ ኣፍሊጡ

ካርታ

ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም ኣብ መዋስንቲ ከባቢታት ክልላት ዓፋርን ሶማልን ብናይ መሬት ይግብኣኒ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ልዕሊ 300 ሰባት ከም ዝተቐተሉ ምክትል ሓላፊ ህዝባዊ ርክባት ክልል ሶማሌ ንቢቢሲ ገሊጹ።

ምክትል ሓላፊ ህዝባዊ ርክባት እቲ ክልል ኣቶ መሓመድ ሮብለ ብቀዳም [24 ሓምለ 2021] ብብዝሒ ሶማል ኣብ ዝነብርዎ ኣብ ክልል ዓፋር ኣብ ዝርከብ ከተማ ኣብ ልዕሊ ሰለማውያን ሰባት ተወለድቲ ክልል ሶማል መጥቃዕቲ ከምዝተፈጸመ ገሊጹ።

እቲ ሓላፊ እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ከተማታት ገብረኢሴን፣ ፎናን ኣደይቱ ከም ዝተፈጸመ ብምግላጽ፡ ኣብቲ ቦታታት ብኽልቲኤን ክልላት ናይ ይግብኣኒ ሕቶ ከም ዝነበረን መበገሲ እዚ መጥቃዕቲ'ውን እቲ ሕቶ ከም ዝኾነን ኣብሪሁ።

"ነገር ንምጽሕታር ተኣሊሙ ዝተገበረ መጥቃዕቲ እዩ። ከተማ ገብረኢሴን ምሉእ ንምሉእ ተወለድቲ ክልል ሶማል ዝነብርዋ ከተማ እያ፤ ዓፋር ኸኣ ንፎናን ንኣደይቱን ናትና እየን እዮም ዝብሉ" ኢሉ።

እቲ ብኽልቲኤን ክልላት ናይ ይግንኣኒ እዩ ሕቶ ዝልዓለለን ቦታታት ኣብቲ ንጅቡቲ ምስ ኣዲስ ኣበባ ዘራኽብ መስመር ከም ዝርከባ ዝሓበረ ኣቶ መሓመድ ሮብለ፡ ዕጡቓት ዓፋር ብቀዳም ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት መጥቃዕቲ ቅድሚ ምፍጻሞም ነታ ከተማ ከም ዝተቃጻጸርዋ ገሊጹ።

ኣብ ልዕሊ ሰብን ንብረትን ዝወረደ ዕንወት ክንደይ ከም ዝኾነ ኣብ ዝተሓተተሉ፡ እቲ ቁጽሪ እኳ ብንጹር'ኳ እንተዘይተፈልጠ "ልዕሊ 300 ሰባት ከም ዝተቐተሉ ካብ ነበርቲ እቲ ኸባቢ ሓበሬታ በጺሑና'ዩ" ይብል።

ካብቲ መጥቃዕቲ ዝሃደሙ ኣስታት 700 ሰባት ኣብ መዓስከራት ሓይልታት ምክልኻል ኢትዮጵያ ከም ዝተዓቖቡ ሓቢሩ።

እታ ከተማ ሕጂ'ውን ኣብ ትሕቲ ምቁጽጻር ሰራዊት ዓፋር ከም ዘላ ዝሓበረ ኣቶ መሓመድ ናብታ ከተማ ክኣትዉ ስለ ዘይክኣሉ በቲ መጥቃዕቲ ክንደይ ዝኸውን ዕንወት ከም ዝወረደ ክፈልጡ ከም ዘይክኣሉ ሓቢሩ።

ብምስዓብ እቲ መጥቃዕቲ በቶም ጉጉሞ ተባሂሎም ዝጽውዑ ሓይልታት ጸጥታ ክልል ዓፋር'ዩ ተፈጺሙ ክብል ይኸስስ።

በቲ መጥቃዕቲ ዝተቖጥዑ ተወለድቲ ሶማል ነቲ ንጅቡቲ ምስ ኣዲስ ኣበባ ዘራኽብ ጽርግያን መስመር መንግዲ ባቡርን ከም ዝዓጸውዎ ሓበሬታ ከም ዘለዎ'ውን ኣቶ መሓመድ ሮብለ ንቢቢሲ ገሊጹ።

ነቲ መስመር ንምኽፋት መንግስቲ ሶማል፡ ሰበስልጣን መንግስትን ዓበይቲ ዓድን 'ይጓየዩ' ከም ዘለዉ ዝገለጸ ኣቶ መሓመድ፡ ኣብተን ከተማታት ሕጂ'ውን ዘይምርግጋእ ከም ዘሎ ኣፍሊጡ።

ነቶም ብሰንኪ እቲ መጥቃዕትታት ካብ ቤት ንብረቶም ዝተፈናቐሉ ግዝያዊ መጽለሊ ተገይርሎም ከም ዘሎ ዝሓበረ ኣቶ መሓመድ፡ ነቶም ንሓድሕዶም ተጣፊኦም ዘለዉ ስድራቤታት ንምርኻብ ጻዕርታት ይግብር ምህላዉ ጠቂሱ።

ብዛዕባ እዚ ዝተጠቀሰ መልሲ ንምርካብ ናብ ዝተፈላለዩ ሓለፍቲ ክልል ዓፋር'ኳ እንተደወልና ክንረኽቦም ግን ኣይክኣልናን።

እንተኾነ ብሰኑይ ኣብ ከተማ ገብረኢሴን መጥቃዕቲ ድሕሪ ምፋጻሙ፡ መስመር ጅቡቲ ኣዲስ ኣበባ ተዓጽዩ ብዛዕባ ዝብል ሓበሬታ መብርሂ ክህበና ሓላፊ ህዝባዊ ርክበት ክልል ዓፋር ኣቶ ኣሕመድ ካሎይታ መብርሂ ክህበና ሓቲትናዮ ኢና።

"ጁንታ [ሓይልታት ትግራይ] መስመር ጅቡቲ ኣዲስ ኣበባ ዓጺናዮ እናበለ ናይ ፕሮፖጋንዳ ዜናታት ይፍኑ ኣሎ፤ እዚ ሓሶት'ዩ" እኳ እንተበለ ብዛዕባ ሰራዊት ዓፋር ኣብ ልዕሊ ሰለማውያን ሰባት ተወለድቲ ክልል ሶማል መጥቃዕቲ ምፍጻሙ ግን ዝበሎ ነገር የለን።