ድሕነትን ጸጥታን ናይጄሪያ፡ ሓሙሽተ ስግኣታት ድሕነት

ዝተጨወዩ ተመሃሮ ንምድሓን ሰልፊ ዘካየዱ ደገፍቲ ጥምረት ጉጅለታት ሰሜን 17 ታሕሳስ 2020

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, ዝተጨወዩ ተመሃሮ ንምድሓን ሰልፊ ዘካየዱ ደገፍቲ ጥምረት ጉጅለታት ሰሜን 17 ታሕሳስ 2020

ናይጄሪያ ተራእዮም ብዘይፈልጡ ግን ድማ ንሓድሕዶም ብዝገራጨው ቅልውላው ጸጥታ ዝተጠቕዐት ሃገር'ያ።

ኣብታ ሃገር ዳርጋ ኣብ ኩሉ ኩርናዕ ካብ ጭውያ ክሳብ መጥቃዕታት ግብረ ሽበራ ዝፍጸሙ ገበናትን ናዕብን ብዙሕ እዩ።

ኣብ ኢንስቲትዩት ቶኒ ብሌየር ተንታኒ ድሕነት ዞባ ሳሕል ዓብዱ ቡላማ ቡካሪት ኣብታ ሃገር ተኸሲቱ ዘሎ ስግኣት ጸጥታ ንመሰረታዊ ጉዳይ ህዝቢ ናይጄሪያ ኣብ ሓደጋ ኣውዲቑ'ዩ ይብል።

"በቶም ዝፍጸሙ መጥቃዕታት ህይወት ሰብ ይጠፍእ ወይ'ውን ነባሪ ኣካላዊ መጉዳእቲ ይበጽሕ። በዚ ምኽንያት ኣብ ደሞክራስን ኣብታ ሃገርን ዘሎ እምነት ይጎድል ኣሎ" ኢሉ።

ኣብ 2015፡ መሓሙድ ቡሃሪ ክምረጽ ከሎ ዜጋታት ካብ ገበነኛታትን ኣሸበርትን ንክሕልዎም ቃል ኣትዩ ነይሩ።

እንተኾነ፡ እታ ሃገር ኣብ ዓሰርተታት ዓመታት ካብ ዝነበረቶ ብዝኸፍአ ኣብ ዘይምርግጋእ ጥሒላ፡ እቲ ዝኣተዎ መብጽዓ'ውን ከየፈጸመ ዕምሪ ስልጣኑ ከብቅዕ ክልተ ዓመት ዘይመልእ እዋን ተሪፉዎ ኣሎ።

ኣብዚ እዋን ኣብታ ሃገር ዝምዕብል ዘሎ ስግኣት ጸጥታ መበገሲኡ ድኽነት'ዩ ዝብሉ ኣለው

እታ ሃገር ከኣ ኣብ ውሽጢ 27 ዓመታት ዝኸፍአ ቑጠባዊ ዝሕታለ ካብ ዘርኣያ ሃገራት ሓንቲ'ያ፤ ሽቕለት ኣልቦነት 32.5 ሚኢታዊት በጺሑ ኣሎ።

ዝኾነ ኾይኑ፡ እቶም ሓሙሽተ ዓበይቲ ስግኣታት ድሕነት ናይጄሪያውያን እዞም ዝስዕቡ'ዮም።

ግዳይ ብምኽንያት ኣብ ሞንጎ ተወላዲ ፉላኒን ደቀ'ባት ጉማን ብዝተላዕለ ዝሞተ ውልቀሰብ፤ 11 ጥሪ 2018

ምንጪ ስእሊ, AFP

ጂሃዳውነት

ኣብ መጀመርታ ዓመት መሪሕነቱ፡ እስላማዊ ዕጡቕ ጉጅለ ቦኮሓራም "ቴክኒካዊ" ስዕረት በጺሑዎ'ዩ ዝበለ ፕሬዝደንት መሓሙዱ ቡሃሪ፡ ሕጂ ሰሜናዊ ምብራቕ እታ ሃገር ኣቢሉ ዝጀመረ መጥቃዕታት እቲ ጉጅለ: ክገትኦ ከም ዘይክኣለ ይገልጽ።

ቦኮሓራም፡ ድኽነትን ካልኦት ስነ ሓሳቡ ኣብ ምስራጽ ዘይግድቡዎ ጸገማት ጸጥታ እታ ሃገርን ተበሊጹ ናብ ሓደሽቲ ከባቢታት የስፋሕፍሕ ኣሎ።

