ኣቡነ ማትያስ ምስ ኣምባሳደር ኣመሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ተራኺቦም ብዛዕባ መልእኽቶምን ኩነታት ትግራይን ተዘራሪቦም

ኣቡነ ማትያስ (ማእከል) መግለጺኦም ድሕሪ ምውጽኡ ምስ ኣምባሳደር ኣመሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ጊታ ፓሲ (የማን) ተራኺቦም

ምንጪ ስእሊ, US Embassy Addis Ababa/Facebook

መግለጺ ስእሊ, ኣቡነ ማትያስ: መግለጺኦም ድሕሪ ምውጽኡ ምስ ኣምባሳደር ኣመሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ጊታ ፓሲ (የማን) ተራኺቦም

ፓትርያርክ ኦርዶክስ ቤተክርስትያን ኢትዮጵያ፡ ኣቡነ ማትያስ ዝሃብዎ መግለጺ ንቅዱስ ሲኖዶስ ዝውክል ከምዘይኮነ ዋና ጸሓፊ ሲኖዶስ ኣፍሊጦም።

ኣቡነ ማትያስ፡ ቅድሚ ሒደት መዓልታት ብቋንቋ ኣምሓርኛ ኣብ ዘውጽእዎ ናይ ቪድዮ መልእኽቲ፡ ነቲ ኣብ ክልል ትግራይ ተወሊዑ ዘሎ "ኣረመኔነት" ክብሉ ዝገለጽዎ ኲናት ብትሪ ድሕሪ ምንቃፍ፡ ደው ክብል ጸዊዖም ነይሮም።

ዋና ጸሓፊ ሲኖዶስ፡ ሊቀ-ጳጳስ ሃገረ ስብከት ሲዳማን ጌዲዮን ዝኾኑ ኣቡነ ዮሴፍ ኣብ ዝሃብዎ ግብረመልሲ፡ እቲ ብፓትሪያርክ ዝወጸ መልእኽቲ መርገጺ ሓፈሻዊ ሲኖዶስን ቀዋሚ ሲኖዶስን ከምዘይኮነ ገሊጾም ኣለዉ።

ዋላ'ኳ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እታ ሃገር ጸገማት እንተሃለዉ፡ "ብፍላይ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ኣረመነኔት ጠጠው ንክብል ብዙሕ ግዘ ፈቲነ ኣይኮነለይን፤ ፍቓድ ኣይተዋህበንን" ብምባል ኣቐዲሞም ብዛዕባ'ቲ ቅልውላዉ ኣመልኪቶም ዘካየድዎ ቃለመሕትት ከይወጽእ ከምዝተኣገደን ተዛሪቦም። መን ከምዝኸልከሎም ግን ብንጹር ኣይሓበሩን።

ማሕበረሰብ ዓለም፡ ቅትለት ንጹሃት ሰባት ደው ንኽብል ቅልጡፍ ወሳነ ክወስድ ድማ እቶም ፓትርያርክ ጸዊዖም።

እንተኾነ ግን፡ ጳጳሳት ዝርከብዎም ገለ ኢትዮጵያውያን ነቲ ዝሃብዎ መግለጺ ዘለዎም ተቓውሞን ነቐፌታታትን ይገልጹ ኣለዉ።

ዋና ጸሓፊ ሲኖዶስ፡ ሊቀ-ጳጳስ ሃገረ ስብከት ሲዳማን ጌዲዮን ዝኾኑ ኣቡነ ዮሴፍ

ምንጪ ስእሊ, Fana

መግለጺ ስእሊ, ዋና ጸሓፊ ሲኖዶስ፡ ሊቀ-ጳጳስ ሃገረ ስብከት ሲዳማን ጌዲዮን ዝኾኑ ኣቡነ ዮሴፍ

"ቅዱስ ሲኖደስን ቀዋሚ ሲኖዶስን ውሳነ ከይሃቡ፡ ቅዱስ ፓትርያርክ ብውልቆም፡ ንቤተክርስትያንን ሲኖዶስን ወኪሎም መግለጺ ክህቡ ኣይክእሉን'ዮም" ክብሉ ዋና ጸሓፊ ሲኖዶስ ኣነጺሮም ኣለዉ።

ኣቡነ ዮሴፍ፡ ከምዝብልዎ፡ እቶም ፓትርያርክ ዘውጽእዎ መግለጺ፡ "ብውልቆም ዝሃብዎም እምበር፡ ናይ ቅዱስ ሲኖዶስ ወሳነ ኣይኮነን።" ኣብ ዝቕጽል ርክብ ሲኖዶስ፡ ነቲ ጉዳይ ክዘራረብሉ ምዃኖም'ውን እቶም ሊቀ-ጳጳስ ጠቒሶም።

እዚ ከምዚ'ሉ እንከሎ፡ ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ብፈይስቡክ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ኣቡነ ማትያስ፡ መግለጺኦም ድሕሪ ምውጽኡ ምስ ኣምባሳደር ጊታ ፓሲ ኣብ መንበሪ ገዝኣ ከምዝተራኸቡ ኣፍሊጡ'ሎ።

