ዕደና ፖታሽ ኮሉሊ፡ ቁጠባ ኤርትራ ከደንፍዕ ትጽቢት ዝተገብረሉ ፕሮጀክት

ኮሉሉ፡ በጃ ርእሲ

ምንጪ ስእሊ, danakali

ቅድሚ ሒደት ሳምንታት ዳናካሊ ንዕደና ፖታሽ ኮሉሊ ዝውዕል ናይ 200 ሚልዮን ዶላር ልቃሕ ካብ ኤኤፍሲን ኣፍረኤክዚም ዝበሃሉ ክልተ ባንክታት ፍቓድ ምርካቡ ዝዝከር'ዩ።

እቲ ዜና ንኤርትራን ነቲ ፕሮጀክትን ኣዝዩ ኣገዳሲ እምነ ምዕራፍ ምዃኑ ላዕለዋይ ኣካያዲ ስራሕ ዳናካሊ ኒልስ ዌግ ንቢቢሲ ሓቢሩ።

ንፕሮጀክት ኮሉሊ ንምምዕባል ብሓፈሻ 302 ሚልዮን ዶላርን ገለ መንቀሳቐሲ ጥረ ገንዘብን ከም ዘድሊ ዝገለጸ ኒልስ "ሕጂ ዝበዝሕ ክፋል [ከባቢ 66%] እቲ ገንዘብ ኣውሒስና ብምህላውና፡ ምስ ኣውፈርቲ ኣብ ንገብሮ ምይይጥ ኣዝዩ ኣገዳሲ እምነ-ምዕራፍ እዩ" ኢሉ።

ኒልስ ወሲኹ'ውን "እዚ መርኣያ ናይቲ ኣብ ልዕሊ ጌና ኣብ ምምዕባል ዝርከብ ቁጠባ ኤርትራ ዘሎ እምነት'ውን እዩ" ኢሉ።

ኣብ ከባቢ ባዳ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ፡ ካብ ከተማ ምጽዋዕ 230 ኪሜ ንደቡባዊ ምዕራብ ርሒቑ ዝርከብ ኮሉሊ፡ ገዚፍ ኩምራ ናይ ፖታሽዩም ሳልፌት ዘለዎ እዩ።

ፖታሽዩም ሳልፌት

ፖታሽ፡ ኣብ ምፍራይ ድዂዒ ዝውዕል ማዕድን ኮይኑ፡ ብመልክዕ ሳልፌት ምስ ዝከውን ፖታሽዩም ሳልፌት ወይ ሳልፌት ኦፍ ፖታሽ ይበሃል።

ሳልፌት ኦፍ ፖታሽ ኣብ ምሕርቲ ፍሩታታት፡ ኣሕምልትን ዓይነታት ፉልን ዝኣመሰሉ ካብ ክሎራይን ነጻ ዝኾነ ድዂዒ ስለ ዘድልዮም፡ ነዚኦም ንምፍራይ ዝውዕል ተጠላቢ ድዂዒ እዩ።

እዚ ኣብ ዕደና ሳልፌት ኦፍ ፖታሽ ዝነጥፍ ኮሉሊ፡ ኣውስትራልያዊ ኩባንያ ዳናካሊ ምስ ሃገራዊ ኩባንያ ዕደና ኤርትራ ብሓባር ዘቖምዎ ናይ ብርኪ ኩባንያ ኮይኑ ከባቢ 10 ዓመታት ኣቑጺሩ ኣሎ።

"ኣብ መወዳእታ ናይዚ ዓመት [2019]፡ ናብ ዝቕጽል መድረኽ ማለት ምህናጽ እቲ ፕሮጀክት ከንሰግር ኢና። ኣብ መወዳእታ 2021 መጀመርታ 2022 ድማ ምፍራይን ናብ ወጻኢ ምስዳድ ክንጅምር ኢና" ብምባል ኒልስ ዘለዎ ትጽቢት ገሊጹ።

