ቻይና፡ ባህላዊ መድሃኒት ኣብ ምፍዋስ ኮቪድ19 ክውዕል ተተባብዕ ኣላ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ቻይና፡ ጎኒ ጎኒ ብተመራመርቲ ክታበት ኮቪድ 19 ንምርካብ ዝግበር ዘሎ ቅልስ፤ ባህላውያን ሓካይም’ውን 'ቲሲኤም' ዝተባህለ ባህላዊ መድሃኒት ቻይና፡ ብኮሮናቫይረስ ንዝተለኸፉ ሰባት ኣብ ምሕካም ንኽውዕል ተተባብዕ ምህላዋ ተገሊጹ።
ኣብ ቀረባ ግዜ፡ ካብ መንግስቲ ቻይና ዝወጽአ መግለጺ፡ 92 ሚእታዊት ካብቶም ካብ ኮሮናቫይረስ ዝሓወዩ ሰባት፡ ብባህላዊ ኣገባብ ምዃኑ እዩ ዝገልጽ።
‘ቲሲኤም’ ኣብ ቻይና ኣዝዩ ፍሉጥ መድሃኒት ኮይኑ፡ ኣብ ዓለም እቲ ዝጠንተወ ዓይነት ባህላዊ መድሃኒት እዩ።
ክኢላታት መድሃኒት፡ ቻይና ‘ቲሲኤም’ ኣብ ውሽጢ ሃገራን ኣብ ወጻእን ከተስፋሕፍሖ እያ ትደሊ ክብሉ እንከለዉ፡ ክኢላታት ሕክምና ግን ብጥቅሚ ‘ቲሲኤም’ ወትሩ ምስ ተጠራጠሩ እዮም።
መንግስቲ ቻይና ንኮቪድ 19 ክፍውሱ ይኽእሉ’ዮም ዝበሎም ሽዱሽተ ባህላውያን መድሃኒታት ጠቒሱ ኣሎ፡ ሓደ ካብዚኦም 'ሊያንሁ ኩንጉወን' ዝብሃል ኮይኑ፡ ኣብ 2009 ኤች ዋን ኤን ዋን (H1N1) ንምፍዋስ ዝተመስረሐ ባህላዊ መድሃኒት እዩ።
ትካል ጥዕና ኣሜሪካ፡ እቲ ናይ ቻይና ባህላዊ መድሃኒት ምልክታት ኮሮናቫይረስ ኣብ ምጥፋእ ድኣ’ምበር ምሉእ ውጽኢት ከምዘይብሉ እዩ ዝገልጽ።
ብሪጣንያዊ ተመራማሪ ኢድዛርድ ኢረንስር ምስ ናቹራል ጆርኒ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕተት’ውን “ቲሲኤም መድሃኒት ኮቪድ 19 ኮይኑ ንኽውዕል ዝኾነ ዓይነት መርትዖ የለን፡ ጥቅሙ ብመርትዖ ዘይተደገፈ ምዃኑ ጥራይ ዘይኮነ ኣዝዩ’ውን ሓደገኛ እዩ”ኢሉ።
እዚ እናኾነ ግን፤ ተጠላብነት ቲሲኤም ኣብ ቻይናን ካብ ቻይና ወጻእን ብናህሪ’ዩ ዝውስኽ ዘሎ።
ክሳብ መወዳእታ 2020 ኣብ ዘሎ ግዜ፡ ጠለብ እዚ መድሃኒት ብደረጃ ዓለም ክሳብ 420 ቢልዮን ዶላር ክበጽሕ ከምዝኽልእ እዩ ብቻይና ግምት ተዋሂብዎ ዘሎ።
ፕረዚደንት ዥን ሓደ ካብቶም እዚ መድሃኒት ከስፋሕፍሕ ደገፉ ዝገልጽ ዘሎ ኮይኑ፡ ነቲ መድሃኒት “ግምጃ ምዕባለ ቻይና” ኢሉ ከምዝገልጾ እዩ ዝግለጽ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
እንተኾነ ኣብ ምኒሰትሪ ወጻኢ ጉዳያት ቻይና ሓላፊ ርክባት ዓለምለኻዊ ጉዳያት ጥዕና፡ ዝኾነ ያንግሆንግ ህዋንግ “ድሕነትን ኣድማዕነትን ኣብ ግምት ብምእታው ዝበዝሑ ቻይናውያን ልዕሊ ቲሲኤም ኣብቲ ዘመናዊ ሕክምና እዩ እምነት ዘለዎም” ይብል።
ትካል ምቁጽጻር መግብን መድሃኒትን ቻይና ብወገኑ፡ ኣብ ገለ ገለ ቅምሶታት ናይ ቲሲኤም መርዛዊ ነገር ምርካቡ ምግላጹ ይዝከር።
እዚ እናኾነ ግን ተጠላብነት ቲሲኤም ካብ ቻይና ወጻኢ’ውን ኣብ ምውሳኽ እዩ ዘሎ፡ እንተኾነ ቻይና ነዚ ለበዳ ኮሮናቫይስ ከም ሽፋን ተጠቒማ ነዚ መድሃኒት ኣብ መላእ ዓለም ከተስፍሕፍሖ ትሕልን ኣላ ዝብሉ ነቀፍቲ’ውን ውሑዳት ኣይኮኑን።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ቻይና ክሳብ ሕጂ ነዚ ባህላዊ መድሃኒታ ናብ ኣፍሪቃ፡ ማእከላይ ኤስያን ኣውሮጳን ዝርከባ ሃገራት ሰዲዳቶ ኣላ።
ውድብ ጥዕና ዓለም ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ንባህላዊ መድሃኒት ቲሲኤም ሓደ ካብ ዝጠንተዉ መድሃኒታተ ኢሉ ኣፍልጦ ምስ ሃቦ፡ ካብ ብዙሓት ነቐፌታ ኣስዒብሉ’ዩ።
ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ባህላውያን መድሃኒታት ኣብ ምፍዋስ ኮቪድ 19 ከይውዕሉ ድኣ ይሓብር እምበር፡ ሕክምናዊ ምርምር ዘይተገበረሉ ባህላዊ መድሃኒት ቲሲኤም ግን ብዙሓት ሃገራት ይጥቀማሉ ኣለዋ።
ኣብ ወርሒ ግንቦት፡ ኣብ ስዊድን ዝመደበሩ ትካል፡ ቅምሶ ናይ ባህላዊ መድሃኒት 'ሊያንሁ ኩንጉወን' ድሕሪ ምምርማር ‘ሜንቶል’ ዝተበሃለ ባእታ ጥራይ ከምዝረኸብሉ ምሕባሩ ይዝከር።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