"ክልቲኦም ብዛዕባ ህሉው ኩነታት ኢትዮጵያ፡ ብፍላይ ድማ ብዛዕባ'ቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላዉ፡ ከምኡ'ውን ብዛዕባ'ቲ ዘውጽእዎ መግለጺ ተዘራሪቦም" ይብል መግለጺ ናይቲ ኤምባሲ።

ኣብ ቀጻሊ ኣብቲ ኤምባሲ ኣብ ዝግበር፡ ኣኼባ ዝተፈላለዩ እምነታት ክሳተፉ ዕድመ ከምዘቕረበትሎም'ውን ኤምባሲ ኣመሪካ ጠቒሱ'ሎ።

ልዕሊ 6 ኣዋርሕ ዘቑጸረ ግጭት ትግራይ፡ ሞት፡ ሰፊሕ ምፍንቓል፡ ስደትን ምግሃስ ሰባዊ መሰላትን ዝርከቦ ሰብኣዊ ቅልውላዉ ኣስዒቡ'ሎ።

ኣመሪካን ሕብረት ኣውሮጳን ዝርከቦም ወገናት፡ እቲ ኣብቲ ክልል ተወሊዑ ዘሎ ግጭት ደውብ ክብልን፡ ሰብኣዊ ሓገዝ ናብቲ ረዲኤት ክበጽሖ ዘይክኣለ ህዝቢ ክበጽሕን ክጠልቡ ምጽንሖም ይፍለጥ።

እቲ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ሕዳር ከምዝተዛዘመ ብፈደራላዊ መንግስቲ ዝተገልጸ ወተሃደራዊ ግጭት፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ይቕጽል ምህላዉ ጸብጻባት ይገልጹ።

ኣብ መጀመርታ ወርሒ ሕዳር 2020፡ ሓይልታት ጸጥታ ትግራይ ኣብ ልዕሊ'ቲ ኣብቲ ክልል ዓሪዱ ዝነበረ ብዓቕሚ ሰቡን ብዝሒ ኣጽዋራቱን ዝሓየለን ዝበዝሐን ዝብሃል ሰሜን እዝ መጥቃዕቲ ድሕሪ ምፍጻሞምን ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ህወሓት ወተሃደራዊ ስጉምቲ ክውሰድ ምስ ኣወጀን'ዩ ኵናት ጀሚሩ።

ፓትሪያርክ ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስቲያን ኢትዮጵያ ኣቡነ ማትያስ፡ ንህዝቢ ኢትዮጵያን ማሕበረሰብ ዓለምን ኣብ ዘሕለፉዎ መልእኽቲ፡ ብተደጋጋሚ ነቲ ዝፍጸም ዘሎ ተግባራት ንምኹናን ዝገበርኩዎ ጻዕሪ ናብ ህዝቢ ክበጽሕ ፍቓድ ከምዘይረኸቡ ተዛሪቦም።

"ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ኣረመናዊ ተግባር ንክቃወም ፈቲነ፤ ግን ዘዳለኹዎ መልእኽቲ ኣብ ኣየር ከይውዕል እናተዓፈነ እየ ክሳብ ሕጂ ጸኒሐ። ኣብ ትግራይ ጭካነ ዝተመልኦ፡ ኣረመናዊ ስራሕ ይስራሕ ምህላው ዓለም ፈሊጡዎ ኣሎ" ኢሎም።

"ሽዱሽተ ወርሒ ሙሉእ ኣፍና ተለጒሙ ክንዛረብ ኣይክኣልናን፤ እቲ ህዝቢ ዝበኣሰ ጉድኣት ከይበጽሖ ብዝብል'ውን ደፊርና ኣይተዛረብናን'' ኢሎም።

ኣቡነ ማቲያስ (ፀጋም) ኣቡነ መርቆሪዮስ (የማን)

ምንጪ ስእሊ, Ephrem Ephrem/FB

እቶም ፓትሪያርክ፡ ብ7 2013 (ግእዝ) ዘካየድዎ ቃለ መጠይቕ ከይቃላሕ ተኣጊዱ'ዩ ክብሉ'ውን ከሲሶም።

እታ ዝመርሑዋ ቤተክርስትያን፡ በሰንኪ ዘጋጠማ ምምቕቓል ንዓመታት ብክልተ ሲኖዶሳት ክትምራሕ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ኣብ 2018፡ ብዝተኻየደ ዕርቀ-ሰላም እቲ ኣብ ሰሜን ኣመሪካ ኣብ ስደት ዝነበረ ሲኖዶስ ምስቲ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ዝነበረ ከምዝሓበረ ይዝከር።

ብመሰረት ኣብቲ ዕርቂ ዝተበጽሐ ስምምዕ ድማ፡ እቶም ኣብ ስደት ዝነበሩ ፓትርያርክ ኣቡነ መርቆርዮስ፡ መንፈሳዊ ሓላፍነት (ጸሎትን ቡራኬን) ተዋሂብዎም ከም ካልኣይ ታትሪያርክ ኮይኖም የገልግሉ ምህላዎም ይፍለጥ።

ኣቡነ ማትያስ ድማ ብመሰረት ሕጊ ቤተ-ክርስትያን ናይ ምምሕዳር ሓላፍነት፡ ከምኡ'ውን ብጸሎትን ቡራኬን ግደ ክህልዎም ተሰማሚዖም ነይሮም።