'ሳርስ የብቅዕ'፡ ኣብ ልዕሊ ፕሬዝደንት ናይጄሪያ ጸቕጢ ዘሕደረ ተቓውሞ መናእሰይ

እቶም ሰልፈኛታት መገዲታት ዋና ከተማ ሌጎስ ዓጽዮም

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, እቶም ሰልፈኛታት መገዲታት ዋና ከተማ ሌጎስ ዓጽዮም

ናይጄሪያውያን፡ ንመዓልታት ሳርስ ብዝብል ዝፍለጥን ስርቂ ከወግድ ዝተጣየሸን ፍሉይ ሓይሊ ፖሊስ ክውገድ ይጠልቡ።

እዛ ሃገር ናጽነታ ካብ እትረክብ ንደሓር ኣብ ዘለው 60 ዓመታት ዘለዋ ምሕደራ ኣዝዩ ድኹም ስለ ዝኾነ፡ ዜጋታታ ዕግበት የብሎምን።

ፕሬዝደንት መሓሙዱ ቡሃሪ ትማሊ እቲ ፍሉይ ሓይሊ ከም ዝተፈረሰ እንተገለጸ'ውን ናይጄሪያውያን ግን ነዚ ውሳነ ኣይኣመኑሉን።

እቲ ከም ማይ ዝጸምኦም ፍትሒ ንክረኽቡ ሙሉእ መሓውር ፖሊስ እታ ሃገር ለውጢ ክገበረሉን ኣባላት ፍሉይ ሓይሊ ሳርስ ንጥፍኣቶም ተሓተትቲ ክኾኑን ይሓቱ ኣለው።

እቲ ተቓውሞ ከኣ፡ ካብ ሌጎስ ሓሊፉ ኣብ ኣውሮፓን ካናዳን በጺሑ። እቲ ጉጅለ ዘይሕጋዊ ማእሰርቲ ከም ዝፍጽም፣ ንዜጋታት ከም ዘሳቕን ከም ዝቐትልን ተቓወምቲ ይገልጹ።

ካብዚ ብዝብገስ፡ እቲ ንዝሓለፉ ሽዱሽተ መዓልታት ዝቐጸለ ተቓውሞ ልዕሊ እዚ ጠለብ ኮይኑ፡ ኣዐርዮም ዕግበት ዝስኣኑ መናእሰይ እታ ሃገር ናይ ውሽጦም ዝገልጽሉ ሃዋህው ኮይኑ ኣሎ።

ኣካላት ጸጥታ ነዞም ተቓወምቲ ገበነኛታት'ኳ እንተበሉዎም፡ እቲ ሓቂ ግን ካብ መንግስቲ እታ ሃገር'ውን እንተኾነ ዝኾነ ዓይነት ሓገዝ ዘይደልዩ ርሂጸ በላዕ እዮም።

መብዛሕትኦም ዕድሚኦም ካብ 18 ክሳብ 24 ዓመት ኮይኖም፡ ኣብ ገዝኦም ሓይሊ መብራህቲ ርእዮም ዘይፈልጡ፣ ኣብታ ሃገር ናጻ ዕድል ትምህርቲ ዘይረኸቡን ብምኽንያት ተደጋጋሚ አድማ መምሃራን ናይ ዩኒቨርሲቲ ትምህርቶም ዝተኾለፈን ዝተናውሐን እዮም።

እቲ ኣብ ልዕሊ ዘርኣዩዎ ተስፋ ምቑራጽ ነጸብራቕ ኣብ መንግስቲ እታ ሃገር ዘለዎም ቀቢጸ ተስፋ እዩ።

"እዛ ሃገር፡ ኣነ ካብ ዝውለድ እንታይ ረቢሓትኒ?" ትብል ጓል 22 ዓመት ቪክቶሪያ ፓንግ።

ቪክቶሪያ፡ ናይ ዩኒቨርሲቲ ትምህርታ ዝወድአት ኮይና ኣብ ቅድሚት እቲ ዓመጽ ዝመርሑ ዘላ ጓል ኣንስተይቲ እያ።

"ወለድና፡ ኣብ ዝኾነ እዋን 'እቲ ኩነታት ጽቡቕ'ዩ ነይሩ' ይብሉና፤ ግን ርኢና ይንፈልጥን" ትብል።

ስለምንታይ'ዮም ሳርስ ተጸሊኦም?

