ኤርትራ ካብቲ ተሸሚማቶ ዘላ ቁጠባዊ ዝሕታለ ትገላገል'ዶ ትኸውን?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ቁጠባ ኤርትራ ብሰንኪ ኲናት፡ ውልቀ መላኽነትን ብሕቡራት ሃገራት ዝተነብረ እገዳን፡ ንዓሰርተታት ዓመታት ተዳኺሙ እዩ ጸኒሑ።
እንተኾነ ግና እቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ምስ ጎረቤት ሃገር ኢትዮጵያ ዝተበጽሐ ስምምዕ ሰላምን ምልዓል እገዳታትን፡ እቲ ቁጠባ ክመሓየሽ ኣፍ ደገ ዘርሕው እዩ። እዚ ማለት እታ ሃገር ዝያዳ ኣብ ሰደድ ክትነጥፍ ዘኽእል እዩ።
ግና ኤርትራ ካብ ምልካውን ሓደ ሰልፋውን ስርዓት ክሳብ ዘይተገላገለትን፡ ወተሃደራዊትን ክሳብ ዝኾነት፡ ከበድቲ ብድሆታት ክህልው ኢዮም።
ብዘይካ'ዚ ኤርትራ፡ ኣብ ሕርሻ ዝምርኮስ ቁጠባ ዘለዋ፡ ሓንቲ ካብተን ድኻታት ሃገራት ኣፍሪቃ እያ።

ኣብዚ እዋን ካብ ድኽነት ወይ ገደብ ኣልቦ ሃገራዊ ኣገልግሎት ዝሃደሙ 1.5 ሚልዮን ኤርትራውያን ኣብ ወጸኢ ሃገራት ከም ዝነብሩ ይግመት፤ የማነ፡ ሓደ ካብኦም ኮይኑ ኣብ ኤውሮጳ ይቕመጥ።
የማነ ኣብ በዓል ንምስታፍ፡ ኣብ ቀረባ እዋን፡ ናብ ምጽዋዕ፡ ኤርትራ በጺሑ፤ ንተኽእሎታት ናይ ቢዝነስ ድማ ክፍትሽ ፈቲኑ ነይሩ።
እቲ ኣብ ኤውሮጳ ዝርከብ ትካሉ፡ ናይ ኢትዮጵያ ቢራ ዘከፋፍል ኮይኑ፡ ብመንገዲ ወደብ ባጽዕ ኣቢሉ ክሰድድ ይሓስብ። "እዚ ኣዝዩ ቀሊል ምኾነ" ድማ ይብል።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
የማነ ኣብዚ እዋን ነቲ ፍርያት ብወደብ ጅቡቲ ኣቢሉ'ዩ ዝሰዶ።
እታ ኣፍ ደገ ባሕሪ ዘይብላ ኢትዮጵያ፡ ድሕሪ እቲ ምስ ኤርትራ ዘካየደቶ ኲናት (1998-2000 ዓም) ንኹሉ ሰደድን ኣታውን ብመንገዲ ጅቡቲ ክተካይዶ ተገዲዳ'ያ ጸኒሓ።
ኣብ ሓምለ 2018 ግና፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ፡ ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ታሪኻዊ ስምምዕ ሰላም ብምግባሩ፡ እቲ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ን 18 ዓመታት ተዓጽዩ ዝነበረ ዶብ ዳግማይ ክኽፈት ክኢሉ።
በዚ ድማ፡ ኣቕሑት ኢትዮጵያ ኣብ ኤርትራ ዕዳጋ ብምርካቡ ክውሕዝ ጀመረ።
ሕቡራት ሃገራት ንትሽዓተ ዓመታት ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ኣንቢርዎ ዝጸንሐ ናይ ኣጽዋር፡ ምድስካል ርእሰማልን ምዕጋት መገሻን ዝርከብዎም እገዳታት ኣብ ወርሒ ሕዳር ኣልዒልዎ።
እቲ እገዳ፡ ኤርትራ ንእስላማውያን ጉጅለታት ሶማል ትሕግዝ'ያ ብዝብል ክሲ ዝተነብረ ክኸውን ከሎ፡ ኤርትራ ግና ከም ዘይወዓለቶ'ያ ትገልጽ።
ሎሚ እቲ ንኤርትራን ኢትዮጵያን ዘራኽብ ኣርባዕቲኡ ኣፍደገታት ዶብ ተዓጽዩ'ኳ እንተሎ፡ ግዝያዊ ምዃኑ ግና ይግለጽ።
