ኣብ ልዕሊ ካናዳዊ ኩባንያ ኔቭሰን ተመስሪቱ ዝነበረ ክሲ 'ብስምምዕ' መዕለቢ ተገይሩሉ

ዕደና ቢሻ

ምንጪ ስእሊ, Nevsun Resources website

መግለጺ ስእሊ, ዕደና ቢሻ

ቅድሚ ዓሰርተ ዓመታት ኤርትራውን ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት፡ ኣብ ልዕሊ ካናዳዊ ኩባንያ ኔቭሰን ዝመስረትዎ ክሲ "ብስምምዕ" ሕጋዊ መዕለቢ ተገይረሉ።

ነቲ ጉዳይ ንዓሰርተ ዓመታት ዝተኸታተለቶ ዳይረክተር ሓይልዮት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ወ/ሮ ኤልሳ ጭሩም ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ሓጺር ሓበሬታ: እቶም ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት ነበር፡ ኣብ ኤርትራ ኣብ ዝነበሩሉ እቲ ኩባንያ ኣብቲ ኣብ ቢሻ ዘካይዶ ዝነበረ ዕደና ብናጻ የስርሖም ከምዝነበረን፡ ከምዘይክፈሉ እናፈለጠ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ብምስምማዕ ጉልበቶም ስለዝመዝመዞም እዮም ከሲሰሞ ነይሮም ኢላ።

እቲ ኣብ ካናዳ ኣብ ዝርከብ ቤት ፍርዲ ተታሒዙ ዝጸንሐ፡ ብሽምግልና ዝተወደአ መስርሕ ዳንነት ሕጉሳት ምዃኖም ኤልሳ ጭሩም ንቢቢሲ ሓቢራ።

ትሕዝቶ ናይ ስምምዕ እንታይ ምዃኑ ግን ዝተፈልጠ ነገር የለን።

ኩባንያ ዕደና ኔቭሰን፡ እቲ ጉዳይ ኣብ ኤርትራ ወይ ድማ ኣብ ካልኦት ናይ ኣፍሪቃ መጋባእያታት ክረአ ብተደጋጋሚ ጠለብ ከቕርብ ጸኒሑ'ዩ።

እንተኾነ ቤት ፍርዲ ካናዳ፡ ብ28 ለካቲት 2020፡ ጉዳይ ናይቶም ኣብ ዕደና ወርቂ ቢሻ ኣብ ግዱድ ስራሕ ከም ዝነበሩ ዝኸሰሱ ኤርትራውያን ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣካል ዓለምለኻዊ ሕግታት ብምዃኑ እቲ ጉዳይ ኣብ ካናዳ ክቕጽል ወሲኑ።

እቲ ክሲ እንታይ እዩ?

እቶም ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት ዝነበሩ ኤርትራውያን፡ ካብ 2008 ክሳብ 2012 ኣብ ዝነበረ እዋን፡ ኣብ ዕደና ቢሻ ተገዲዶም ይሰርሑ ምንባሮምን፡ መሰላቶም ተጋሂሱ፡ ሕማቕ ኣተሓሕዛ ከም ዝነበሮም'ዮም ዝኸሱ።

እቶም ከሰስቲ፡ ኣብ ቢሻ፡ ምስተን ምስ ነቭሰን ተሻሪኸን ዝሰርሓ ሃገራውያን ኩባንያታት [ናይ ኤርትራ] ተመዲቦም ኣብ ዝሰርሕሉ ዝነበሩ እዋን፡ ብሕማምን ጥሜትን ከምኡ እውን ብወተሃደራውያን ሓለፍቶም ኣካላዊ መቕጻዕቲ የጋጥሞም ከምዝነበረ እዮም ከሲሶም።

ኩባንያ ኔቭሰን ብወገኑ፡ ነቲ ክሲ ብምንጻግ፡ ሓላፍነት ናይቶም ሰራሕተኛታት ከም ዘይነበሮ ክምጉት ጸኒሑ።