ጠለብ ምስግጋር ክሲ ዳንነት ኩባንያ ነቭሱን ተነጺጉ

ዕደና ቢሻ

ምንጪ ስእሊ, Nevsun Resources website

መግለጺ ስእሊ, ዕደና ቢሻ

ኩባንያ ነቭሱን፡ ኣብ ዕደና ቢሻ ብዘይ ብቑዕ ክፍሊት ተገዲድና ኢና ንሰርሕ ነይርና ብዝብሉ ኤርትራውያን ኣብ ካናዳ ንዘቕረቡሉ ክሲ፡ እቲ ዕደና ዘካይደሉ ቦታ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ፡ ኣብ ኤርትራ ስለዝኾነ፡ እቲ ጉዳይ ኣብ ቤት ፍርዲ ኤርትራ ክረኣየሉ ንዘቕረቦ ሕቶ፡ ቤት ፍርዲ ካናዳ ትማሊ ሰሉስ ኣበ ዘወጽኦ ውሳነ ነጺጉዎ።

ኩቫንያ ነብሱን ነቲ ኣብ ካናዳ ዝቐረበሉ ክሲ፡ እቲ ኩባንያ ኣብ ኤርትራ ስለዘሎ፡ ክሲ እንተልዩ፡ ኣብ ኤርትራ ክቐርብን ብናይ እታ ሃገር ኣብያተ ፍርድን ክዳነን'ዩ ዝግባእ ብማለት ክከራኸር እኳ እንተጸንሐ፡ ነቲ ናይ ይግባይ ጉዳይ ክርእዮ ዝጸንሐ ቤት ፍርዲ ብሪቲሽ ኮሎምብያ ካናዳ ግን ኣይተቐበሎን።

ጆ ፊዮራንተ ዝተባህለ ሕጋዊ ጠበቓ እቶም ሰራሕተኛታት " እዚ ውሳነ እዚ ነቶም ከሰስቲ ኣዚዩ ኣገዳሲ እዩ" ክብል ብምግላጽ፡ " ሕጂ እቲ ጉዳይ ብዘለዎ ጭብጥታተ ክረአን ክፍረድን እዩ" ኢሉ። ኣብዚ ጉዳይ እዚ ግን ርእይቶ ነቭሱን ከምዘይተረኽበ ነዚ ዜና ዘጠናኸረ ሮይቶርስ ሓቢሩ። ይኹን እምበር እቲ ካምፓኒ ናብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ካናዳ ይግባይ ክብል ይኽእል እዩ።

ነዞም ኣብ ኤርትራ ብግዱድ ዕዮ ተገፊዕና ኢና ዝበሉ ከሰስቲ እትደጋገፍ ኣካያዲት ስራሕ ሓልዮት ሰብኣዊ መሰላት ወይዘሮ ኤልሳ ጭሩም " እዚ ውሳነ እዚ ነቶም ፍትሒ ዝጠልቡ ዘለዉ ከሰስቲ፡ ጭብጥታቶም ሒዞም ክምጉቱን ክካትዑን መገዲ ስለዝኸፈተሎም ናይ ብሓቂ ዓቢ ውሳነ እዩ" ድሕሪ ምባል ናይ ወጻኢ ኩባንያታት ኣብቲ ዘውፍራሉ ሃገራት ንዝፈጽመኦ ገበናት ኣብቲ ዝተመዝገባሉ ሃገራት ክኽሰሳ ከምዝኽእላ መገዲ ብምኽፋቱ ኣገዳሲ ምዃኑ ኣረዲኣ።

ዕደና ቢሻ

ምንጪ ስእሊ, Nevsun Resources website

መግለጺ ስእሊ, ዕደና ቢሻ

እቲ ክሲ ካብ 2008 ከሳብ 2012 ኣብ ዝነበረ ግዜ፡ ኣብቲ ወርቂ ነሓስን ዚንክን ዝፈርየሉ ዕደና ቢሻ ብሃገራዊ ኣገልግሎት ተመዲቦም ዝሰርሑ ዝነበሩ፡ ካብ ኤርትራ ሃዲሞም ዝወጽኡ ሽዱሽተ ሰባት እዩ ተመስሪቱ። እቶም ከሰስቲ፡ ኣብ ቢሻ ምስተን ምስ ነቭሱን ተሻሪኸን ዝሰርሓ ሃገራውያን ኩባንያታት ተመዲቦም ኣብ ዝሰርሕሉ ዝነበሩ እዋን፡ ብሕማምን ጥሜትን ከምኡ እውን ብወተሃደራውያን ሓለፍቶም ኣካላዊ መቕጻዕቲ የጋጥሞም ከምዝነበረ እዮም ከሲሶም።

ሕቡራት መንግስታት ንሃገራዊ ኣገልግሎት ኤርትራ "ንባርነት ዝመሳሰል እዩ" ዝብሎ መንግስቲ ኤርትራ ኣይቅበሎን እዩ። ኤርትራ ካብ ኢትዮጵያ ናጸነታ ካብ እትጎናጸፍ ኣትሒዛ ማርክሳዊ ኣተሓሳስባ ብዘለዎ ደባይ መራሒ እያ ትምራሕ ዘላ። እቲ ስርዓት ከኣ ንሃገራዊ ኣገልግሎት ንድሕነታ ወሳኒ ምዃኑ እዩ ዝገልጽ።

ኩባንያ ነቭሱን ኣብዚ ክሲ እዚ እንተተሳዒሩ ነቶም ኣካላውን ስነ-አእሙራውን ማህሰይትን ስቓይን ዝወረዶም ካሕሳ ክኸፍል ክግደድ እዩ።