ቅልውላው ትግራይ፡ ውድብ ምግቢ ዓለም ኣብ ትግራይ ዘሎ ምግቢ ዓርቢ ክውዳእ እዩ ኢሉ

ምንጪ ስእሊ, SOULEYMANE AG ANARA
ዳይሬክተር ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ዴቪድ ቢዝሊይ፡ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ትግራይ ዘለዎ ክዙን ምግቢ ኣብ ዝቕፅል ዓርቢ ይውዳእ ከምዘሎ ኣጠንቂቑ።
ምግቢ ንዘድልዮም ሰባት ሓገዝ ንምቕራብ ኣብ መዓልቲ 100 መኻይን ናብ ትግራይ ክኣትዋ ከምዝግባእ ድማ ገሊፁ።
ኣብዚ ሕዚ እዋን 170 መኻይን ምግቢ ኣብ ጎረቤት ክልል ዓፋር ተዓጊተን ክንቀሳቐሳ ከምዘይኽኣላ፡ እቲ ዳይሬክተር ብመገዲ ትዊተር ሓቢሩ።
ኣብ ትግራይ ሰባት ይጠምዩ ከምዘለዉ ዝገለፀ ዴቪድ ቢዝለይ፡ እዘን ተዓጊተን ዘለዋ መኻይን ክንቀሳቐሳ ክፍቀደለን ፀዊዑ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ትግራይ ኣብ ዝርከባ መዓስከራት ስደተኛታት፡ ምግብን ማይን ክውዳእ ከምዝኽእል ገሊፁ።
ላዕለዋይ ኮምሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ኣስታት 24 ሽሕ ኤርትራውያን ስደተኛታት ናብ ዘዕቑብለን መዓስከራት ክበፅሕ ከምዘይኸኣለን ኣብተን መዓስከራት ምግብን ማይን ተወዲኡ ክኸውን ይኽእል እዩ ኢሉ።
እቲ ኮምሽን፡ ኣብ መዓስከራት ማይ ዓይኒ፣ ዓዲ ሓሩሽን ከባቢኡን ጎንፂ ከምዘሎን ክልተ ስደተኛታት ተቐቲሎም ኢሉ።
ኣብ ማይ ዓይንን ዓዲ ሓሩሽን ንሓደ ወርሒ ዝኣክል ዕደላ ምግቢ ሰሙናት ከምዝሓለፉ ወሃቢ ቃል ኮምሽን ስደተኛታት ባባር ባሎች ተዛሪቡ።
እቲ ወሃቢ ቃል፡ "ንስደተኛታት ዝተውሃበ ምግቢ ተወዲኡ ክኸውን ስለዝኽእል፡ ሓደጋ ጥሜት ከጋጥም ይኽእል እዩ። ቀረብ ፅሩይ ዝስተ ማይ'ውን ይንክይ ኣሎ" ኢሉ።
ብህወሓት ዝምራሕ መንግስቲ ትግራይ ብወገኑ፡ ኣብ ጉዳይ እቶም ኣብ ትግራይ ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ቅድሚ ሒደት መዓልታት ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ፡ ምምዝባል ኣብ ትግራይ ዘለዉ ስደተኛታትን ኣብ ልዕሊኦም ተፈፂሙ ዝተብሃለ መጥቃዕትን ከምዘሻቐሎ ምግላፁ ይዝከር።
ተወካሊት ውድብ ጥዕና ዓለም ፋዱላ ቻኢብ፡ ኣብ ትግራይ ዘሎ ኣገልግሎት ጥዕና ኣዝዩ ውሱን ምዃኑ ገሊፃ።
"ኣብ ትግራይ ዘሎ ቀረብ ኣግልግሎት ጥዕና ኣዝዩ ብዘሻቕል ኩነታት ድሩት እዩ። መሰረታዊ ኣገልግሎት ጥዕና ኣይረኽቡን" ኢላ።
ንሞት ከቃልዕ ዝኽእል ቁፅሪ ብከቢድ ሕፅረት ዝተመጣጠነ ምግቢ ዘጋጠሞም ቆልዑ ይውስኽ ከምዘሎ ድማ ገሊፃ።








![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







