ኣብ ማእሰርቲ ዝርከቡ ጋዜጠኛታት ኣብ ኣዋሽ ሰባት ከምዝርከቡ ፖሊስ ገሊፁ

ምንጪ ስእሊ, Marsaalee Hawaasaa
ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ተኣሲሮም ክሳብ ሕዚ ደሃይ ዝተኣሰርሉ ጠፊኡ ዝነበሩ 14 ጋዜጠኛታትን ሰራሕተኛታትን መራኸብቲ ሓፋሽ ኣብ "ኣዋሽ ሰባት" ከምዝርከቡ ተገሊፁ።
ኣብ ጉዳይ እዞም ኣካል ናፃ ናይ ምውፃእ መመልከቲ ኣእትዮም ዝነበሩ 14 ጋዜጠኛታትን ሰራሕተኛታትን ሚድያ፡ ፖሊስ ናብ ቤት-ፍርዲ ቀሪቡ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ ነቶም ሰብሞያ ናብ ኣዋሽ ሰባት ከምዘዘዋወሮም ገሊፁ።
ፖሊስ ናብ ልደታ ታሽዓይ መጋባእያ ፍትሓብሄር ትማሊ ሰኑይ ቀሪቡ ብፅሑፍ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፡ "እቶም ተጠርጠርቲ ብሰንኪ ፅበት ቦታ ኣብ ክልል ዓፋር፡ ወረዳ ፈንታሌ ኣዋሽ ሰባት ኪሎ ናብ ዝርከብ ጨንፈር ወሲደዮም" ኢሉ።
ናብ ቤት-ፍርዲ ወረዳ ፈንታሌ ዝቐረበ መመልከቲ'ውን፡ ክሳብ 26 ሓምለ ንምርመራ ግዘ ከምዝተፈቐደ፡ ፖሊስ ሓቢሩ።
ናብ ወረዳ ፈንታሌ ቤት-ፍርድን ናብቲ መጋባእያ ከም መረዳእታ ኮይኑ ዝቐረበን መመልከቲ (ደብዳበ) ከምዝሕብሮ፡ እዞም ጋዜጠኛታት ን 29 ሰነ 2013 ዓ.ም ቆፀሮ ተሓቲትሎም።
ፖሊስ እቶም ጥርጡራት "ብማሕበራዊ ሚድያ፡ ፌስቡክ፣ ዩቲዩብ፣ቴሌግራምን ዋትስኣፕን ብምጥቃም፡ ኣብ ሃገራት ወፃኢ ምስ ዝርከቡ መሻርኽቶም ብምዃን፡ ኣብ ሕብረተሰብ ፀቕጢ ንምፍጣር፣ ብሄር ብሄረሰባት ንክጓነፁ፣ ህዝቢ ተረጋጊዑ ስርሑ ንከይሰርሕ፡ ኲናት ዘለዓዕሉ መልእኽታት ወዚዖም" ዝብሉ ሓዊሱ ብተመሳሳሊ ገበናት ጠርጢረዮም ዝበሎም፡ ናብ ቤት-ፍርዲ ወረዳ ፈንታሌ ኣመልኪቱ።
ኣዋጅ መራኸብቲ ሓፋሽ ብምጥሓስን ሕገ-መንግስቲ ብሓይሊ ንምፍራስ እንክንቀሳቐሱ ኣብ ቀይዲ ውዒሎም ዝብል እቲ ክሲ፡ ነዚኦም ንምምርማር ግዘ ይወሃበኒ ኢሉ ኣመልኪቱ ኔሩ።
12 ሓምለ ተወሳኺ ግዘ ቆፀሮ ይወሃበኒ ዝበለ ፖሊስ፡ ኣብቲ ዝተውሃበኒ ግዘ ፈፂመዮም ዝበሎም ዝርዝር ተግባራት ነቲ መጋባእያ ኣቕሪቡ።
ብመሰረት እዚ፡ "ንጥርጡራት ምዝራብ፣ ቃል ምስክርነት ምቕባል፣ መረዳእታ ምእካብ፣ ካብ ሰብመዚ መራኸብቲ ሓፋሽ መረዳእታ ምትእኽኻብን ካብ መረዳእታን ድሕንነትን ቴክኒካዊ መረዳእታ ናይ ምሕታት ስራሕቲ ሰሪሐ" ኢሉ፡ ንዝተረፉ ስራሕቲ ድማ ተወሳኺ ግዘ ይወሃበኒ ኢሉ።
ኣካል ናፃ ናይ ምውፃእ ጥርዓን ዝምልከት ድማ ንዝምልከቶ መጋባእያ እዞም ሰነድ ዘቕረበ ፖሊስ፡ ግዘ ቆፀሮ መሕተቲ እምበር፡ ኣብ ክልል ዓፋር ወረዳ ፈንታሌ ዝርከብ ቤት-ፍርዲ ቆፀሮ ግዘ ዝፈቐደሉ ሰነድ ኣየተሓሓዘን ተባሂሉ።
እቲ መጋባእያ ድማ፡ ቆፀሮ ግዘ ዝተፈቐደሉ ሰነድ ንክተሓሓዝ ኣዚዙ።
ኣብዚ ጉዳይ ፖሊስ ሒዝዎ ዝመፅእ መልሲ ንምዕዛብ ድማ፡ ንቀፃሊ ሓሙስ 22 ሓምለ 2013 ዓ.ም ቆፀሮ ሂቡ።
ተጣባቒ መሰላት ጋዜጠኛታት ሲፒጄ ንማእሰርቲ እቶም ጋዜጠኛታት ኣመልኪቱ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ መንግስቲ ብቕልጡፍ ክፈትሖምን ኣብቲ ዓውዲ ኣብ ልዕሊ ዝወፈሩ ሰብሞያ ዘብጽሖ ፀቕጢ ደው ከብልን ምፅውዑ ይዝከር።








![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