ጋዜጠኛ ኣሶሽየትድ ፕረስ ኣብ ኢትዮጵያን ኤርትራን፡ ኤልያስ መሰረት "ምዕጻው እቲ ዶብ ንጉዳያት ቀረጽ፡ ግምሩኽን ቪዛን፡ ስርዓት ንምትሓዝ እዩ ዝመስል" ይብል።
እቲ ምዕጻው፡ ሚኒስትሪ መጉዓዝያ ኢትዮጵያ፡ ነቲ ንክልቲአን ሃገራት ዘራኽብ ናይ ኣውቶቡስ ኣገልግሎት፡ ውጥናት ኣጽፊፉ ምህላው ኣብ ዝገለጸሉ እዋን እዩ ኣጋጢሙ። ጋዜጠኛ ኤልያስ ገብረስላሴ ድማ "ወግዓዊ ብዘይኮነ መገዲ" ምስግጋር ናይ ሰባትን ኣቕሑትን ምህላው ይገልጽ።
ኣብ 1993 ካብ ኢትዮጵያ ናጽነታ ዝረኸበት ኤርትራ፡ በቲ ዝነበራ ንግዳዊ ዝምድናታት ውርይቲ እያ ነይራ። እዚ ውጽኢት ናይ ደገ ጽልዋታት ክኸውን ከም ዝኽእል ይግለጽ፤ ኣዕራብ፡ ቱርካውያን፡ የመናውያን ኣብታ ሃገር ብብዝሒ ነይሮም እዮም።
ኤርትራ ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ኢጣልያን (1890-1941) እንግሊዝን (1941-1952) እውን ጸኒሓ እያ። ብድሕ'ዚ ኤርትራ ብፌደሬሽን ኣካል ኢትዮጵያ'ያ ኮይና።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ዩኒቨርስቲ ካሊፎርንያ ምሁር ስነማሕበረሰብ፡ ፕሮፌሰር ተኽለ ወልደሚካኤል "ኣብ ኤርትራ 'ሕረስ ሓረስታይ፡ ንገድ ነጋዳይ' ዝብል ፍሉጥ ኣበሃህላ ኣሎ" ይብል።
"እዚ ማለት ኤርትራውያን ነጻ ኣብ ዝኾነ ዕዳጋ፡ ናይ ምሻጥን ምዕዳግን ዕድላት ኣኽቢሮም እዮም ዝርእይዎ" ይብል።
እንተኾነ ግና ቁጠባ ኤርትራ፡ ፈለማ በቲ ን 30 ዓመታት ዝቐጸለ ቃልሲ ንነጻነት፡ ብድሕሪኡ ድማ ካብ 1998-2000 ምስ ኢትዮጵያ ብዝተኻየደ ኲናት ዶብ፡ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ዓንዩ እዩ።
ብዘይካ'ዚ እቲ መንግስቲ ብዝኽተሎ ሕሉፍ ጸጋማዊ ስነቁጠባ፡ ቁጠባ እታ ሃገር ኣዝዩ ተጸልዩ እዩ።

ምንጪ ስእሊ, Milena Belloni
"ምኽንያት ቁጠባዊ ዝሕታለ ኤርትራ፡ ኲናት ዘይኮነስ፡ እቲ ስነሓሳብ ኮሚኒዝም ዝኽተል መንግስቲ፡ ንናጻ ዕዳጋን ስርዓት ርእሰማልነትን ዘለዎ ዕሉል ጽልኣት እዩ፤ እዚ ድማ ብምኽንያት እቲ ስምምዕ ሰላም ዝቕየር ኣይኮነን" ትብል፡ ብዛዕባ ቃልሲ ንናጽነት ኤርትራ መጽሓፍ ዝጸሓፈት ሚኸላ ሮንግ።
ኣብዚ እዋን፡ ዝኾነ ሰብ፡ ኣብ ሓደ ወርሒ ልዕሊ 5,000 ናቕፋ (330 ዶላር) ካብ ባንክ ከውጽእ ኣይኽእልን'ዩ፤ እዚ ንሸርፊ ጸሊም ዕዳጋ ንምቁጽጻር ዝተገብረ እኳ እንተኾነ፡ ኣብ ወፍርን ቁጠባን ዝፈጥሮ ዕንቅፋት ቀሊል ኣይከውንን።
እዚ ጥራይ ዘይኮነ፡ ዝበዝሕ ኣፍራዪ ኣካል ሕብረተሰብ "ንሃገር ኣብ ምግልጋል" ኣብ ወትሃደራውን መንግስታውን ትካላት፡ ብውሕድ ደሞዝ ክተሓዝ ተገዲዱ ኣሎ።
ኣብ ጀርመን ከተማ ሃምበርግ፡ ኣባል ጂጋ ኢንስቲትዩት ጉዳያት ኣፍሪቃ፡ ዝኾነት ኒኮል ሂርት ኣብ ቁጠባዊ ትንሳኤ ኤርትራ ትስፍውቲ ከም ዘይኮነት ትገልጽ።