ኣብ ናይጄሪያ፡ ፖሊስ ብልሽውና ክፍጽሙ፣ ኣብ ልዕሊ ሰባት ክጭክኑን ንሰብኣዊ መሰላት ዘለዎም ክብሪ ኣዝዩ ውሑድ ክኸውንን ልሙድ እዩ።

እንተኾነ፡ ናይጄሪያውያን ንሳርስ ዘለዎም ስምዒት ዝተፈለየ'ዩ፤ ብፍላይ መናእሰይ።

ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ብሰነ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ፍሉይ ሓይሊ ሳርስ ካብ ወርሒ ጥሪ 2017 ክሳብ ግንቦት 2020 ብውሑድ ኣብ ልዕሊ 82 ሰባት ስቅያት፣ ሕማቕ ኣተሓሕዛን ብዘይ ፍርዲ ማእሰርትን ፈጺሞም ይብል።

"ሰበ ስልጣን፡ ብ2017 ዝወጽአ ሕጊ ጸረ ምስቓይ ተጠቒሙ ኣብ ልዕሊ በዚ ተግባር ዝጥርጠሩን ካብ ጥርጡራት ሓበሬታ ንምርካብ ከምዘሳቕዩን ካልእ በደል ከም ዝፍጽሙን ዘረጋግጹ ሰነዳት እናሃለው ዋላ ሓደ መኮንን እቲ ጉጅለ ተሓታቲ ኣይገበሩን" ኢሉ።

ኣባላት ሳርስ፡ ጽቡቕ መኪናን ላፕቶፕን ዝሕዙ፣ ውቃጦን ዝተለቛቖመ ጸጉርን ዘለዎም መናእሰይ እንትርእዩ ዳርጋ ዝብላዕ ዝረኸቡ።

ብኣነባብርኦም ፍልይ ዝበሉን ምስቲ ኣኽራሪ ባህሊ እታ ሃገር ዘይከይድን ዝመስሉ ከኣ፡ "ያሁ ቦይስ" ወይ ድማ "ጠለፍቲ ኢንተርነት" ተባሂሎም ይጽውዑ።

እዚ፡ ነቶም ስርሖም ግድን ምስ ኮምፒዩተር ክውዕሉ ዝገብር ከይተረፈ ዝሃቡዎም ጠቐነ እዩ።

"ሓደ መዓልቲ ኣብ ገዛይ ኮይነ እናሰራሕኩ ከለኹ፡ ፖሊስ መጺኦም ወሲዶምኒ" ይብል ወዲ 22 ዓመት ክኢላ ምምዕባል ድረ ገጽ ብራይት ቼፉ።

እቶም ሰልፈኛታት ኣብ ፖሊስ ጥረዓሕ ዘይኮነ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ዘለዎም ተስፋ ምቑራጽ'ውን እዮም ዝገልጹ ዘለው

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, እቶም ሰልፈኛታት ኣብ ፖሊስ ጥረዓሕ ዘይኮነ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ዘለዎም ተስፋ ምቑራጽ'ውን እዮም ዝገልጹ ዘለው

ወዲ 77 ዓመት ፕሬዝደንት መሓሙዱ ቡሃሪ፡ ኣብ ሕሉፍ ንመናእሰይአ እታ ሃገር "ሃካያት" ኢሉዎም ነይሩ።

እንተኾነ፡ ኣብ ክንዲ ንሰናይ ምሕደራ ዝቃለሱ ብኩዕሶ እግሪ፣ ማሕበራዊ ሚዲያን ዝተፈላለዩ ምድላዋት ቴሌቪዥንን ዝተጸመዱ እዮም ተባሂሎም ይንቀፉ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን ግን፡ ኣብ ልዕሊ ፕሬዝደንት እታ ሃገር ጸቕጢ ብምሕዳር ንጉጅለ ሳርስ ኣፍሪሱ ኣብ ቴሌቪዥን ቀሪቡ ከም ዝበተኖ ክዛረብ ምርኣይ፡ መናእሰይ ናይጄሪያ ዘለዎም ሓይሊ እንታይ ምዃኑ ክርእዩ ኣኽኢሉዎም ኣሎ።

ንምዃኑ ሕቶ እቶም ተቓወምቲ እንታይ'ዩ?

'#EndSARS' ወይ ድማ ሳርስ የብቅዕ፡ ዝብል ጎስጓስ ነዞም ዝስዕቡ ሓሙሽቶ ሕቶታት የልዕል

  • እሱራት ተቓወምቲ ይፈትሑ
  • ብፖሊስ ዝተቐትሉ ፍትሒ ይርከቡ፤ ስድራ ግዳያት'ውን ካሕሳ ይከፈሎም
  • ብዘይሻራዊ ኣካል ምጽራይ ተገይሩ ገበነኛታት ስጉምቲ ይወሰድ
  • ካብ ሳርስ ወጺኦም ናብ ካልእ ናይ ፖሊስ ኣካል ዝተዘዋወሩ ኣካላት፡ ብዘይሻራዊ ኣካል ምዘና ተገይሩሎም ሓድሽ ስልጠና ይውሃቦም
  • ፖሊስ ህይወትን ንብረትን ዜጋታት ክሕሎ ስለ ዝገበሩ ደሞዝ ይወሰኸሎም
ፖሊስን ተቓወምትን

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ሳርስ ከመይ'ዩ ዝሰርሕ?