ሰራሕተኛ ኮሉሊ ምስ ነበርቲ እቲ ከባቢ

ምንጪ ስእሊ, DANAKALI

ብሉጽነት ፕሮጀክት ፖታሽ ኩሉሊ

ፕሮጀክት ኩሉሊ ምስ ካልኦት ናይ ፖታሽ ዕደናታት ክወዳደር ከሎ፡ ብሉጽ ዘብልዎ ምኽንያታት ብዙሓት እዮም።

  • ብዝሒ ናይቲ ኩምራ 1.1 ቢልዮን ቶን ኮይኑ ክሳብ 200 ዓመት ክዕደን ዝኽእል ቀጻሊ ፕሮጀክት እዩ።
  • እቲ ኣብ ኩሉሊ ተረኺቡ ዘሎ ሳልፌት ኦፍ ፖታሽ፡ ተመራጺ ድዂዒ እዩ።
  • ናብ ወደብ ዘለዎ ቅርበት፡ ኩሉሊ ካብ ወደብ ባጽዕ 230 ኪሜ ርሕቀት ዝርከብ እኳ እንተኾነ፡ ካብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ግና 87 ኪሜ ጥራይ ርሒቁ ይርከብ።
  • እቲ ማዕድን ክሳብ 16 ሜትሮ፡ ኣብ ቀረባ ዕምቆት ዝርከብ ብምዃኑ ብዙሕ ጻዕርን ገንዘብን ዝሓትት ኣይኮነን። በዚ ድማ ብተዛማዲ ዝተሓተ ወጻኢታት ዝሓትት እዩ።
  • ኣብ ትሕቲ መሬት ዘይኮነ ኣብ ቃልዕ ዝካየድ ምዃኑ'ውን ካልእ ዘምርጾ ብልጫ እዩ።

ኣብ ዕብየት ቁጠባ ኤርትራ ዝህለዎ ተራ

ፕሮግራም ልምዓት ሕቡራት ሃገራት፡ ፕሮጀክት ፖታሽ ኩሉሊ ኣብ ምውሓስ ሸቶታት ዘላቒ ልምዓት [ኤስ ዲ ጂ] ኤርትራ ክህልዎ ዝኽእል ኣስተዋጽኦ ኣመልኪቱ ኣብ ዝገበሮ መጽናዕቲ፡ ንኣገዳስነት እቲ ፕሮጀክት ኣስሚሩሉ ኣሎ።

ኣብ ምህናጽ እቲ ፕሮጀክት ከምኡ'ውን እቲ ፕሮጀክት ምስ ተወድአ ኣብ ምክያዱ ብዙሕ ናይ ስራሕ ዕድላት ክፈጥር እዩ።

እቲ ብሕቡራት ሃገራት ዝተካየደ መጽናዕቲ ከም ዝገልጾ፡ እቲ ፕሮጀክት ብሓፈሻ ክሳብ ን10 ሽሕ ሰባት ናይ ስራሕ ዕድል ከም ዝፈጥር ይገልጽ።

ብዘይካ'ዚ ኣብ 2030 ን50% ናይቲ ኤርትራ ካብ ሰደድ እትረኽቦ ኣታዊ ካብ ኩሉሊ ክርከብ ከም ዝኽእል እቲ መጽናዕቲ የረድእ።

ሰለስተ ጎናዊ ምስሊ ዕደና መመስርሒ ፖታሽ ኮሉሊ

ምንጪ ስእሊ, DANAKALI

ብድሆታት

ኤርትራ ምስ ዕደና ጽቡቕ ሌላ ዘለዋ ሃገር ምዃና ኣብ ኣጠቓቕማ ወደብ፡ መጉዓዝያ ምድሪን ካልእን ተሞክሮ ምጽንሑ ጸጋ እዩ ዝብል ኒልስ፡ ገለ ገለ ብድሆታት ከም ዘለው ግና ይገልጽ።

እቲ ፕሮጀክት 500 ክኢላታት ዝጠልብ ብምዃኑ፡ ነዚ ዝኣክል ክኢላዊ ዓቕሚ ምርካብ ቀሊል ከም ዘይኮነ ሓቢሩ።

ብኻልእ ወገን፡ ኤርትራን ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት፡ ኣብ ፕሮጀክትታት ዕደና ኣብ ግዱድ ዕዮ ከም እተዋፍር ትኽሰስ።

ኣብ ዕደና ቢሻ ብዘይ ብቑዕ ክፍሊት ተገዲድና ኢና ንሰርሕ ነይርና ብዝብሉ ኤርትራውያን፡ ካናዳዊ ኩባንያ ኔቭሰን ሪሶርስስ፡ ኣብ ካናዳ ክሲ ከም ዝተመስረተሉ ይዝከር።

ካልእ ናብ ኩሉሊ ዝቐረበ ወደብ ናይ ምስራሕ ውጥን

ኩሉሊ ኣብ ቀዳሞት ሓሙሽተ ዓመታት ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት 472 ሽሕ ቶን ከፍሪ እዩ።

