ዕደና ቢሻ፡ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ካናዳ: ኩባንያ ዕደና ነቭሰን ዘቕረቦ ይግባይ ነጺጉ

ምንጪ ስእሊ, AFP
ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ካናዳ ትማሊ ዓርቢ 28 ለካቲት ኣብ ዝሃቦ ብይን፡ ጉዳይ ናይቶም ኣብ ዕደና ወርቂ ቢሻ ኣብ ግዱድ ስራሕ ከም ዝነበሩ ዝኸሰሱ ኤርትራውያን ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት፡ ኣብ ኤርትራን ክረአ ብኩባንያ ዕደና ነቭሰን ዝቐረበ ጠለብ ብምንጻግ፡ እቲ ጉዳይ ኣብ ካናዳ ክረአ ከም ዝኽእል ወሲኑ።
እቲ ቤት ፍርዲ ኣብ ዘሕለፎ ብይን፡ ዓለምለኻዊ ሕግታት ኣካል ሕግታት ካናዳ ብምዃኑ ብምጥቃስ፡ እቲ ጉዳይ ኣብ ካናዳ ክቕጽል ይኽእል'ዩ ኢሉ።
"ነቭሰን፡ እቶም ኤርትራውያን ሰራሕተኛታት ዘቕረብዎ ኣብ ዓለምለኻዊ ሕጊ ዝተመስረተ ምጉት ከፍርስ ዝኽእል መጎት ኣየቕረበን" ይብል እቲ ቤት ፍርዲ።
ኩባንያ ዕደና ነቭሰን፡ እቲ ጉዳይ ኣብ ኤርትራ ወይ ድማ ኣብ ካልኦት ናይ ኣፍሪቃ መጋባእያታት ክረአ'ዩ ጠሊቡ ነይሩ።

ምንጪ ስእሊ, AFP
እቲ ክሲ እንታይ እዩ?
እቶም ሰለስተ ኣብቲ ብይን ተጠቒሶም ዘለዉ ኤርትራውያን፡ ካብ 2008 ክሳብ 2012 ኣብ ዝነበረ እዋን፡ ኣብ ቢሻ ተገዲዶም ኣብ ዝሰርሕሉ ዝነበሩ እዋን፡ መሰላቶም ተጋሂሱ፡ ሕማቕ ኣተሓሕዛ ከም ዝነበሮም'ዮም ዝኸሱ።
እቶም ከሰስቲ፡ ኣብ ቢሻ ምስተን ምስ ነቭሱን ተሻሪኸን ዝሰርሓ ሃገራውያን ኩባንያታት ተመዲቦም ኣብ ዝሰርሕሉ ዝነበሩ እዋን፡ ብሕማምን ጥሜትን ከምኡ እውን ብወተሃደራውያን ሓለፍቶም ኣካላዊ መቕጻዕቲ የጋጥሞም ከምዝነበረ እዮም ከሲሶም።
ሕቡራት መንግስታት ንሃገራዊ ኣገልግሎት ኤርትራ "ንባርነት ዝመሳሰል እዩ" ዝብሎ፤ መንግስቲ ኤርትራ ግን ነዚ ክሲ ኣይቅበሎን እዩ።
ኩባንያ ነቭሰን ብወገኑ፡ ነቲ ክሲ ብምጻግ፡ ሓላፍነት ናይቶም ሰራሕተኛታት ከም ዘይነበሮን ክምጉት ጸኒሑ'ሎ።
እቲ ጉዳይ፡ ኣብ ከናዳ ክረአ ምዃኑን፡ እቲ ናይ ትማሊ ፍርዲ፡ ነቶም ሰራሕተኛታት ካሕሳ ንምውሳን ዝዓለመ ከምዘይኮነን ተፈሊጡ።
እቲ ናይ ይግባይ ጠለበ ንሳልሳይ ግዚኡ'ዩ ዝንጸግ ዘሎ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







