ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ንኩነታት ትግራይ ‘ኣዝዩ ዘሰምብድ’ ክብል ገሊጽዎ

ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ደሃይ ኣብ ትግራይ ዘለዉ ስድርኡ ከምዘይፈልጥ ተዛሪቡ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ነቲ ኣብታ ብኲናት ተሃስያ ዘላ ትግራይ ዘሎ ኩነታት ኣዝዩ ዘሰምብድ ክብል ገሊጽዎ፡፡

ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም፡ ሰባት ብጥምየት ይሞቱ ከምዘለዉን ሕጽረት ምግቢ ብቕልጡፍ ይጋፋሕ ከምዘሎን ሓቢሩ፡፡

ንሱ፡ ብተወሳኺ ኣገልግሎት ጥዕና ዝህባ ማእከላት ክዓንዋ ከምዝተገበረን ጾታዊ ዓመጽ ካብ ቁጽጽር ወጻኢ ኮምዝኾነን ትማሊ ኣብ ጀነቫ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ወቒሱ፡፡

‘‘ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ እትርከብ ትግራይ ዘሎ ኩነታት፡ ብሓደ ቃል እንተዳኣ ክገልጾ ኮይነ፡ ዘሰንብድ፡ ኣዝዩ ዘሰንብድ እዩ፡፡ ኣስታት 5 ሚልዮን ሰባት ሰብኣዊ ሓገዝ የድልዮም፤ 91 ምኢታዊት ሓገዝ ምግቢ የድልዮም፡፡ ብዙሓት ሰባት እውን ብምኽንያት ጥምየት ምሟት ጀሚሮም ኣለዉ፡፡ ሓያልን ግዘ ዘይህብን ሕጽረት ምግቢ እውን የስፋሕፍሕ ኣሎ’’ ኢሉ፡፡

ዶ/ር ቴድሮስ ዝሃቦ ርእይቶ፡ ነቲ ብዙሓት ዓለም-ለኻዊ መራሕትን ትካላትን ዘይተገደበ ሰብኣዊ ሓገዝ ክበጽሕን ሓገዝ ከይበጽሕ ምኽልካል ደው ክብልን ንዝሃብዎም ጻውዒታት ዘቃልሕ እዩ፡፡

ንሱ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕለይ ዘይግቡእ ጸቕጢ ንምፍጣር ወፍሪ ይካየደኒ ኣሎ ዝብል መግለጺ ኣብ ዘውጸአሉ እዋን እዩ፡ ነዚ ሓሳብ ሂቡ ዘሎ፡፡

መንግስቲ ኢትዮጵያ ትማሊ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ ትካላት ረድኤት ሓገዝ ክህቡ ሙሉእ መገዲ ከምዝኸፈተ ዝገለጸ ኮይኑ፡ ምስቲ ኣብ በረኻታት ትግራይ ኮይኑ ዝዋግኦ ዘሎ ህወሓት ክዛተ ዝቐርበሉ ዘሎ ጻውዒት ግን ከምዝነጸጎ ኣፍሊጡ፡፡

ብሰንኪ እቲ ኣብ ወርሒ ሕዳር ኣብ ሞንጎ መንግስቲ ፌደራል ኢትዮጵያን ንክልል ትግራይ ዝመርሕ ዝነበረ መንግስትን ዝተወለዐ ኲናት ብኣሻሓት ዝቑጸሩ ሰባት ናብ ጎረቤት ሃገር ሱዳን ዝተሰደዱ ኮይኖም ካልኦት ብኣሻሓት ዝቑጸሩ ሰባት ከምዝተቐተሉ ይግለጽ፡፡

ኣብ ውሽጢ ክልል ትግራይ ተመዛቢሎም ዝርከቡ ልዕሊ 1.7 ሚልዮን ሰባት እውን ንከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ከምዝተቓልዑ እዩ ዝንገር፡፡

ቅድሚ እቲ ኲናት ዝሓሸ ዝርገሐ ሽፋን ጥዕና ከምዝነበራ ዝግለጽ ክልል ትግራይ ድሕሪ እቲ ኲናት ልዕሊ 70 ምኢታዊት ትካላት ጥዕና ኮነ ተባሂሉ ከምዝዓነወን ከምዝተዘረፈን ትካል ዶብ ኣልቦ ሓካይም ዝተባህለ ገባሪ ሰናይ ገሊጹ እዩ፡፡

ንመንግስቲ ፌደራል ብምሕጋዝ ኣብ ክልል ትግራይ ኣንጻር ሓይልታት ትግራይ ዝዋግኡ ዘለዉን ብብዙሕ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰል ዝኽሰሱን ሰራዊት ኤርትራ ሰብኣዊ ሓገዝ ናብ ዘድልዮም ሰባት ከይበጽሕ ይኽልክሉ ከምዘለዉ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከምዘረጋገጸ ኣብ ቀረባ መዓልቲታት ምግላጹ ይዝከር፡፡

ምክትል ፈጻሚ ስራሕ ጊዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣቶ ኣበበ ተኽለሃይማኖት ድማ ኣብ ገለ ከባቢታት ትግራይ ብገለ ኣብቲ ‘ምኽባር ሕጊ’ ብዝብል ዝተጀመረ ወፍሪ ዝሳተፉ ዘለዉ ኣካላት ሓረስቶት ‘‘ከይሓርሱ ዝብል ወፍሪ’’ ይካየድ ከምዘሎን እዚ ድማ ‘‘ህዝቢ ትግራይ ብጥምየት ምእንቲ ክሃልቕ’’ ዝዓለመ ከምዝኾነን ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ምስ ቴሌቪዥን ትግራይ ኣብ ዝገበሮ ጻንሒት ገሊጹ ነይሩ፡፡