እዚ ፍርያት ገለ ክፋሉ ውዱእ ዝኾነ ሓረስቶት ብቐጥታ ኣብ ጥቕሚ ክውዕልዎ ዝኽእሉ ክኸውን ከሎ እቲ ዝተረፈ ከኣ ኣብ ምፍራይ ኤንፒኬይ [ዓይነት ድዅዒ] ዝውዕል ሳልፌት ኦፍ ፖታሽ ዝውዕል እዩ።

ኮሉሊ ካብ ገማግም ባሕሪ 87 ኪሜ ርሕቀት ጥራይ ዝርከብ እኳ እንተኾነ፡ ንግዚኡ ነቲ ዘሎ ትሕተ ቅርጺ ብምጥቃም ብወደብ ባጽዕ (230 ኪሜ) ኣቢሉ ፍርያቱ ከም ዝሰድድ ኒልስ ይዛረብ።

ድሕሪ ሓሙሽተ ዓመት ግና እቲ ፍርያት ብዕጽፊ ናይ ምውሳኽ (ኣብ ዓመት 944 ሽሕ ቶን) መደብ ብምህላው፡ ኣብ መርሳ ኣንፊለ ወደብ ናይ ምህናጽ ውጥን ኣሎ።

እዚ ምስ ዝትግበር፡ ንመጓዓዝያ [ክሳብ ወደብ] ን ሓደ ቶን ዝኽፈል 73 ዶላር ብ 68 ሚኢታዊት ከም ዝጎድል ኒልስ ይግለጽ።

ዕደና ኮሉሊ ናብ ባሕሪ ዘለዎ ቅርበት ዘርእይ ካርታ

ምንጪ ስእሊ, DANAKALI

ዳንካሊ ኣብ ዕዳጋታት ለንደንን ኣውስትራልያን 'ስቶክ ኤክስቼንጅ' ተመዝጊቡ ይርከብ።

ኣብዚ ዓመት ዋገኡ ብዙሕ ፍልልይ [ምውራድን ምድያብን] ከም ዘየርኣየ ዝገልጽ ኒልስ፡ ብተዛማዲ ርጉእ ኣሎ ይብል።

"ምስ መብዛሕትኡ ዕዳጋ ብምዝማድ ርጉእ ኮይኑ ይቕጽል ኣሎ። ንድሕሪት ናብ 2015 ተመሊስና እንተ ርኢና በቲ ምዕባለታት ተደሪኹ፡ ቀስ ብቐስ እናዓበየ ክመጽእ ጸኒሑ'ዩ። እቲ ዘድሊ መጠን ገንዘብ ምስተፈቐደ'ውን ክውስኽ እዩ። ዝተሓተ ሃልክን ወጻእን ዝጠልብ ፍርያት ከም ዝህልዎ ኣይጠራጠርን" ኢሉ።

ኣብ ዝቕጽል 30 ዓመታት ህዝቢ ዓለም ናብ ብ 2 ቢልዮን ከም ዝውስኽ ጸብጻባት ሕቡራት ሃገራት የርእይ።

ጠለባት ኣሕምልትን ፍረታትን እናወሰኸ ይኸይድ ምህላው ዝገልጽ ኒልስ፡ ልዑል ጠለብ ናይ ሳልፌት ኦፍ ፖታሽ ድዂዒ ከም ዝህሉ ድማ ሓቢሩ።

ምስ ዩሮኬም ዝተበጽሐ ውዕል

ዳናኪል ብመሰረት እቲ ኣብ ሰነ 2018 ምስ ዩሮኬም ዝተብሃለ ኣብ ምፍራይን ምሻጥን ድዂዒ ዝነጥፍ ትካል ዝበጽሖ ስምምዕ ን 10 ዓመታት፡ ኣድላዪ እንተኾይኑ ድማ ክሳብ 13 ዓመታት፡ ብምልኡ ፍርያት ዳናካሊ፡ ዩሮኬም ክወስዶ እዩ።

እዚ ድማ ንዳናካሊ ን 13 ዓመታት "ውሑስ ዝኾነ ኣታዊ" ዘምጽእ ምዃኑ ኒልስ ሓቢሩ።

ዳናካሊ፡ ካብ ደንከል [እቲ ዕደና ዝኻየደሉ ከባቢ] ከምኡውን ካሊ ዝብል ጨው ዝትርጎም ናይ ጀርመን ቃል ዝተወስደ እዩ።