ኣብ ትግራይ ኣገልግሎት ባንኪ ብዘይምህላው ዋጋ ሸቐጣትን መግብን ኣዝዩ ከምዝኸበረ ቀይሕ መስቀል ሓቢሩ

ትግራይ

ምንጪ ስእሊ, AFP

ዓለምለኻዊ ማሕበር ቀይሕ መስቀል [ኣይኣርሲ] ኣብ ትግራይ ዋጋ ኣገደስቲ ዝበሃሉ መግብታትን ሸቐጣትን ኣዝዩ ከምዝወሰኸ ኣፍሊጡ።

እቲ ማሕበር ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ብፍላይ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ሰሙናት ዋጋ ሃለቕቲ ናውቲ ዓሪጉ ምህላው ሓቢሩ’ሎ።

ኣብ ምሉእ ትግራይ ባንክታት ስለዝተዓጸዋ ሰባት ንመዓልታዊ ንጥፈታት ዘድልዮም ሃለቕቲ ነገራት ንምዕዳግ ናይ ገንዘብ ሕጽረት ከምዘጋጠሞም እቲ ማሕበር ኣብ መግለጺኡ ጠቒሱ።

“ፋብሪካታት ካብ ጥቕሚ ወጻእ ኮይኖም እዮም ወይ እውን ክዓንዉ ተገይሮም። ብዙሓት ትካላት ንግዲ ተዓጽዮም። ከም ሳዕቤኑ ድማ ብዙሓት ሰባት ካብ ስራሕ ወጻእ ኮይኖም ኣለዉ። እዚ ከኣ ንኣገልግሎት ጥዕና ሓዊስካ ካልኦት ኣገደስቲ ኣቑሑትን ኣገልግሎትን ንኸይርከቡ ገይሩ” ይብል ማሕበር ቀይሕ መስቀል ኣብ ጸብጻቡ።

መብዛሕቲኦም ትካላት ጥዕና ኮነ ማይ መጻረይ ማሽነሪታት፡ ጀነሬቴር ከምዝጥቀሙ ብምጥቃስ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ትግራይ ስሩዕ ኣገልግሎት ኣሌክትሪክ ኮነ ቀረብ ነዳዲ ከምዘየለ እቲ ማሕበር ኣፍሊጡ’ሎ።

ንሆስፒታላት ሰቖጣን ላሊበላን፤ ኣብ ትሕቲ ዩኒቨርሲታት መቐለን ጎንደርን ንዝመሓደሩ ሆስፒታላት ከምኡ’ውን መባእታዊ ሆስፒታል ኣይከል ሓገዝ ከምዝተገበረሎም ኣብቲ መግለጺ ተጠቒሱ’ሎ። እቲ ሓገዝ ብጽኑዕ ንዝሓመሙ 250 ሰባት ከምኡ’ውን መጠናዊ ጉድኣት ንዝበጽሖም 900 ሰባት መሐከሚ ዝውዕል ምዃኑ ተፈሊጡ።

ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ ሆስፒታል መቐለ ክፍሊ ኮሮናቫይረስ ንምሕጋዝ ናይ ገንዘብ ድጋፍ ከምዝተገበረሉን ሆስፒታል ሸራሮ ከም ብሓድሽ ናብ ስራሕ ንምእታው ዘኽእል ስራሕቲ ከምዝጀመረን ተሓቢሩ። ንሆስፒታላት ዓይደር፣ ሑመራ፣ ዳንሻን ማይካድራን’ውን ዝተፈላለዩ ሓገዛት ይገብረሎም ከምዘሎ ኣፍሊጡ።

ኣብ ትግራይ ኣገልግሎት ቴሌፎንን ኢንተርኔትን ስለዝተቛረጸ፤ ብሰንኪ እቲ ጎንጺ ካብ ስድርኦም ተፈላልዮም ንዝርከቡ ኣባላት ስድራ ንምርኻብ ናይ ቴሌፎንን ሓጺር ጽሑፍ መልእኽትን ኣገልግሎት ይህብ ከምዘሎ ዝገለጸ ዓለምለኻዊ ማሕበር ቀይሕ መስቀል ካብቶም ተጠቀምቲ እዚ ኣገልግሎት ተምሃሮ ዩኒቨርስታት ምዃኖም ኣመልኪቱ።

ዓለም ለኻዊ ማሕበር ቀይሕ መስቀል ምስ ማሕበር ቀይሕ መስቀል ኢትዮጵያ ተሓባቢሩ ብሰንኪ እቲ ኵናት ንዝተሃሰዩ ክፋላት ማሕበረሰብ ብመኻይን ዝተሓገዘ ኣገልግሎት ቀረብ ማይ ይህብ ምህላዉን ብማይ ዝመሓላለፉ ሕማማት ከየጋጥም ናይ ኬሚካል ሓገዝ ይገብር ከምዘሎን ኣብቲ ዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ።