ብውሕዱ 57 ስደተኛታት ኣብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ከምዝጠሓሉ ተገሊጹ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ብውሕዱ 57 ስደተኛታት ከም ዝጠሓሉ ትካል ስደት ዓለም [ኣይኦኤም] ትማሊ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ ገሊጹ።
እታ ነቶም ስደተኛታት ጽዒና ዝነበረት ጃልባ ካብ ከተማ ትሪፖሊ ንሸነኽ ምብራቕ 120 ኪሎ ሜትር ርሒቑ ኣብ ዝርከብ ኣብ ከባቢ ካሙስ ከም ዝጠሓለት’ውን ጠቒሱ።
ካብታ ዝጠሓለት ጃልባ ብህይወት ዝወጽኡ ንኣይኦኤም ከም ዝሓበርዎ፡ ካብቶም ግዳያት 20 ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ከም ዝርከብዎም ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።
ላዕላዋይ ሓላፊ ኣይኦኤም ኣብ ሊብያ ፈደሪኮ ሶዳ ብትዊተር ኣብ ዝጽሓፎ “ካልእ ዘሰንብድን ዘቐንዙን ሞት ስደተኛታት ኣብ ገማግም ሊብያ” ኢሉ።
ጠንቂ ምጥሓል ናይታ ጃልባ’ኳ እንተዘይተፈለጠ፡ መብዛሕትአን እተን ካብ ሊብያ ስደተኛታት ጽዒነን ናብ ኣውሮጳ ዝብገሳ ጀላቡ ልዕሊ ዓቐን ሰብ ከም ዝጽዓናን ካብ ሓለዋ ባሕሪ ንምኽዋል ጉዕዞኣን ብለይቲ ከም ዘካይዳን እዩ ዝፍለጥ።
ብመሰረት ካብ ዩኤንኤችሲኣር ዝተረኸበ ሓበሬታ፡ ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ኣብዛ ገና ተፋሪቓ ዘላ ዓመት ጥራይ ልዕሊ 13 ሽሕ ናብ ኣውሮጳ ክሰግሩ ዝፈተኑ ስደተኛታት ናብ ሊብያ ከም ዝመለሱ ይፍለጥ።
እዚ ኸኣ እዚ ዓመት እኳ ገና እንዘይተዛዘመ እቲ ቁጽሪ ካብቶም ኣብ መላእ 2020 ናብ ሊብያ ዝተመለሱ ስደተኛታት ዛይዱ ኣሎ።
ንማእከላይ ባሕሪ ኣቋሪጽካ ካብ ሊብያ ናብ ኣውሮጳ ኣብ ዝግበር ጉዕዞ ብዙሓት እዮም ዝጥሕሉ።
እቶም ብሓለዋ ባሕሪ ተታሒዞም ናብ ሊብያ ዝምለሱ ኸኣ ማእሰርትን ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላትን እዩ ዘጋጥሞም።
በዚ ምኽንያት ዓለምለኻውያን ትካላት ነቲ ንስደተኛታት ካብ ባሕሪ ናብ ሊብያ ናይ ምምላስ መስርሕ ይቃወምኦ እየን።
ኣብዚ ወርሒ እዚ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ “ኣብ ልዕሊ እቶም ካብ ማእከላይ ባሕሪ ብሓይሊ ዝምለሱ ዘለዉ ስደተኛታት ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ፣ ደቂ ተባዕትዮን ህጻናትን ዝፍጸም ጾታዊ ዓመጻት ዝርከቦ ሓዲሽ ጸብጻባት ዘሰንብድ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት በጺሕና ኣሎ” ኢሉ።
እቲ ትካል ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላት፡ ሃገራት ኣወሮጳ ስደተኛታት ካብ ባሕሪ ኣብ ምምላስ ምስ ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ዝገብርኦ ዘለዋ ምትሕብባር ደው ከብልኦ’ውን ጸዊዑ ኣሎ።
ሃገረ ሊብያ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣፍሪቃ ናብ ኣውሮጳ ክሰግሩ ንዝሓስቡ ስደተኛታት ቀንዲ መተኣኻኸቢትን መሳገሪትን እያ።
ሊብያ ኣብ 2011 ብኔቶ ዝሕገዙ ሓይልታት ንመራሒኣ ነበር መሓሙር ቀዛፊ ካብ ስልጣን ምስ ኣለይዎን ምስ ቀተልዎን ቀንዲ ማእከል ግጭት ኮይና ትርከብ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







