ንደቂ ኣንስትዮ ጋዜጠኛታት ዓቐበት ዝኾነ ናይ ኢትዮጵያ ሚድያ

ምንጪ ስእሊ, SPUKKATO
መአዛ ሓደራ ትበሃል። ቅድሚ ሸውዓተ ዓመት ከም ጋዜጠኛ ተቖጺራ።
እንተኾነ ብሰንኪ ጾታኣ፡ ካብቲ ንኣርባዕተ ዓመታት ዝሰርሓትሉ መደበር ቴሌቪዥን ኢትዮጵያ ምስንባታ ኣብ ኢትዮጵያ ጋዜጠኝነት ንደቀንስትዮ ቀሊል ከም ዘይኮነ ዘርኢ እዩ።
ናይ ስራሕ መሰናበቲ ወረቐት ቅድሚ ምእታዋ ቅድሚ ወርሒ ኣቢሉ ብዘይትፈልጦ ምኽንያት ንደቂ ኣንስትዮ ዝምልከት ጸብጻብ ከይትሰርሕ ከም ዝተኸልከለት ትዝክር።
እቲ ሓዲሽ ዝተሸመ ሓለቓኣ ብዛዕባ ደቀንስትዮ ኣብ ዝምልከት ስራሕ፡ ስማ ምስ ዝሩቋሕ ብኣወዳት ጋዜጠኛታት እዩ ዝትከኣ።
"ስለምንታይ ከምኡ ይግበር ኣሎ" ኢላ ምስ ሓተተት፡ "ፌሚኒስት (ኣንስትያዊ ዝምባለ) ሒዝኪ ጋዜጠኛ ክትኮኒ ኣይትኽእልን ኢኺ" ዝብል ምላሽ ከምዝተዋህባ ትዛረብ።
ነገራት ብማዕርነት ምርኣያን ኩሉ ሻብ "ስለምንታይ?" ዝብል ሕቶ ስለ እተቕርብን ሓለቓኣ ባህ ከም ዘይብሎ ተረድእ።
እቲ ነገር ብኣጋጣሚ ዝተኸስተ ኣይኮነን።
ኣብቲ እዋን'ቲ ኣደ ትሽዓተ ወርሒ ሕጻን እያ ነይራ። ንሓላፊኣ ንውላዳ ኣኽቲባ ንስራሕ ክትመጽእ ፍቓድ ክትሓትት እንከላ፡ " 'ካብ ስራሕ ክትበዅሪ ኣይትኽእልን ኢኺ' ይብለኒ" ትብል።
ናይ ሰለስተ ዓመት ፍቓድ ኣይወሰድኩን ነይረ። ኣብ ርእሲኡ ብመሰረት ሕጊ እቲ ትካል "ውላደይ ንከኽትብ ፍቓድ ክሓትት ይኽእል እየ" ክትብል ተረድእ - ግን ኣይተፈቕደላን።
ጓላ ስለ ዝሓመመታ፡ ናይ ክልተ መዓልቲ ዕረፍቲ ምሕታታን ብነዊሕ ዓመታት ናይ ስራሕ ልምዲ ካብ እትበልጻ መሓዝኣ ኣዝዩ ዝተሓተ ናይ ደሞዝ ወሰኽ ብምርካባን ከኣ እያ ስርሓ ክትገድፍ ተገዲዳ።
እቲ ውሳነ ምስ ብቕዓት ዝተኣሳሰር ዘይምዃኑ ከኣ ዝያዳ ኣቖጢዑዋ።
"ኣብ መልክዓ ምትኳር"
"ሰለስተ ቖልዑ ዝወለዱ ደቂ ተባዕትዮ መሳርሕተይ እኮ ክሳብ ሕጂ ይሰርሑ ኣለው" ብምባል ኣብ ልዕሊ ጾታ ዘሎ ኣፈላላይ ተረድእ።
እተን ናብ ቴሌቪዥን ዝቐርባ ደቂ ኣንስትዮ ዕድመአን ጽባቐአንን እምበር ብዘቕርበኦ ትሕዝቶን ብቕዓትን ዘይምዘዛ ምዃነን ከኣ ዚያዳ የሕርቓ።