"እቲ ጸገም፡ ትሕተ ቅርጺ ፈጺሙ ዕሽሽ ተባሂሉ ስለ ዝጸንሐ እዩ" . . . "እቲ መሪሕነት፡ ነቲ ቁጠባ ናይ ምቁጽጻር ባህሪ ስለ ዘለዎን ንብሕታውያን ኣውፈርቲ ዝህቦ ስፍራ ንእሽቶ ብምዃኑ፡ ብዙሕ ተስፋ ምግባር ኣይርኣየንን" ትብል።
ኣብዚ እዋን ቀንዲ ሰደድ እታ ሃገር፡ ካብ ዕደና ቢሻ ዝርከብ ወርቂ ኮይኑ፡ ናብ ቻይናን ደቡብ ኮርያን ይስደድ። እንተኾነ ግና ካብ መላእ ዓለም ምስ ኤርትራ ንግዲ ናይ ምክያድ ድሌታት እናወሰኸ ይኸይድ ኣሎ።
ኣብ መወዳእታ 2018፡ ካብ ጽላታት ጸዓት፡ ህንጻን ሕርሻን ዝተዋጽኡ 80 ኢጣልያውያን ዝሓዘ ጉጅለ፡ ምስ ምክትል ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢጣልያ ኢማኑዌላ ደል ረ፡ ብምዃን ናብ ኤርትራ ዑደት ኣካይዱ'ዩ።
ድሕሪ ካልኣይ ኲናት ዓለም ሓንቲ ካብተን ብኢንዱስትሪ ዝማዕበላ ሃገራት ኣፍሪቃ ምንባራ ብምጥቃስ "ኤርትራ ብርግጽ ዓቢይ ናይ ሰደድ ተኽእሎ ኣለዋ" ትብል ሚስ ሂርት።
"[ሎሚ] ሰደድ ዓሳ ብሰፊሑ ክስርሓሉ ዝኽእል'ዩ፡ ከምኡውን እምነበረድ፡ ፖታሽ፡ ወርቂ፡ ነሓሲ፡ ዚንክ፡ ዓለባ፡ ዝተመስርሐ መግቢ፡ ቆርበት፡ ስጋ፡ ነቢትን ቢራን ክጥቀሱ ዝኽእሉ እዮም።"
ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝርከቡ ኤርትራውያን፡ ኣብ ምዕባይ ቁጠባ እታ ሃገር ዓቢይ እጃም ክጻወቱ ከም ዝኽእሉ፡ ወሃቢ ቃል መንግስቲ ኤርትራ ይገልጽ። መብዛሕትኦም ኣብ ኤርትራ ንዝርከቡ መቕርቦም ገንዘብ ዝልእኹ ኮይኖም፡ 2% ናይቲ ዝረኽብዎ ኣታዊ፡ ቀረጽ ናብ መንግስቲ ኤርትራ ክኸፍሉ ድማ ይግደዱ።
ገለ ኣካላት'ውን፡ 30% ካብ ሓፈሻዊ ሃገራዊ ምህርቲ ኤርትራ፡ ካብ ወጻኢ ሃገራት ካብ ዝሕወል ገንዘብ ዝርከብ ምዃኑ ይግምቱ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ከም የማነ ዝኣመሰሉ ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ኤርትራውያን ዝምድንኦም ንምምሕያሽ ክጽዕሩ ከለው፡ ካልኦት ግና ኣብታ ሃገር ኣብ ሓጺር ግዜ ለውጢ ከም ዘይህልው የጠንቅቑ።
ፕሮፌሰር ኣንትሮፖሎጂ ኣብ ዩኒቨርስቲ ካሊፎርንያን ብዛዕባ ኤርትራ ሰፊሕ ኣፍልጦ ዘለዋን ቪክቶርያ በርናል ብወገና "ኤርትራ ብዛዕባ ሰደድ ቅድሚ ምሕሳባ፡ ውሕሰነት ምግቢ ክተረጋግጽ ኣለዋ" ኢላ።
"ትሕተ ቅርጺ ቴክኖሎጂ ሓበሬታን ርክብን (ኣይ ሲ ቲ) ከየመሓየሽዎ፡ ኣህጉራዊ ንግዲ ከካይዱ ኣይክእሉን እዮም።"
ሚስ ሂርት ወሲኻ፡ መብዛሕትኦም ኣውፈርቲ ነቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ፖለቲካዊ ኩነታት ምስ ረኣዩ ንድሕሪት ምንስሓቦም ዘይተርፍ ኢዩ ትብል።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