ከም ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ መወዳእታ 2020፡ እዚ ጉጅለ ኣስታት 350 ሽሕ ሰባት ክቐትል እንከሎ ሚሊዮናት ካብ ቤት ንብረቶም ተመዛቢሎም።

ቦኮሓራም፡ ከበድቲ መጥቃዕታት ብምፍጻም ኣብ ዝቆጻጸሮም ገለ ከባቢታት ባንዴራ ተኺሉ ኣብ ልዕሊ ነበርቲ ሕሉፍ ሕግታት ክትግብር'ውን ይስትውዓል።

ንኣብነት፡ ኣብ ልዕሊ ሕርሻን መሸጣ ምህርትታት ሕርሻን ግብሪ ይድንግግ።

ካልእ ተሪፉ፡ እቲ ሕጂ ኣብ ተፋሰስ ጫድ ዝዕምብብ ዘሎ ዓለምለኻዊ ንግዲ ዓሳ ኣብ ሙሉእ ቑጽጽር እዚ ጉጅለ ኣትዩ ይርከብ።

ቦኮሓራም፡ ብ29 ሕዳር 2020 ኣብ ሓደ ናይ ሩዝ ሕርሻ ዝቐተሎም ሰባት

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ዓሰርታት ኣብ ሕርሻ ዝሰርሑ ውልቀሰባት ብቦኮሓራም ተሓሪዶም

እቲ ካልእ ዓብዪ ጸገም፡ መንግስቲ ክበጽሖም ኣብ ዘይክኣለን ዝተረስዑን ገጠር ከባቢታት ዝነብሩ ሰባት ንጭቆና እዞም ጉጅለታት ዝተቓልዑ ምዃኖም'ዩ።

ኣብ ቀረባ ዓመታት ካብ ጉጅለ ቦኮሓራም ዝተነጸለ እስላማዊ ጉጅለ ምዕራብ ኣፍሪቃ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ጉጅለ ብዓቐንን ዓቕምን ንቦኮሓራም በሊጹ ይርከብ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብቲ ዞባ ልዑል ጽልዋ ካብ ዘለዎም ዕጡቓት እስላማዊ ጉጅለታት ሓደ'ዩ።

መንግስቲ ክሳብ ሕጂ ኣንጻር እዞም ጉጅለታት ዝወስዶ ወተሃደራዊ ስጉምቲ ክዕወተሉ ኣይክኣለን።

ኣብ ሞንጎ ሓረስቶትን ኣርባሕቲ እንስሳን ዘሎ ጎንጺ

ንብዙሕ ዓመታት፡ ሳገምቲ ኣርባሕቲ እንስሳን ሓረስቶትን ናይጄሪያን ናብ ጎንጺ ክኣትው ጸኒሖም።

ብመሬትን ማይን ከምኡ'ውን መጋሃጫ ዝልዓሉ ዝነበሩ ግጭታት ሕጂ ብምኽንያት ለውጢ ኩነታት ኣየርን ምስፋሕ ምድረበዳ ሰሃራን ተወሲኽዎ እቶም ኣርባሕቲ እንስሳ ሰውሒ ዘለዎ ቦታ ብምድላይ ናብ ደቡባዊ ክፋል እታ ሃገር ይደፍኡ ኣለው።

ሕጽረት ሃፍቲ ተፈጥሮ ብዘስዕቦም ግጭታት ከኣ ኣሽሓት ተቐቲሎም'ዮም።

ኣብ ማእከል እታ ሃገር እትርከብ ክልል ቤኑ እታ ዝኸፍአ መጥቃዕታት ዘአንገደት እያ።

ኣብ ቀረባ ኣብ ሓደ ካብ ግጭት ዝሃደሙ ዝተዓቖብሉ ግዝያዊ ቦታ ብዝተኸፍተ ተኹሲ ሸውዓተ ሰባት ሞይቶም።

ገሊኦም ከኣ እቶም ኣርባሕቲ እንስሳ ሰብ ጨውዮም ብምውሳድ ገንዘብ ከም ዝሓቱዎም ይኸሱ።

መሓመድ ኣክዲፍ ሓደ ካብቶም ካብ ቤት ንብረቶም ዝተመዛበሉ ሓረስቶት'ዩ

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, መሓመድ ኣክዲፍ ሓደ ካብቶም ካብ ቤት ንብረቶም ዝተመዛበሉ ሓረስቶት'ዩ

ብምኽንያት እቲ ኣብ ሞንጎ ሓረስቶትን ኣርባሕቲ እንስሳን ዝለዓል ጎንጺ፡ ገለ ኣመሓደርቲ ኣብ ጎላጉል መጋሃጫ ኸልኺሎም። እዚ ከኣ ኣብቲ ማእከላይ መንግስቲ ምክፍፋል ይፈጥር ኣሎ።

