ናይጄሪያ፡ ባህላዊ መድሓኒት ዝሰተዩ 10 ኣባላት ሓንቲ ስድራ ሞይቶም

ባህላዊ መድሃኒት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብ ምዕራባዊ ናይጄሪያ ኣብ እትርከብ ክዋራ ዝተባህለት ግዝኣት ዓሰርተ ኣባላት ሓንቲ ስድራ ካብ ዝተፈላለዩ እጽዋት ዝተቐመመ ባህላዊ መድሃኒት ምስ ሰተዩ ከም ዝሞቱ ፖሊስ ገሊጹ።

ኣብ ሓንቲ ባዮግሩ ዝተባህለት ገጠር ከባቢ እታ ግዝኣት ክልተ ጥርጡራት፡ እዚ ምኽንያት ሞት ኮይኑ'ዩ ዝተባህለ ባህላዊ መድሃኒት: ኣብ እግራ ረኽሲ ንዘጋጠማ ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ካብ እጽዋት ዝተዳለወ ውሁድ ከሕውያ ከም ዝኽእል ብምግላጽ ክትወስዶ ገይሮም።

ይኹን'ምበር እታ ውልቀሰብ ነቲ መድሃኒት ክትወስድ እንከላ ዝተረፉ ኣባላት ስድርኣ'ውን በቲ ሕማም እግሪ ከይልከፉ እቲ ባህላዊ መድሃኒት ክወስዱዎ ኣለዎም ኢሎምዋ።

በዚ ምኽንያት'ዮም እቶም ዓሰርተ ኣባላት እዛ ስድራቤት ነዚ መድሃኒት ሰትዮምዎ። ግና ህይወቶም ሓሊፉ።

ወሃቢ ቃል ፖሊስ ግዝኣት ክዋራ ኦካሳንሚ ኣጃይ ብሮቡዕ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ እቲ ባህላዊ መድሃኒት ዝወሰዱ ኣባላት ስድራቤት ህይወቶም ከም ዝሓለፈ ተዛሪቡ።

እታ እግራ ዝሓመመት ሓዊሱ "ዓሰርተ ኣባላት ስድራቤት ብዝሰተዩዎ ውሁድ ምኽንያት ሞይቶም ተረኺቦም" ክብል እቲ ወሃቢ ቃል ንቢቢሲ ኣረዲኡ።

ካብ ሞንጎ በቲ መድሃኒት ዝሞቱ ኣባላት ስድራቤት እቲ ብዕድመ ዝንኣሰ ቖልዓ ክልተ ዓመት ኮይኑ እቲ ዝዓበየ ድማ ወዲ 40 ዓመት ምንባሩ ፖሊስ ሓቢሩ።

እቶም ጥርጡራት ኣብ ቀይዲ ኣትዮም መርመራ ይካየደሎም ከም ዘሎ መግለጺ ፖሊስ የመልክት።

እዞም ውልቀሰባት ኣብቲ ገጠር ከባቢ ኣብ ዝርከብ ማሕበሰረብ ብባህላዊ መድሃኒት ብምድላው ዝፍለጡ ድዮም ኣይኮኑን ዝብል ገና ኣይተፈልጠን።

ብዙሓት ናይጄርያውያን ብፍላይ ድማ ኣብ ገጠር ከባቢታት ዝነብሩ ሰባት ብምኽንያት ሕጽረት ግንዛበ፣ ድኽነትን ባህላዊ እምነትን ንዝተፈላለዩ ሕማማት ፈውሲ ንምርካብ ባህላዊ መድሃኒታት ይጥቀሙ።

ስርዓት ጥዕና እታ ሃገር'ውን ብብዙሕ ጸገማት ዓንዩ'ዩ።