ፖሊ ሌጎስ፡ ንኽልተ ደቂ ተባዕትዮ ካብ ሓደ ሆቴል ጎቲቶም ብምውጻእ ኣብ ልዕሊ እቲ ሓደ ክትኩሱ ከለው ዘርኢ ምስሊ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ምስ ተዘርግሐ፡ እቲ ተቓውሞ ተላዒሉ።

ብዙሓት ውልቀሰባት'ውን ብፖሊስ ከም ዝተንገላትዑን ከም ዝተሳቐዩን ክዛረቡ ጀሚሮም።

ማእከል ንግዲ ዝኾነት ሌጎስ፡ ጎደናታታ ተዓጽዮም ድምጺ ተቓውሞ ዝጋውሐሎም ኮይኖም ቀንዮም።

ጋዜጠኛ ቢቢሲ ናዱካ ኦርጂኖሞ ከም ዝብሎ፡ ኣባላት ሳርስ መብዛሕትኡ ግዜ ንመናእሰይ እዮም ዝኸሱ።

ብፍላይ፡ 'ሕንቁቓት' ዝባሃሉ መናእሰይ ኣብ ዓይኒ ኣባላት ሳርስ እንተኣትዮም፡ ገንዘብ ከይተቐበሉ ኣይፈትሑዎምን።

ገሊኦም ናይ ሓሶት ክሲ ተፈሪዱዎም ይእሰሩ፤ ዝተቐትሉ'ውን ኣለው።

ኣብ መጀመርታ እዚ ዓመት (2020) ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ብውሑድ 82 ሰባት ተሳቕዮምን ተቐቲሎምን'ዮም ዝብል መግለጺ ከውጽእ እንከሎ፡ መብዛሕትኦም ዕድሚኦም ካብ 18 ክሳብ 35 ዓመት ከም ዝኾኑን ካብ ድኻ ስድራ ቤት ዝተረኸቡ ደቂ ተባዕትዮ ምዃኖምን ገሊጹ እዩ።

እቲ ምምሕያሽ ለውጢ ዘየምጽኣሉ ምኽንያት

#EndSARS ዝብል ሃሽታግ፡ ቅድሚ ክልተ ዓመት እዩ ጀሚሩ።

ሕጂ ድማ ሰሙን ገይሩ'ሎ።

ቅድም ኢሉ፡ መሓውር ፖሊስ እታ ሃገር ንምምሕያሽ ጻዕሪ ተገይሩ ነይሩ። ብ2018 ምኽትል ፕሬዝደንት የሚ ኦሲንባጆ ሳርስ ንክፈርስ ውሳነ ኣሕሊፉ ነይሩ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ግን ኣብ ውሽጢ እቲ ጉጅለ ምምሕያሽ ዝገብር ኣካል ተጣይሹ፤ ዜጋታት ብዝቢዞም'ዮም ዝተባህሉ ኣባላት ክስጎጉን ናብ ፍርዲ ክቐርቡን ድማ ሓሳብ ቐሪቡ።

እዞም ተቓወምቲ ብፖሊስ ዝፍጸም ግፍዒ ደው ከብል ይሓቱ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, መብዝሕትኡ ብዝሒ ህዝቢ ናይጄሪያ መናእሰይ'ዮም

ኣብቲ እዋን ፕሬዝደንት መሓሙዱ ቡሃሪ እቲ ሓላፊ ሰራዊት ፖሊስ ዝሃቦ ሓሳብ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ኣዋርሕ ተግባራዊ ክኸውን መምርሒ ሂቡ።

ግን ድማ እቲ ለውጢ ብዙሕ ዘዕግብ ከም ዘይነበረ ተዓዘብቲ ይገልጹ።

ሳርስ፡ ብ2017'ውን ምምሕያሽ ክግበረሉ ተወሲኑ ነይሩ'ዩ፤ ሽዑ ሓደ ውልቀሰብ ብፖሊስ ክቕተል እንከሎ ዘርኢ ምስሊ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ምስተዘርግሐ'ዩ ተወሲኑ ነይሩ።

ኣብ 2010'ውን እቲ ጉጅለ ናይ ሳተላይት ሓለፍቲ ክሰጎም ኣለዎ ተባሂሉ ነይሩ።