ኣብ 2019፡ ሰብ መዚ ፌደራል ፍርያምነት እንስሳት ክውስኽ፤ ጎንጺ ከኣ ከትርፍ እዩ ዝበሉዎ ናይ 10 ዓመት ብሄራዊ መደብ ስግግር እንስሳት ወግዓዊ ገይሮም።

ይኹን'ምበር ብምኽንያት ሕጽረት ፖለቲካዊ መሪሕነት፣ ሰብ ሞያን በጀትን ክዕወት ከም ዘይክኣለ ነቐፍቲ መንግስቲ ይዛረቡ።

ሽፍትነትን ጭውያን

ስድራቤታት ናይጄሪያ፡ ብምኽንያት ካብ ኣብያተ ትምህርትን ኣሕደርቲ ኣብያተ ትምህርትን ዘጋጥም ዘሎ ጭውያ ህጻናት ተመሃሮ ውሕስና ኣይስምዖምን።

ካብ ወርሒ ታሕሳስ 2020 ጀሚሩ ልዕሊ ሓደ ሽሕ ተመሃሮ ካብ ቤት ትምህርቲ ክጭወዩ እንከለው፡ መብዛሕትኦም ኣሽሓት ዶላራት ተኸፊሉ ክፍትሑ ክኢሎም።

ገለ ካብ'ዞም ጨወይቲ ኣብ ናይጄሪያ "ባንዳ" ተባሂሎም እዮም ዝጽውዑ።

እዞም ገበነኛታት ናብ ገጠራት ብምእታው ሰላማውያን ሰባት ይጨውዩን ኣባይቲ የቃጽሉን።

ካብዚ ብዝብገስ ኣሽሓት ካብ ቤት ንብረቶም ተመዛቢሎም ኣብ ዝተፈላለያ ኩርናዓት እታ ሃገር መዕቖቢ ይጠልቡ።

ሰሜን ምዕራብ ክፋል እታ ሃገር ማእከል እዞም መጥቃዕታት'ዩ።

ዛምፋራ ኣብ እትብሃል ግዝኣት ጥራሕ ካብ 2021 ጀሚሩ ልዕሊ 3,000 ሰባት ተቐቲሎም፤ እቲ መጥቃዕቲ ግን ሕጂ'ውን ይቕጽል ኣሎ።

ኣብ ዛምፋራን ኒጀርን ካብ ቖልዓ ሰለስተ ዓመት ጀሚሩ ብዘጋጥም ጭውያ ተመሃሮ: ብኣማኢት ዝቑጸራ ኣብያተ ትምህርቲ ተዓጽየን'የን።

እዚ ኣብታ ሃገር እናዓበዩ ይመጽኡ ካብ ዘለው ኢንዳስትሪታት ሓደ ኮይኑ፡ ቅድሚ ሕጂ ውሑሳት ናብ ዝብሃሉ ከባቢታት ከይተረፈ ይዝርጋሕ ኣሎ።

ብሱሩ'ውን ካብ ቑጽጽር ሰራዊት ወጻኢ ይኸውን ምህላው ይግለጽ።

ስለ ዝኾነ ድማ ኣብ ዙርያ ንግድን ትምህርትን ከምኡ'ውን ሕርሻ እታ ሃገር ዓብዪ ስግኣት ፈጢሩ ኣሎ።

ዓመጽ ተገንጸልቲ

ሕቶ ምግንጻል ዘለዎ ጉጅለ ደቀ'ባት ህዝቢ ባያፍራ [ኢፖብ] ንነዊሕ ዓመታት ምስ ኤጀንሲታት ድሕነት ናይጄሪያ ናብ ጎንጺ ክኣቱ ጸኒሑ'ዩ።

እዚ ጉጅለ፡ ኣብ ደቡብ ምብራቕ እታ ሃገር ዝርከባ ዞባታት ሓቚፉ ሃገር ክምስርት ይጠልብ።

ኢግቦ፡ እቲ ዝዓበየ ብሄር እዚ ጉጅለ ኮይኑ ካብ 1960ታት ጀሚሩ ናጻ ሃገረ ባያፍራ ክምስርቱ ባህጊ ኣለዎም።

ፕሬዝደንት ቡሃሪ ንጉጅለ ኢፖብ ከጥፍእ ቃል ኣትዩ ነይሩ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ፕሬዝደንት ቡሃሪ ንጉጅለ ኢፖብ ከጥፍእ ቃል ኣትዩ ነይሩ

