ሚከላ ሮንግ፡ "መስከረም 2001 ክዝክር ሕማቕ ይስምዓኒ" ብዛዕባ ኤርትራ መጽሓፍ ዝጸሓፈት ደራሲት

ምንጪ ስእሊ, Michela Wrong
"ኣብ ዉሽጢ ሓሙሽተ ዓመታት እቲ ዝበለጸን ዝኸፍአን ሸነኻት ኤርትራ ምስ ረኣኹ ሓዚነ። ሕጂ ተዘክሮታት መስከረም 2001 ይኣቱ ስለ ዘሎ ሕማቕ ይስምዓኒ" ትብል ሚከላ ሮንግ።
ሚከላ ሮንግ ('I didn't do it for you') እትብል ብዛዕባ ኤርትራን ኤርትራውያንን መጽሓፍ ዝጸሓፈት ደራሲት'ያ። እታ ብ 2005 ዝጸሓፈታ መጽሓፋ ከኣ ብቋንቋታት ጣልያንን ማንደሪንን (ቋንቋ ቻይናውያን) ተተርጒማ ቀሪባ ኣላ። ብቋንቋታት ኤርትራ ትግርኛ ይኹን ትግረ ወይ ዓረብ ግን ገና ኣይተተርጐመትን።
እዛ ምስ ሮይተርስ፡ ቢቢሲ፡ ፋይናንሽያል ታይምስ ንብዙሕ ዓመታት ኣብ ኣፍሪቃ ዘገልገለት ጋዜጠኛ፡ ንኤርትራ ናጽነታ ምስ ተጎናጸፈት'ያ ተላልያታ።
እቲ ሽዑ ዝነበረ ዉዕዉዕ መንፈስን ኵነታት ሃገርን ንመንፈሳ ስለ ዝማረኾ ኸዐዓ ብዛዕባ ኤርትራ መጽሓፍ ክትጽሕፍ ወሲና።
ስለምንታይ ብዛዕባ ኤርትራን ኤርትራውያንን ክትጽሕፍ ከምዝወሰነት ክትገልጽ እንከላ ከኣ ከምዚ ዚስዕብ ትብል፡
"እታ ብዛዕባ ሞቡቱ (ኮንጎ/ዛይር) ዝጸሓፍክዋ መጽሓፍ (In the Footsteps of Mr Kurtz) ኣዝያ ስለ ዘህለኸትኒ ኣብ ኤርትራ ምስ በጻሕኩ ፍልልያት ኮንጎን ኤርትራ ንቕጽበት ተራእየኒ - ኮንጎ ብብልሽውናን ብክቱር ምልክን ተዋሒጣ፡ ኤርትራ ኸኣ፡ ምስቲ ኹሉ ኣብ ኩናት ዘጋጠመ ዕንወት፡ ተስፋ ዘሎዋ ሐዳሽ ናጻ ውጻእ ሃገር ኰይና ረኺበያ። ... ዜጋታታ ተጊሆም ዝሰርሑ፡ ሕልሞም ንክማላእ ህርድግ ዝብሉ፡ ብርእሰ ተኣማምነት ሓንቲ ዲሞክራስያዊት ኤርትራ ንክሃንጹ ድሕር ዘይብሉ ህዝቢ ኰይኖም ምስ ርአኹ ተመሲጠ። ብሓጺሩ እቲ ናይ ኮንጎን ኤርትራ ፍልልይ ዓቢ ኮይኑ ስለዝረኸብኩዎ እታ ን30 ዓመታት ብኩናት ዝሓለፈት ሃገር ብኸመይ ናብቲ ዓወት ከም ዝበጽሐት መጽሓፍ ክጽሕፍ ወሲነ" ትብል ሚከላ።

ምንጪ ስእሊ, Michela Wrong
ቅድሚ ንምጽሓፍ ምውሳና ንመጀመርታ ከመይ ኢላ ናብ ኤርትራ ከም ዝበጽሐት ከተዕልል እንከላ ከምዚ ዚስዕብ ትብል፡ ...
"ጋዜጠኛ ፋይናንሽያል ታይምስ ኣብ ዝነበርኩሉ እዋን፡ እቲ ጋዜጣ ኣብ ኤርትራ ናይ ወፍሪ ዳህሳስ ንኸካይድ ስለዝወሰነ ንዓይ ልኣኸኒ። ኣብ ኤርትራ ምስ በጻሕኩ ምስ ብርክት ዝበሉ ሓለፍቲ ተራኺበ ዝኣክል ሓበሬታ ኣከብኩ። ሽዑ ኩሉ ሰብ ክፉት ኰይኑ'ዩ ዘዛርበካ ነይሩ። ምስ ፕረሲደንት ኢሳያስን ካልኦት ሓሙሽተ ሚኒስተራትን - ከም በዓል ጴጥሮስ ሶሎሞን፡ ሳለሕ መኪ ከምኡ'ውን ምስ ሓላፊት ቱሪዝም ... ወዘተ ዕዉት ቃለ መጠይቕ ኣካይደ። ሽዑ ዝነበረ ክፉትነት ብሓቂ ኣድኒቐዮ" ትብል።
ትማልን ሎምን ብዛዕባ ኤርትራ ክትሓስብ እንከላ ከኣ ከምዝኢ ትብል
"ብዙሕ ነጋራት ኣብ ሓሳበይ ይመጽኡኒ፣ ኣብ ኤርትራ ንመጀመርታ ዝበጻሕኩሉ እዋን 'ወርቃዊ ዘመን' ኢዩ ነይሩ ክብል እኽእል። እዚ ብ 1996 ምዃኑ'ዩ። እቲ እዋን'ቲ'ዩ ጦብላሕ ዝብለኒ።
"ዘመን ተስፋ፡ ዘመን ፍሕትሕት፡ ዘመን ርእስኻ ኣልዒልካ ምኻድ ምንባሩ እዝክሮ። ሰባት ኣብ ፈቐድኡ ይረኽቡኻ'ሞ ሰላም ይብሉኻ፣ ምስ ተፋለጡኻ ዛንትኦም ንክነግሩኻ ሰጋኣ ኣይብሉን። ብዙሓት ሰባት ቋንቋ ጣልያን ክዛረቡ ምስምዐይ ክድንጽወኒ እዝከረኒ፣ ኣነ ኸኣ ኣደይ ጣልያን ስለ ዝዀነት ብጣልያንኛ አዕልሎም ነይረ።
"ኣብቲ ጸጸኒሐ ንኤርትራ ዝማላለሰሉ ዝነበርኩ እዋን ብዙሕ ጽቡቕ ተዘክሮታት ኣዋህሊለ፣ ብሓቂ ምዕሩግ ክሩዕ ህዝቢ'ዩ። ኩሉ ሰብ ነናቱ ዘይውዳኣ ዛንታ ኣለዎ። ደቂ ኣስመራ፡ ድሕሪ ስራሕ፡ ዓበይቶም ኣናእሽቶም፡ ኣብ ጐደና ሓርነት ሸናዕ ክብሉ፡ ሰባት ባርኔጥኦም ኣውጺኦም ብኽብሪ ሰላም ክበሃሃሉ፡ ተጋደልቲ-ነበር ድማ ንሓድሕዶም ብሞንኩቦም እናተጓነጹ ሰላምታ ክለዋወጡ እዝከረኒ። ብርክት ዝበሉ ኤርትራውያን ኣዕሩኽ'ውን ኣጥርየ እየ። ድሓር ግን ምስ ኢትዮጵያ ዉግእ ስለ ዝተጀመረ ነገራት ተቐያይሩ፡ ብዙሕ ጸገማት እውን ስዒቡ።
ሓራካ (ተኽላይ ገብረስላሴ)

ምንጪ ስእሊ, Michela Wrong
ኣብ ኣስመራ ካብ ዝተፋለጥክዎም ሰባት ሓደ ሓራካ እዩ።
"ሓራካ ሳጓ ናይ ተስፋይ ገብረስላሴ እዩ። ሓራካ እቲ ብዕድመ ዝዓበየ ተጋዳላይ ኮይኑ ካብ ስሳታት ጀሚሩ ዝተቓለሰ፡ ብዙሕ ዝረኣየን ዜሕለፈን፡ ብዙሕ ዘይዛረብ ግን ኣዝዩ መስተውዓሊ ሰብ ነበረ" ኢላ ትገልጾ ሚከላ።
ሚከላ ንፈለማ እዋን ኣብ ኣስመራ ምስ በጽሐት ኣብ መዓርፎ ነፋሪት ዝተቐበላ ታክሲስታ ሓራካ ነበረ። "ካብ ሓራካ ዝነውሐ ዝተጋደለ ሰብ ኣብ ሜዳ ኤርትራ ኣይነበረን፡ ኣነ ግን ነዚ ሓቂ'ዚ ኣይፈልጥን ነይረ" ትብል ሚከላ። "ሓደ ካብ'ቶም ዘዛርቦም ዝነበርኩ ሚኒስተራት'ዩ ነጊሩኒ" ከኣ ትብል።
"እዚ ኹሉ እዋን ንኤርትራ ክመላለስ ሓራካ ይቕበለንን የፋንወንን፡ ኣብ ዝደለኹዎ ቦታ ኸኣ የብጽሓንን ይለኣኸንን ነበረ። እቲ ሓቀኛ ስእሊ ኤርትራ ኣብ ባህርያት ሓራካ እርእዮ ነበርኩ። ቀስ ኢለ እናፈለጥኩዎ ምስ ከድኩ በሰላ-ውግእ ኤርትራ ኣብ ገጹ ክርእዮ ጀመርኩ።
"ብዙሓት ተጋደልቲ ስልጣንን ሽመትን ተዋሂቡዎም ኣብ በብዓይነቱ ስርሓት ክምደቡን እንከለው ሓረካ ግን ኣብ ታክሲ ምዝዋር ኣተወ፣ ከዕረምርም ከኣ ከቶ ሰሚዐዮ ኣይፈልጥን" ትብል ሚከላ።
"ኣብ ፖለቲካ ዘሎ ሕምየትን ሓድ-ሕድ ምርጋሕን ንዕኡ ዘይከውን ስራሕ ምዃኑ ድሮ ስለዘስተብሃለሉ፡ ኣብ ዕብየቱ ብሰላም ክነብር ከም ዝወሰነ ተረዲኡኒ" እናበለት ኵነታቱ ትገልጾ።
"እቲ ኣብ ህይወቱ ደጊሙ ዉግእ ክርኢ ዘይደሊ ዝነበረ ሓረካ ናይ ባድመ ዉግእ ምስ ተጀመረ ብዙሕ ሓዘነ። ሐደ መዓልቲ ንባጽዕ እናተጓዓዝና ንፋስ ክንወስድን ኣብ መገዲ ምስ ኣዕረፍና እቲ ብዙሕ ዘይዛረብ ሓረካ 'ዉግእ ሓያል'ዩ ... ኣብ ዉግእ ክንምለስ ኣይምተገብአን' ክብል ሰሚዐዮ" ትብል።
"ሓቁ'ዩ፡ ኤርትራ ድሕሪ'ቲ ኹሉ ናይ ናጽነት ዉግእን በሰላን ተመሊሳ ናብ ዉግእ ብምእታዋ እቲ ኣብ ሸሞንተ ናይ ሰላም ዓመታት ዝተደለቡ መኽሰባት ብኸቢድ ተሃስዩ እዩ። " እናበለት ዉግእ ከቢድን አዕናውን ምዃኑ ትዛረብ። ሓረካ ድማ በቲ ውግእን ዉጽኢቱን ከም ዝተተንከፈ ይርኣያ ከም ዝነበረ ድማ ትምስክር።
ሓራካ፡ ብጽኑዕ ሕማም ተታሒዙ፡ ወርሒ ሓምለ 2004 ካብ'ዛ ዓለም ብሞት ተፈልየ። ሽዑ ዕድሚኡ 68 ነበረ። ቅድሚ ምስንባቱ ኣብ ሆስፒታል ከይዳ በጺሓቶ ግን ኣይርኢ-ኣይሰምዕ ስለ ዝነበረ ምሕረት የውርደልካ ክትብሎ'ውን ኣይከኣለትን።

ምንጪ ስእሊ, Michela Wrong
ትሕዝቶ መጽሓፍ ሚከላ ሮንግ
እቲ ብመስከረም 2001 ዘጋጠመ ፖለቲካዊ ወጥሪ ንኤርትራ ፍጹም ለወጣ። እታ ንቕድሚት ትግስግስን ነተን ካልኦት ሃገራት ከተርክብን ዘብ-ዘብ ትብል ዝነበረት ሃገር ልጓም ሓዘት፡ ብዙሕ ነገር ከኣ ደው በለ። መድርኽ ዲሞክራሲ ኣይተበጽሐን እቲ ዝደለ ዝነበረ ደሞክራሲያዊ ለውጥታት እውን ኣይተኣታተወን። ብኣንጻሩ እቶም ለውጢ ክተኣታቶ ዝጠለቡ ኣባላት ማእከላይ ሽማግለን ሓለፍቲ መንግስትን ኣብ ቀይዲ ኣተዉ፣ እተን ክዕንብባ ጀሚረን ዝነበራ ናይ ብሕቲ ጋዜጣታት ድማ ተዓጽዋ።
ሚከላ ሮንግ እታ ዝጀመረታ መጽሓፋ ከይወድኣታ ኵነታት ኤርትራ ተለወጠ። እቲ ብተስፋን ዓወታትን ትገልጾም ዝነበረት መድርኻት መልክዖም ተለወጡ። ኤርትራ ኣብ ሓድሕድ ምጭኽኻንን ምእሳርን ኣፍ ምዕባስን መርገጽትን ተሸመት። ነቲ ኩነታት "ብሓቂ ተስፋ ዜቝርጽ ኵነታት ተፈጥረ" ክትብል ትገልጾ።
