ኣብ ማእሰርቲ ዝርከቡ ሰራሕተኛታት ሚድያ “ኣካል ናፃ ናይ ምውፃእ” ክሲ መስሪቶም

ማእሰርቲ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ካብ ዝእሰሩ 20 መዓልታት ዘቑፀሩ 14 ጋዜጠኛታት መርበብ ሓበሬታን ሰራሕተኛታት መራኸብቲ ሓፋሽን፡ ንመጋባእያ ፍትሓብሄር ቀዳማይ ደረጃ ቤት-ፍርዲ ኣብ ዘእተውዎ ደብደበ ጥርዓን (ማመልከቻ)፡ ኣካል ናፃ ናይ ምውፃእ (habeas corpus) ክሲ መስሪቶም።

እቲ ቤት-ፍርዲ ነቲ ጥርዓን (ቅረታ) ስዒቡ፡ ፖሊስ ፌደራል መፀዋዕታ ክበፅሖ ልኢኹ።

ጠበቓ ተኸሰስቲ ኣይተ ታደለ ገብረመድህን፡ ፌደራል ፖሊስ ነቲ መፀዋዕታ ክቕበል ፍቓደኛ ብዘይምዃኑ፡ እቲ መፀዋዕታ ከየብፅሑ ክምለሱ ከምዝተገደዱ ንቢቢሲ ገሊፁ።

“ሰራሕተኛታት ቤተ-መዝገብ ብስልኪ ምስተዘራረቡ፡ ንክንወፅእ ተነጊሩና” ኢሉ።

ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ዝተሓተተ ሓላፊ ርክብ ህዝቢ ፖሊስ ፌደራል ኣይተ ጄይላን ዓብዲ፡ ኣብዚ ጉዳይ ሓበሬታ የብለይን ዝብል መልሲ ሂቡና።

እቲ ናብ መጋባእያ ፍትሓብሄር ዝቐረበ ጥርዓን፡ ካብ ጋዜጠኛ ያየሰው ሽመልስ ወፃኢ ዘለዉ 13 ኣመልከትቲ፡ ካብ 25 ሰነ 2013 ዓ.ም ጀሚሩ፡ ኣብ ምርመራ ገበን ፖሊስ ፌደራል ቤት-ማእሰርቲ ተሓይሮም ከምዝፀንሑ የመልክት።

ኣብቲ ዝሓለፈ 25 ሰነ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝወዓለ ጋዜጠኛ ያየሰው ሽመልስ፡ ብተመሳሳሊ ናብ ቤት-ማእሰርቲ ከምዝኣተወ እቲ ጥርዓን ይሕብር።

ካብ 25 ሰነ ንደሓር ነቶም እሱራት ንምሕታት ዝኸዱ ስድራ “ተለቒቖም’ዮም” ዝብል ሓበሬታ ከምዝተውሃቦምን፡ ዛጊድ ናብ ቤት-ፍርዲ ከምዘይቐረቡን እቲ ጥርዓን ይሕብር።

ካብዚ ብተወሳኺ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰል ኢትዮጵያ ኩነታቶም ክዕዘብ እኳ እንተፅዓረ፡ ፍቓድ ዘይምርካቡን ስድርኦም’ውን ዘለውዎ ኩነታት ከምዘይፈልጡ፡ ንቤት-ፍርዲ ኣፍሊጡ።

“ብሕገ-መንግስቲ ዝተውሃቦም ናይ ኣካል ድሕንነትን መሰል ናፅነትን ዝጥሕስ ተግባር እዩ” ዝብል እቲ ጥርዓን” ክልተ ፍርድታት ጠሊቡ።

“ኣመልከትቲ ናበይ ተወሲዶም ከምዝተኣሰሩ ዘይሻራዊ ብዝኾነ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰል ኢትዮጵያ ተፃርዩ ክቐርብ” ዝብል እቲ ቀዳማይ ሕቶ እንትኾን፡ እቲ ካልኣይ ድማ፡ “ብዘይ ፍቓድ ቤት-ፍርዲ ልዕሊ 48 ሰዓታት ተኣሲሮም ስለዝፀንሑ፡ ናፅነቶም ንክኽበረሎም ይተሓተተልና” ዝብል እዩ”

ኣካል ናፃ ናይ ምውፃእ ክሲ፡ ሓደ ሰብ ኣብ ቀይዲ ሕጊ ኣትዩ ኣብ ግቡእ ግዘ ናብ ፍርዲ ምስ ዘይቐርብ፡ ብጥርዓን እቲ ውልቀሰብ፣ ብጠበቕኡ ወይ ድማ ብተወከልቲ ሕጊ ኣቢሉ፡ ድሕንነት ኣካሉ ተሓልዩ ናፃ ክወፅእ ናብ ቤት-ፍርዲ ዘመልክተሉ ስርዓት እዩ።

እቲ ቤት-ፍርዲ ሎሚመዓልቲ ድሕሪ ሰዓት ነዚ መዝገብ ክርእይ ትፅቢት ይግበር።

ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ፡ ኣተሓሕዛ እቶም ኣብ ቤት-ማእሰቲ ዝርከቡ ጋዜጠኛታትን ሰራሕተኛታትን ኢትዮ- ፎረምን ኣውሎ ሚድያን ብመሰረት ሕጊ ክኾን ኣለዎ ምባሉ ይዝከር።