ትግራይ፡ ኢትዮጵያ ወተሃደራታ ኣብ ምኽባር ሰላም ክሳተፉ የብሎምን ዝብል ሕቶ ከመዘሕዘና ተገሊጹ።

ምንጪ ስእሊ, EDUARDO SOTERAS
ኣቦ መንበር ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ወጻኢ ቤት ምኽሪ መወሰኒ ሕጊ ኣመሪካ፡ ሕቡራት ሃገራት ንኣብ ኵናት ትግራይ ዝተሳተፉ ወተሃደራት ኢትዮጵያ ኣብ ስራሕቲ ዓቃቢ ሰላም ንኸይሳተፉ ክእግዶም ኣለዎ ዝብል ሕቶ ምቕራቡ ከምዘሕዘኖ ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣቶ ደመቀ መኮነን ገሊጹ።
እቲ ሚኒስትር እዚ ዝበለ ምስ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ልእኹቶ ዓቃቢ ሰላም ሓለፊ ወሃቢ ድጋፍ ዝኾነ ኣተዋል ካሬ ኣብ ዝተዘራረበሉ እዋን እዩ።
ኣቦ መንበር እቲ ኮሚቴ ሴናተር ቦብ ሜንደዝ ኣብ ኵናት ትግራይ ዝተሳተፉ ወተሃደራት ኢትዮጵያ ኣብ ስራሕቲ ዓቃቢ ሰላም ሕቡራት ሃገራት ክሳተፉ የብሎምን ዝብል ደብዳቤ ምጽሓፉ “ኣሕዚኑና ጥራይ እንተይኮነስ ኣበርክቶ ኣብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ኣብ ስራሕቲ ዓቃቢ ሰላም ይሳተፉ ናይ ዘለዉ ወተሃደራት ኢትዮጵያ ምንጻግ’ዩ” ክብል ኣቶ ደመቀ መኮነን ተዛሪቡ።
ሴናተር ቦብ ሜንደዝ ኣብ ኵናት ትግራይ ዝተሳተፉ ወተሃደራት ኢትዮጵያ ኣብ ተግባራት ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ከምዘይተሳተፉ እኹል ምጽራይ ተገይሩ ክሳብ ዝፍለጥ ብሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝምራሕ ወፍርታት ዓቃቢ ሰላም ክሳተፉ ከምዘይብሎም ናብ ሕቡራት ሃገራት ደብዳቤ ከምዝጽሓፈ ዝዝከር እዩ።
ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣቶ ደመቀ መኮነን ኣብ ክልቲኣዊ ዘትኦም ግደ ኢትዮጵያ ኣብ ወፍርታት ዓቃቢ ሰላም ኣልዒሉ ዝዘተየ ኮይኑ እቲ ኣብ ግዝኣት ኣብዮ ዝተዋፈረ ዓቃቢ ሰላም’ውን እንተኾነ ዓንቀፍቀፋት ዋላ’ኳ ይገጥምዎ እንተለዉ ዝሓሸ ውሑስ ሰላምን ምርግጋዕን ንምርግጋጽ ልዑል ኣበርክቶ ይገብር ከምዘሎ ጠቒሱ።
ኢትዮጵያ ንሕቡራት ሃገራት እትገብሮ ሓገዝ ኣሐይላ ከምእትቕጽለሉ ኣቶ ደመቀ መኮነን ዝገለጸ ኮይኑ እቲ ሓላፊ ብግድኡ ኢትዮጵያ ኣብ ስራሕቲ ወፍርታት ዓቃቢ ሰላም እትገብሮ ዘላ ሓገዝ ኒኢዱ።
ሰናቴር ኣመሪካ ቦብ ሜንደዝ ቅድሚ ክልተ ሰሙን ኣብ ዝጽሓፎ ደብዳቤ ግን እቲ ከይዲ ምጽራይ ክሳብ ብከም ላዕለዋይ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ተኻይዱ ውጽኢቱ ዝፍለጥ ወተሃደራት ኢትዮጵያ ኣብ ወፍሪ ዓቃቢ ሰላም ንኸይሳተፉ ዝተመሓላለፈ እገዳ ክጸንዕ ከምዘለዎ ምጥቃሱ ይፍለጥ።
ኢትዮጵያ ኣብ ትሒቲ ብሕቡራት ሃገራት ዝምራሕ ወፍሪ ዓቃቢ ሰላም 8300 ወተሃደራት ከምዘዋፈረት ይፍለጥ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







