ኣምነስትን ኢሰመኮን ኣብ ልዕሊ ሲቪላውያን ዝበጽሕ ዘይሕጋዊ ማእሰርትን መጥቃዕትን ብቕልጡፍ ደው ክብል ጸዊዖም

ምንጪ ስእሊ, EDUARDO SOTERAS
ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ (ኢሰመኮ) ምስ ግጭት ትግራይ ብዝተሓሓዝ ኣብ ልዕሊ ሲቪላውያን ዝበጽሕ ምንክልባት፣ ዘይሕጋዊ ማእሰርትን መጥቃዕትን ብቕልጡፍ ደው ክብል ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቡ።
ዓለምለኻዊ ተሓላቒ መሰላት ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል’ውን ብተመሳሳሊ ካብ ሕጊ ወጻኢ ዝኾነ ማእሰርቲ ተወለድቲ ትግራይ፣ ኣክቲቪስትታትን ጋዜጠኛታትን ደው ክብል ሓቲቱ።
ፌደራል ፖሊስ ብወገኑ፡ ሰባት ብገበን ተጠርጢሮም እዮም ክእሰሩ ዝኽእሉ እምበር “ዝኾነ ንመንነቱ መሰረት ብምግባር ክእሰር ኣይኽእልን” ኢሉ።
ኢሰመኮ ኣብ ልዕሊ ሲቪላውያን ምንክልባትን ማእሰርትን፣ ምዕጻው ትካላት ንግዲ፡ ከምኡ’ውን ንሲቪላውያን ዘነጻጸረ መጥቃዕቲ ከም ዝተፈጸመን ቁጽሩ ዘየነጸሮ ህይወት ሰባት ከም ዝጠፍአን ገሊጹ።
ወሲኹ’ውን ኣብ ልዕሊ እሱራትን ምሩኻትን ኢሰብኣዊ ኣተሓሕዛ፣ ኣብ ስደተኛታት መጥቃዕቲ ከምኡ’ውን ንህጻናት ንውትህድርና ምጥቃም ዘመላኽቱ ሓበሬታታት ኣዝዩ ከም ዘተሓሳሰቦ ሓቢሩ።
እቲ ኮምሽን ብኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ ሓምለ 4 ኣብ ዞባ ደቡብ ጎንደር፡ ወረዳ ፎገራ፡ ወረታ ተባሂሉ ኣብ ዝጽዋዕ ከባቢ ሰለስተ ተወለድቲ ትግራይ ብድንገት ብዝተኣከቡ ነበርቲ ብዝበጽሐም ማህረምቲ ከም ዝተቐትሉ ሓበሬታ ከም ዝበጽሖ ገሊጹ።
ኣብቶም ሰለስተ ሰባት እቲ መጥቃዕቲ ዝበጽሐ፡ ሓይልታት ትግራይ ብዝወሰድዎ መጥቃዕቲ፡ ነበርቲ ወረዳ ፎገራ ዝኾኑ ኣባላት ሚሊሻን ሓላፊ ጸጥታ እቲ ወረዳ ድሕሪ ምቕታሎም እዩ።
ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ኣብ ደቡብ ጎንደር ተኸሲቱ ንዘሎ ኩነታት ናብ ካልኦት ክፋላት እታ ሃገር ከይልሕም ስግኣት ከም ዘለዎ ሓቢሩ።
“ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታትን ናይ ህወሓት/ሓይልታት ትግራይ ተቓወምቲ እዮም ኣብ ዝበሃሉ ሲቪላውያንን መቕተልትን መጭወይትን ምፍጻሙ ዝገልጽ ጸብጻባት ዘሻቕል እዩ” ኢሉ።
እቲ ኮምሽን ንኣዲስ ኣበባ’ውን ወሲኽካ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ኣብ ልዕሊ ተወለድቲ ትግራይ ዝበጽሕ ዘይሕጋዊ ማእሰርቲ፣ ምዕጻው ትካላት ንግድን ምንክልባትን ይከታተል ምህላው ገሊጹ።
ብኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ ድሕሪ 22 ሰነ ብዘይሕጋዊ ኩነታት ማእሰርቲ ወሲኹ ምህላው ብምግላጽ፡ ሰራሕተኛታት መራኸቢ ብዙሓን ዝርከብዎም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተጠርጢሮም ዝተኣስሩ ሰባት ካብ ኣዲስ ኣበባ ወጻኢ ናብ ካልእ ቦታታት ይውሰዱ ምህላዎም ጥቆማ ከም ዝበጽሖ ሓቢሩ።
ዋና ኮምሽነር ኢሰመኮ ዶክተር ዳንኤል በቀለ፡ መንግስቲ ነቲ ተሳጢሑ ዘሎ ክፋል ሕብረተሰብ ልዑል ሓለዋ ናይ ምግባር ሓላፍነት ኣለዎ ክብል እንከሎ፤ እቲ ኮምሽን ንኩነታት ኣብ ማእሰርቲ ዝርከቡ ሰባት’ውን ዝገብሮ ክትትል ክቕጽሎ እዩ ኢሉ።
ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ብወገኑ፡ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ፖሊስ ንተወለድቲ ትግራይ ብዘይ ሕጋዊ መገዲ ኣሲሩ ኣሎ ክብል ኣፍሊጡ።
እቶም ተወለድቲ ትግራይ ንማእሰርቲ ዝተቓልዑ፡ ሓይልታት ትግራይ ንከተማ መቐለ ከም ዝተቖጻጸሩ ዝገልጽ ዜና ድሕሪ ምዝርግሑ እዩ ዝበለ ኣምነስቲ፤ እቲ ማእሰርቲ ንመንነት መሰረት ዝገበረ ከም ዝመስል ገሊጹ።
መንግስቲ ፌደራል በይነኣዊ ምቁራጽ ተኹሲ ኣዊጁ ካብ ትግራይ ድሕሪ ምውጽኡ፡ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ሳምንታት ልዑል ቁጽሪ ዘለዎም ተወለድቲ ትግራይ ከም ዝተኣስሩ ንኣምነስቲ ቃሎም ዝሃቡ ካብ ማእሰርቲ ዝወጽኡ ተወለድቲ ትግራይ፡ እቲ ኣብያተ ማእሰርቲ ብተዛረብቲ ቋንቋ ትግርኛ መሊኡ ምህላው ንኣምነስቲ ምንጋሮም ኣብቲ ትካል ዳይሬክተር ምብራቕን ደቡብን ኣፍሪቃ ዲፕሮስ ሙሽን ሓቢሩ።
ጌና ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሰባት ተኣሲሮም ምህላዎም ዝገለጸ ኣምነስቲ፤ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ዘይሕጋዊ ማእሰርቲ ደው ከብልን ብዘይሕጋዊ መገዲ ዝተኣሰሩ ብቕልጡፍ ክፈትሕን ሓቲቱ።
ኣፈኛ ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ፋሲካ ፋንታ፡ ዝተኣሰሩ ኮነ ዝተዓጸው ናይ ንግዲ ትካላት ምህላዎም “ዝፈልጦ የለን” ክብል ንሮይተርስ ተዛሪቡ።
ኣፈኛ ፖሊስ ፌደራል ጄይላን ኣብዲ ብወገኑ፡ “ሰባት ብገበን ተጠርጢሮም ኣብ ቀይዲ ክኣትው ይኽእሉ እዮም፤ እምበር ዝኾነ ሰብ ብመሰረት መንነቱ ንማእሰርቲ ኣይተቓልዐን” ምባሉ ሮይተርስ ጸብጺቡ



![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







