ኤርትራ፡ ፓርላማ ጀርመን ዘውጽኦ መግለጺ 'ግዚኡ ዘይሓለወ፡ ዘባልን ዘይብሱልን' ክትብል ነጺጋቶ

ፓርላማ ጀርመን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ፓርላማ ጀርመን

ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ጀርመን ሎሚ 30 ሚያዝያ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ሓደ ፓርላመንታዊ ኮሚቲ ጀርመን ዘውጽኦ ንኤርትራ ዝነቅፍ መግለጺ "ግዚኡ ዘይሓለወ፡ ዘባልን ዘይብሱልን" ክብል ነቒፉ።

እቲ መግለጺ ከም ዝብሎ፡ ፍሉይ ኮሚቲ ፓርላማ ጀርመን ('ቡንድስታኽ) ኣብ ጉዳያት ዓለምለኻዊ ልምዓትን ቁጠባዊ ምትሕግጋዝን፡ መሪሕነት ኤርትራ ዕንቅፋት ብምዃኑ፡ ኣብ መንጎ ጀርመንን ኤርትራን ክልታኣዊ ምትሕግጋዝ ክህሉ ኣይክእልን'ዩ ምባሉ ጠቒሱ።

ኣስዒቡ እቲ መግለጺ፡ ኤርትራ፡ ብሰንኪ ዝፈጸመቶ ከቢድ ግህሰት ሰባዊ መሰላት፡ ናይ ጀርመን ሓገዝ ክትረክብ ብቕዕቲ ከም ዘይኮነት ኣፍሊጡ።

እዚ ተሪር ግብረመልሲ፡ ኣብ 2009 ጀርመን ኣብ ዕደና ኤርትራ፡ ብፍላይ ኣብ ዕደና ቢሻ፡ ክትሳተፍ ዕድል ተፈጢሩላ'ኳ እንተነበረ፡ ብሰንኪ ካልኦት ዝገበሩላ ጸቕጢ ከም ዘንሰሓበት'ውን ከዘኻኽር ዝፈተነ'ዩ።

ኣብ ጉዳይ ስደተኛታት'ውን፡ ኤምባሲ ኤርትራ፡ ጀርመን ንኤርትራውያን "ሓለፋ ብምሃብ" ናብኣ ክትስሕቦም ከም ዝጸንሐት ይኸስስ።

እንተኾነ ግን ብዙሓት ኤርትራውያን፡ ብፍላይ ኣብዚ ቀረበ እዋናት፡ ኣብ ጀርመን ዘቕረብዎ ናይ ዕቑባ ሕትኦም ቀልጢፉ ከም ዘይምለሰሎምን፡ ገሊኦም'ውን ክሳብ ምንጸግ ከም ዝበጽሑን ጸብጻባት የረድኡ።

ጀርመን፡ ንኢትዮጵያ ትህቦ ዝነበረት ቀጻሊ ሓገዛት'ውን "ተጻባኢ" ተግባር ምንባሩ ኤርትራ ኣብ መግለጺኣ ኣማሪራ።

"ኣውሮጳዊ ሕብረት ዝጸዓረሉ ውዕል ኣልጀርስን ዓለምለኻዊ ሕግን ብምጥሓስ ልኡላዊ ቦታታት ኤርትራ ጎቢጡ እንከሎ፡ ጀርመን፡ ንስርዓት ህወሓት ትህቦ ዝነበረት ገዚፍ ፋይናንሳዊ/ባጀታዊ፡ ከምኡውን ናይ ኲናት ደገፍ" ኤርትራ ከምዘይረሰዓቶ እቲ መግለጺ ይጠቅስ።

እቲ ኮሚቲ፡ ኤርትራ፡ ብሰንኪ ዝፈጸመቶ ከቢድ ግህሰት ሰባዊ መሰላት፡ ናይ ጀርመን ሓገዝ ክትረክብ ብቕዕቲ ኣይኮነትን ምባሉ'ውን እቲ ኤምባሲ ቁጠዐኡ ገሊጹ።

ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ጀርመን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መንግስቲ ኤርትራ፡ ብምግሃስ ሰባዊ መሰላትን፡ ምእጋድ ናጽነታትን ክኽሰስ ዝጸንሐ፡ ስርዓት ምዃኑ ይፍለጥ።

ንነዊሕ ዓመታት ድማ፡ ብሰንኪ'ዚን ባዕላዊ ምርጫን ካብ ዓለም ተነጺሉ'ዩ ጸኒሑ። ኣብዚ ቀረባ እዋን ግን፡ ገለ ምዕራባውያን ሃገራት ዝምድናታተን ንምምሕያሽ ጻዕርታት ክገብራ ተራእየን።

ይኹን እምበር እቲ ንሰን ዝጠልብኦ፡ ፖለቲካዊ ጽገናታት ይኹን፡ ምትእትታው ደሞክራሲ፡ ብመንግስቲ ኤርትራ ተቐባልነት ኣይረኸበን።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ካብ 1991 ኣትሒዙ ነታ ሃገር ብዘይ ቅዋም'ዩ ዘመሓድራ ዘሎ። ነቲ ዝነበረ መሰጋገሪ ሃገራዊ ባይቶ'ውን ካብ 2002 ኣትሒዙ ከም ዝፈርስ ጌሩ'ዩ።

ብዙሓት ካብ ኣባላት ናይቲ ባይቶ ድማ፡ ገሊኦም ኣብ ስዉር ኣብያተ ማእሰርቲ ዝኣተዉ'ዮም፡ ገለ ተሰዲዶም፡ እቶም ዝተረፉ ድማ ብሞት ተፈልዮም ይርከቡ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ ሓደ እዋን ኣብ ዝገበሮ ቃለመሕትት፡ እቲ ክሳብ ሕጂ ተኻይዱ ዘይፈልጥ ሃገራዊ ምርጫ፡ ድሕሪ 40 ዓመታት ክካየድ ከም ዝኽእል ተዛሪቡ ምንባሩ ይዝከር።