"ጓል ኣንስተይቲ ጋዜጠኛ ዝጽሓፈቶ ዜና ዝእርም ዘይኮነ ኣብ እትጥቀሞ መመላኽዕን ክዳናን ሰዓታት ዘባኽን ሰብ'ዩ ዘሎ። ንግሆ ንኤዲቶርያል ክንእከብ እንከለና ኣብ ናይታ ጓል ኣንስተይቲ ኣከዳድና እምበር ኣብቲ ናይ ወዲ ተባዕታይ ባድላ ኣይነተኩርን ኢና" ትብል።
መመላኽዒ ክትገብር ፍቓደኛ ዘይኮነት ጓል ኣንስተይቲ ጋዜጠኛ ኣብ ቴሌቪዥን ክትቐርብ ከም ዘይከኣል ዘጋጠማ ተሞክሮ ብኣብነት ብምጥቃስ ተብርህ።
ዋላ'ኳ ናይ ስራሕ ልምዲ እንተለዋ ክትኳሓሓልን ቀምሽ ክትክደንን ብዘይምድላያን ዝተፈላለዩ ጸገማት ከም ዘጋጥማ ትዛረብ።
"መብዛሕትአን ደቂ ኣንስትዮ ቀረጻ ምስ ተወድአ ኩሕለን ኮነ ሰብ ሰርሖ ጸጉረን ከኣልያ እየን ዝህወኻ። ኣወዳት ግን ንቀረጻ ዓሰርተ ደቒቕ ክተርፎ እንከሎ'ዮም ዝመጽኡ። ኣብቲ ዘቕርቡዎ መደብ ከኣ የድህቡ" ብምባል ነቲ ዘሎ ኣፈላላይ ትገልጽ።
ወሲኻ፡ "ናይ ደሞዝ ወሰኽ ክግበር እንከሎ፡ ብኣርባዕተ ዓመት ናይ ስራሕ ልምዲ ዝበልጻ ጋዜጠኛ ዝተዋህባ ወሰኽ ደሞዝ ካብ ናተይ ብሓሙሽተ ሽሕ ብር ይዛይድ ነይሩ" ትብል።
"ስለ ምንታይ እዩ ክንድዚ ዝኣክል ፍልልይ ምስ በልኩ፡ 'ንሳ ኣብ ቴሌቪዥን ስለ እትቐርብ ኣብ ዘይኮነ ቦታ ክትረአን ዘይከውን ክዳን ክትክደንን ኣይንደልን ኢና' ዝብል ምላሽ ተዋሂቡኒ። ብናይ ስራሕ ብቕዓትን ክእለትን እንተዝኸውን ምዓገብኩ፤ እቲ ዝሃቡኒ ምላሽ ግን ግቡእ ኣይኮነን" ከኣ ትብል።

ምንጪ ስእሊ, መዓዛ ሃድራ
ሓለፍቲ ደቀንስትዮ ኣብ ሚድያ
ጋዜጠኛ ቤቴልሄም ነጋሽን ቴዎድሮስ ሃይለማሪያምን "ጾታ ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ኢትዮጵያ" ብዝብል ኣርእስቲ ዝቕረቡዎ መጽናዕታዊ ጽሑፍ፡ ኣብ ሸውዓተ ትካላት ሚዲያ ዘሎ ተሳትፎ ሓላፍነት ስራሕ ደቂ ኣንስትዮ ዳህሲሱ ነይሩ።
እዚ መጽናዕቲ፡ ኣመራርሓ ወሃብቲ ውሳነ ኤዲቶሪያልን ስሩዕ ምሕደራን ክብል ኣብ ክልተ መቒሉ ይፍትሽ።
ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ ሰራሕተኛታት ኣለውኦ ኣብ ዝብሃል ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ካብ ዘለው 25 ሓለፍቲ፡ ጓል ኣንስተይቲ ሓንቲ ጥራሕ እያ።
ውሳነ ኤዲቶሪያል ካብ ዝህቡ ሓለፍቲ ከኣ እተን 40 ሚኢታዊት ደቂ ንስትዮ እየን።
ኢትዮጵያ ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት፡ ኣብ ኢትዮጵያ ብልዑል ቑጽሪ ሰራሕተኛታት ይቖጽር ዝብሃል ማዕከን ዜና እዩ።
እዚ ትካል ካብ ዘለውዎ 64 መራሕቲ፡ እተን 13 ጥራሕ እየን ደቂ ኣንስትዮ።
ካብቶም ናይ ኤዲቶሪያል ውሳኔ ዝህቡ ከኣ 16.6 ሚኢታዊት ጥራሕ እየን ደቂ ኣንስትዮ።
እቲ መጽናዕቲ ከም ዘረድኦ፡ እቲ ኤሌክትሮኒካዊ ሚዲያ ካብ ናይ ሕትመት ሚዲያ ብዝሓሸ ደቂ ኣንስትዮ ናይ ምቑጻር ዕድል ኣለዎ።
ቑጽሪ መራኸቢ ሓፋሽ ሕትመት እናነከየ'ኳ እንተመጽአ ደቂ ኣንስትዮ ጋዜጠኛታት ኣብ ጋዜጣታትን መጽሄታትን ብዙሕ ኣይጸንሓን።
ኣብ ናይ ሕትመት ሚዲያ ንኣርባዕተ ዓመት ዘገልገለትን ኣብዚ ቐረባ እዋን ብምኽንያት ጾታኣ ስርሓ ዝገደፈትን ፋሲካ ታደሰ፡ ኣብ ሕትመት ስለምንታይ ውሑዳት ደቀንስትዮ ጥራይ ከምዘለዋ ተረድእ።
ፋሲኻ፡ ንሸሞንተ ዓመታት ብሞያ ጋዜጠኝነት ክትሰርሕ እንከላ፡ መዓልታዊ ደቂ ኣንስትዮ ኣመራርሓ ሚዲያ ካብ ደቂ ተባዕትዮ ብዝተፈለየ ጸገማት ከም ዘጋጥመን ትዛረብ።
ነዚ፡ "ሓደ መዓልቲ ጓል ኣንስተይቲ ሓላፊት ክትህልወኒ'ያ ኢሉ ሓሲቡ ምስ ዘይፈልጥ ሰብ ፊት ንፊት ክትገጥም ትጽቢት ይግበረካ" ትብል።
"ብዙሓት ደቂ ተባዕትዮ ዝዓብይሉ ሕብረተሰብን ስድራቤትን ልዕልነት ወዲ ተባዕታይ ዘጉልሕ ስለ ዝኾነ፡ መሪሕነት ጓል ኣንስተይቲ ኣሚኖም ንክቕበሉ ይጽገሙ'ዮም። ኣብ ስርሖም ነቐፌታ እንተሂብካን እንተኣዚዝካዮምን፡ 'ስለ ዝንዓቐትኒ'ዩ' ክብሉ ይቐንዖም" ትብል።
ቅድሚ ኣዋርሕ ሓደ ወዲ ተባዕታይ መሳርሕታ ብዘዝነበላ ናይ ቃላት መጥቃዕቲ ስርሓ ጊደፋ ከም ዝወጽአት እትዛረብ ጋዜጠኛ ፋሲካ፡ ቅድሚኡ'ውን ተመሳሳሊ ቃላት ይጥቀም እኳ እንተነበረ ብስምዒት ተደፈኡ እዩ ዝኸውን ብምባል ዕሽሽ ትብሎ ከም ዝነበረት ትሕብር።