ጉጅለ ኢፖብ ብ2014 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ] ብናምዲ ካኑ ተመስሪቱ፤ ካኑ ኣብ ቀረባ እዋን ዝተኣሰረ ኮይኑ ክስታት ግብረ ሽበራን ጥልመት ሃገርን ይቐርበሉ ኣሎ።

ማእሰርቲ ካኑ ሓያል ምንቅስቓስ ጉጅለ ኢፖብ ምልዕዓሉ ከኣ ይዝከር።

ስነሓሳብ ምስረታ ሃገረ ባያፍራ ሓድሽ ኣይኮነን። ብ1967 [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ] ኣመሓደርቲ እዚ ከባቢ ዓርሰ ምሕደራ ኣዊጆም። እዚ ኸኣ ምኽንያት ሞት ሚሊዮናት ዝኾነ ደማዊ ኲናት ሓድሕድ ኣልዒሉ።

ደገፍቲ ምንቅስቓስ ናምዲ ካኑ ኣብ ልዕሊ ኣብያተ ጽሕፈት መንግስቲ፣ ቤት ማእሰርቲ፣ መንበሪ ገዛ ፖለቲከኛታትን ዓበይቲ ዓድን መጥቃዕቲ ብምፍጻም ይኽሰሱ።

ፕሬዝደንት መሓሙድ ቡሃሪ ከኣ ነዚ ጉጅለ ክድምስሶ ቃል ኣትዩ ነይሩ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ "እዞም ሎሚ ዘይእርነቡ" ሰባት "ብዝርድኦም ቋንቋ" ኣደብ ክገዝኡ'ዮም ኢሉ ኣብ ትዊተር ጽሒፉ።

ይኹን'ምበር ትዊተር ንሕግታተይ ዝጻባእ'ዩ ብምባል ነዚ ጽሑፍ ኣልዩዎ።

እዚ ከኣ መንግስቲ: ትዊተር ኣብ ናይጄሪያ ንክእግዶ መበገሲ ኮይኑ ዓለም ከዘራርብ ቀንዩ።

ዕጡቓት ነዳዲ

ኣብ መጀመርታ 2000 ብዝግባእ ዝተዓጠቑ ሚሊሻታት ኣብ ልዕሊ ናይ ነዳዲ ኩባኒያታት መጥቃዕቲ ይኸፍቱ ነይሩ

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, ኣብ መጀመርታ 2000 ብዝግባእ ዝተዓጠቑ ሚሊሻታት ኣብ ልዕሊ ናይ ነዳዲ ኩባኒያታት መጥቃዕቲ ይኸፍቱ ነይሩ

ነዳዲ ኣብ ዝፈርየሉ ደቡባዊ ክፋል እታ ሃገር ጸገማት ድሕነት ኣለው ክብሃል ሓድሽ ኣይኮነን።

እዚ ከባቢ ናይጄሪያ ዝለዓለ ሸርፊ ወጻኢ እትረኽበሉ ኮይኑ፡ ኣብ ኒጀር ዴልታ ዝርከቡ ሚሊሻታት ከኣ ይብጽሓና'ዩ ዝብል ቅርታ ኣለዎም።

ዝበዝሕ ነዳዲ ካብ ዞብኦም ዝርከብ ስለ ዝኾነን ነዳዲ ኣብ ምውጻእ ዝበጽሕ ከባቢያዊ ሓደጋ ኣብ ልዕሊ ሕብረተሰቦም ጽልዋ ብምሕዳር ዓሳ ንምርባሕ ኮነ ንሕርሻ የጸግመሎም ከም ዘሎ ይካትዑ።

ንዓመታት ኣብቲ ከባቢ ዝንቀሳቐሱ ዕጡቓት ሚሊሻታት ሰራሕተኛታት ኩባኒያታት ነዳዲ ብምጭዋይን ኣብ ልዕሊ ኣካላት ጸጥታን ትሕተ ቕርጺ ናይቲ ነዳድን መጥቃዕቲ ብምፍጻም ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ጸቕጢ ክፈጥሩ ጸኒሖም።

ነዚ ጸገም ንምፍታሕ ፕሬዝደንት ነበር ኡማሩ ሙሳ ያርኣዱላ ኣብ 2009 ፕሬዝደንታዊ ፕሮግራም ምሕረት ኣዊጁ እኳ እንተነበረ ሕጂ'ውን ዕጡቓት ጉጅለታት ጸገማት ድሕነት ምፍጣር ቐጺሎም ኣለው።