ኣብታ መጽሓፍ ሰፊሩ ዝርከብ ዛንታ ካብ'ቶም ካልኦት ዛንታታት ፍልይ ይብል። ዋላ'ኳ እቲ ዛንታ ካብ ዘመን ጣልያን ጀሚሩ ናብ ዘመናት እንግሊዝን ሃይለስላሴን ደርግን ይስገር፤ ከምኡ እናበለ ኸኣ ዘመን ናጽነት ኣትዩ ክንዮኡ ሰጊሩ ናብ ውግእ ባድመ ይበጽሕ - ኣጸሓሕፍኣ ፍሉይ'ዩ።
እቲ ዛንታ ንዉግእ ባድመ ሓሊፉ ኣብ ወርሒ መስከረም 2001 ይበጽሕ፣ ነቲ ፍጻሜ ከኣ ብዝተፈላለዩ ኵርንዓት ትገልጾ። ወጻእተኛታት ከይተረፉ ነቲ ፍጻሜ ዜንበሩሉ ትዕዝብታት ኣርያ ኣብ መጽሓፋ ኣስፊራቶም ትርከብ። በቲ ዝብልዎ ዝነበሩ ከኣ እቲ ዛንታ ብዜስደምም መሰጋግሮ ኣቢሉ ክሳብ 2004 ይበጽሕ።
ሚከላ ብዛዕባ ጊዜ ሰውራ ዝተኻየዱ ፍጻሜታት ክትገልጽ እንከላ ኣቀራርብኣ ፍሉይነት ኣሎዎ። ንኣብነት ብዛዕባ ባቡራት ዝጭወያሉ ዝነበረ እዋን፣ ኣብ ቃኘው (ካምቦ ኣሜሪካውያን)ዝካየድ ዝነበረ ስርሓት፣ ብፊዳኢን ዝፍጸሙ ዝነበሩ ምስጢራውያን ስርሒታት፣ ኣብ ዑና ዘጋጠመ ቅዝፈት፣ ብምስጢራዊ ስርሒት ካብ ሰምበል እሱራት ዝወጽኡሉ እዋን፣ ካብ ባንካታት ንሰውራ ተባሂሉ ዝወጽእ ዝነበረ ገንዘብ (ንሜዳ ዝልኣኽ ዝነበረ)፣ ካብ መኻዚኖታት ዝወጽእ ዝነበረ መድሃኒታት ... ወዘተ. ንተዋሳእቲ ናይ'ቶም ፍጻሜታት ዝነበሩ ሰባት ከም መሰኻኽር እናቕረበት ዘዘንተወቶም ዛንታት ብዙሓት እዮም።
መስከረም 2001
እቲ 'ንቡር ክንደይ ኮን ይጥዕም' ዘርእስቱ ናይ መጨረሽታ ምዕራፍ መጽሓፋ ፍሉይ ስምዒት ይፈጥር። እቲ ኣብኡ ሰፊሩ ዘሎ ዛንታ ሓደ ሓደ ተጋደልቲ ነበር፡ ምሉእ ህይወቶም ብቃልሲን ከቢድ መከራን ሓሊፎም ከብቅዑ፡ እቲ ባዕላቶም ተሓጋጊዞም ዝተኸልዎ መንግስቲ፡ ፖለቲካዊ ክትዑ ብዘተን ልዝብን ክፈትሕ ዘይምኽኣሉ ከምዘሕዘና ትገልጽ።
ብዙሓት ኤርትራውያን ኣብ ግዳም ኰይኖም ኣብ ዉሽጢ ሃገር፡ ኣበይ ኢና ተጋጊና እናበሉ ንነብሶም ይሓቱ ከም ዘሎዉ ሚከላ ሮንግ ኣብነታት እናቕረበት ኣብቲ ምዕራፍ ኣስፊራቶ ትርከብ።
ብተወሳኺ፡ ሚከላ ብዛዕባ እቶም ኣባላት ህዝባዊ ግንባር ክነሶም ኣባላት መንካዕ ተባሂሎም ተኣሲሮም ዝተቐንጸሉ ዘስፈረቶ ሓተታ ኣብቲ ንናጽነት ዝተኻየደ ቃልሲ ብዙሕ ነገር ከምዝሓለፈ ይእምት።
ኣብ ሜዳ ዝተፈጸሙ ጌጋታት ብኣጋኡ ስለ ዘይትዓረዩ እዩ እዚ ናይ ዳሕራይ ኣጋጢሙ ብዜስምዕ መንፈስ ከኣ ንመጽሓፋ ትድምድሞ።
"እቶም ንኤርትራ ዝተላገጹላን ኣብ ሕማቕ ዘውደቑዋ ዓበይቲ መንግስታት ሕጂ'ውን ከበራ ኣይወስዱን ኣሎዉ" ብምባል ከኣ ጽቡቕ ኤርትራ ትምነ ሚካላ።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