"ሓለቕቶተይን መሳርሕተይን ኣብ ዝነበርሉ እዋን ጾታዊ ጸርፊ ዘለዎ መልእኽቲ ልኡኽለይ። እቲ ንዓይ ዝበለኒ ደፊሩ ንወዲ ተባዕታይ መሳርሕቱ ክብሎ ከም ዘይክእል እፈልጥ እየ" ትብል።
ፋሲካ፡ ኣብቲ እትሰርሐሉ ጋዜጣ ኣብ ዝለዓለ ሓላፍነት እትርከብ ጋዜጠኛ'ኳ እንተኾነት፡ "ነቲ ጉዳይ ልዕሊ ዓቐኑ ኣጋኒንክዮ" ካብ ምባል ወጻእ ሰማዒ ከምዘይረኸበት ትዛረብ።
በዚ ምኽንያት ስረሓ ክትገድፍ ከም ዝወሰነትን እቲ ጉዳይ ኣነብ ቤት ፍርዲ ክትወስዶ ከም ዝሓሰበትን ኣውጊዓትና።
ኣብቲ እዋን እቲ ትካል፡ [እቲ ሰብ] "ኣብ ናይ ስራሕ ቦታ ክበሃል ዝግበኦ ቋንቋ ኣይተጠቕመን። ካብኡ ወጻኢ ጸገም ኣይረኣናሉን" ዝብል ናይ መጠንቀቕታ ደብዳበ ጽሒፉ።
ይኹን'ምበር፡ ኣቐዲሙ ኣብዚ ጉዳይ እዚ ግቡእ መርመራ ተገይሩ፡ መቕጻዕቲ ዝግበኦ እንተኾይኑ ክቕጻዕ፡ ይቕሬታ ክሓትት ዝግቦአ እንተኾይኑ ከኣ ይቕሬታ ክሓትት እዩ ዝግበኦ ብምባል ፋሲካ እቲ መስርሕ ልክዕ ኣይኮነን ክትብል ተሟጒታ።
"ብዙሕ ሰብ እቲ ተግባር ብሕጊ ዘሕትት ምዃኑ ኣይፈልጥን። ነዚ ጉዳይ ዝምልከት ሕጊ ኣስራሕን ሰራሕተኛን ብግልጺ ኣቐሚጡዎ ኣሎ። ሓለፍቲ ጾታ፣ ሃይማኖትን ብሄርን መሰረት ንዝገበረ መጥቃዕቲ ወይ ዘለፋ ሕጋዊ ምላሽ እንተዘይሂቦሙሉ ንባዕላቶም ብሕጊ ይሕተቱ እዮም። ነዚ ዝመዓራረ ውሳኔ ብዘይ ምውሳዶም ኣብቶም ተሪፎም ዘለው ሰራሕተኛታት ዘመሓላልፎ መልእኽቲ የተሓሳስበኒ እዩ" ኢላ።
ነፃነት ፕሬስ ምስ መሰልን ድሕነትን ደቂ ኣንስትዮ ጋዜጠኛታትን
ተወካሊት ሃገራት ትሕተ ሰሃራ ሲፒጄ ሙቱኪ ሙሞ፡ ደቂ ኣንስትዮ ሰራሕተኛታትን ሓለፍትን ዘይብሉ ትካላት ናይ ፕረስ ነጻነት ጸገም ኮይኑ እውን ክርአ ይከኣል እዩ በሃሊት'ያ።
ብፍላይ ኣፍሪቃውያን ደቂ ኣንስትዮ ልክዕ ከም ደቂ ተባዕትዮ መሳርሕተን ዝተፈላለየ ጸገማት የጋጥመን እዩ።
ኣብ ርእሲኡ ከኣ ከም ደቀንስትዮ ካልእ ተወሳኺ ጸገም የጋጥመን። ብሰንኪ'ዚ ኣብቲ ሞያ ንኽቕጽላ ጸገም ይኾነን ትብል።
"ኣብ ኡጋንዳ ተቓዋሚ ፓርቲ ንዝህቦ መግለጺ ክሰምዑ ኣብ ልዕሊ ዝተኣከቡ ጋዜጠኛታት ዘጋጠመ መጥቃዕቲ ኩል ግዜ ይዝከረኒ። ፖሊስ ነቶም ደቂ ተባዕትዮ ክሃርሙዎም እንከለው እታ ጓል ኣንስተይቲ'ውን ማዕሪኦም ተሃሪማን ተኣሲራን'ያ። ይኹን'ምበር፡ እቲ ሕብረተሰብ ደቂ ኣንስትዮ ክሰርሕኦ ኣለወን ኢሉ ምስ ዝጽበዮም ስራሕቲ ስለ ዘዘተኣሳስሮ፡ ጓል ኣንስተይቲ ተወሳኺ ጸገማት ትጻወር" ክትብል ተረድእ።
ወሲኻ፡ ኣብዚ ግዳይ ዝነበረት ጓል ኣንስተይቲ ጋዜጠኛ፡ በዓል ቤታ "ወይ ንስራሕኺ ወይ ድማ ንዓይ ምረጺ" ከም ዝበላ ኣንቢበ'የ ትብል።
ደቂ ኣንስትዮ ጋዜጠኛታት፡ ካብ ሓለፍተን፣ መሳርሕተንን ዝነብራሉ ሕብረተሰብን ካብ ዘጋጥመን ጸቕጢ ንምህዳም ዝፈትውኦ ስርሐን ክገድፋ እንከለዋ፡ ንርእሰን ግዳያት ከም ዝገብራ ሙቱኪ ሙሞ ተረድእ።
ይኹን'ምበር፡ ደቂ ኣንስትዮ ዘይብሉ ሚድያ ዝረኽቦ ሓበሬታ ብዙሕነት ስለ ዝጎድሎ እቲ ሕብረተሰብ እዩ ዝጉዳእ፤ እዚ ከኣ ምስ ናጽነት ፕረስ ዝተኣሳሰር እዩ ትብል።
ኣብዚ ቀረባ እዋን ዝተኻየደ መጽናዕቲ ከም ዘመላኽቶ፡ ደቂ ኣንስትዮ ጋዜጠኛታት ልዕሊ መዘናታተን ደቂ ተባዕትዮ ግዳይ ዲጂታላዊ መጥቃዕቲ ይኾና።
"ብሰንኩ ድማ እተን ደቀንስትዮ ካብቲ ጸቕጢ ንምግልጋል ርእሰ ምመያ [self censorship] ይገብራ። እዚ ከኣ ኣብ ናጽነት ፕረስ ጸቕጢ የሕድር ኣሎ" ክትብል ንቢቢሲ ኣረዲኣ።
ሲፒጄ ማዕረ ጋዜጠኛታት መሰላት ሕብረተሰብ እውን ከም ዘገድሶ እትገልጽ ሙቱኪ መራኸቢ ብዙሓን ብደቂ ኣንስትዮ ጋዜጠኛታት እንተተመሪሑ ብተዘዋዋሪ ኣብ ናጽነት ፕረስ ተራ ኣለዎ ትብል።
"ሓደ ትካል ኣበየናይ ክፋል ናይቲ ስራሕ ገንዘቡ ከምዘውፍር ዝውስኑ እቶም ሓለፍቲ እዮም። ጓል ኣንስተይቲ ሓላፊት ዘይብሉ ትካል ከኣ ውክልና ደቂ ኣንስትዮ ስለ ዝጎድሎ ኣብ ናጽነት ፕረስ ጸቕጢ ዝፈጥር ውሳነ ክውስን ይኽእል እዩ። እቲ ነገር ግን ኣብ ፕረስ ጥራሕ ዘይኮነ ኣብ ኩሉ ዓውደ ቁጠባን ፖለቲካን ክኸውን ኣለዎ" ትብል።
እቲ ፍታሕ ደኣ እንታይ እዩ?
እቲ ዘጋጠማ ፈተና ዓይነ ከም ዘንቁሐላ እትዛረብ መኣዛ፡ ኣብዚ እዋን ኣብ ናይ ገዛእ ርእሳ 'ዩቲዩብ' ኣብ ዝተፈላለየ ዓውዲ ዝነጥፋ ደቂ ኣንስትዮ ብምዕዳም ንመናእሰይ ደቂ ኣንስትዮ ማዕዳ ዝልግሱ መደባት ተቕርብ ኣላ።
ደቀንስትዮ ኣብ አእዳወን ሚድያ ሒዘን ከብቅዓ ስቕ ኢለን ክጭቆና ከም ዘይብለን ትገልጽ።
እተን ኣቐዲመን ሞያ ጋዜጠኝነት ዝጀመራ ደቂ ኣንስትዮ፡ ነተን ጀመርቲ መገዲ ክመርሐአን ይግባእ ብምባል "ንሓድሕድና ከም ኣሓት ክንተሓጋገዝ ኣሎና። ከምኡ እንተገይርና እተን ጽባሕ ዝጅምራ ደቂ ኣንስትዮ ካብ ባዶ ኣይብገሳን" ኢላ።
ጓል ኣንስተይቲ ጋዜጠኛ ምስ ሰብ ክትረዳዳእ እንተኽኢላ፣ ክትዛነን እትደልዮ ነገር ክትገብርን እንተተራእያ ትሕመ፤ ከምኡ ዘይትገብር እንተኾይና ከኣ "ፈላሲት እያ ትበሃል'' ዝበለት መኣዛ "እዚ ተኣልዩ ጓል ኣንስተይቲ ጋዜጠኛ ብኣከዳድንኣ፣ መልክዓን ጸጉራን ዘይኮነስ ብእትሰርሖ ስራሕ ክትምዘን ክርኢ ሕልሚ ኣለኒ" ኢላ።
ትካላት ሚድያ ድሕነት ጋዜጠኛታቶም ኣብ ግምት ዘየእተውሉ ምኽንያት ግደ ማሕበራት ሞያ ስለ ዝተዳኸመ'ዩ ዝበለት ጋዜጠኛ ፈሲካ ብወገና፡ መሰል ደቀንስትዮ ጋዜጠኛታትን ካልኦትን ክጠሓስ እንከሎ ኣብ ኣደባባይ ወጺኡ ዝካታዕ ትካል ዘይምህላው እውን ካልእ ጸገም'ዩ ትብል።
እተን ምንቅስቓሳት ደቂ ኣንስትዮ (ፌሚኒስት ግሩፕስ) ስርሐን ዘይምስረሐን እውን ካልእ እዩ ኢላ ትኣምን።
"ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብዙሓት ምንቅስቓሳት ኣንስታውነት [ፌሚኒስት] ኣለዋ፤ ግን እቲ ሓይለን ኣብ ካልእ እየን ዘባኽንኦ። ነዘን ማሕበራት ስልጠና ብምሃብ ንውሽጠን ክርእያ ክንገብር ኣለና" ኢላ።
ሙቶኪ ብወገና ትካላት ሚድያ ንደቂ ኣንስትዮ ጋዜጠኛታት ኣብ ውሽጢ ትካሎም ዘሎ ጥራሕ ዘይኮነ ኣብ ግዳም ዘጋጥመን መጥቃዕቲ እውን ኣድህቦ ክገብርሉ ኣለዎም ትብል።
ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ጉዳያት ዝሰርሓ ብዙሓት ትካላት ከምዘለዋ ብምዝኽኻር ደቀንስትዮ ጋዜጠኛታት ነተን ትካላት ብምርካብ ኣገልግሎት ክረኽባ ከምዝኽእላ ትመክር።








![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







