ኣልሲሲ፡ ትራምፕ ንግብጺን ኢትዮጵያን ንምሽምጋል ዘርኣዮ ድልውነት ይንእድ፤ ኢትዮጵያኸ?

ፕረዚደንት ግብጺ ዓብደል ፋታሕ ኣል-ሲሲ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ፕረዚደንት ግብጺ ዓብደል ፋታሕ ኣል-ሲሲ

ፕረዚደንት ግብጺ ዓብደል ፋታሕ ኣል-ሲሲ፡ ኣብ መንጐ ግብጽን ኢትዮጵያን ብዛዕባ ማያት ሩባ ኣባይ ንዝፍጠር ምስሕሓብ ንምሽምጋል ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ዳግም ንዘቕረቦ ዕድመ ንኢዱ።

ዶናልድ ትራምፕ ብዛዕባ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ምስ ግብጺ ዘለዋ ምስሕሓብ ዳግም ንምዝርራብ ድሌት ከም ዘለዎም ኣብቲ ብዓርቢ 16 ጥሪ ዘውጽኦ ደብዳበ ገሊጹ'ዩ።

ትራምፕ ናብ ፕረዚደንት ግብጺ ዓብደል ፋታሕ ኣል-ሲሲ ኣብ ዝጸሓፎ ደብዳበ፡ ሃገሩ ብዛዕባ ዓቢ ግድብ ሕዳሰ ኢትዮጵያ እትገብሮ ዘላ ናይ ሽምግልና ጻዕርታት ክትቅጽል ድልውቲ ምዃና ገሊጹ።

ኢትዮጵያ ኣብ ሩባ ኣባይ ህንጸት ካብ እትጅምር ኣትሒዛ ምስ ሱዳንን ግብጽን ኣብ ንውጣጥ ከም ዘላ ይፍለጥ።

ግብጺ፡ ኢትዮጵያን ሱዳንን ንዝሓለፉ 40 ዓመታት ብዛዕባ ሩባ ኣባይ ክዘራረባ እኳ እንተጸንሓ፡ ንሰለስቲአን ሃገራት ዘዕግብ ኩለመዳያዊ ስሉስዋ ስምምዕ ግን ኣይተበጽሐን።

ኢትዮጵያ ኣብ መወዳእታ ዝሓለፈ ዓመት ዛዚማ ዘመረቐቶ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ፡ ኢትዮጵያ ልዕሊ 5 ሽሕ ሜጋዋት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ከም ዘመንጩ ይግለጽ።

ፕረዚደንት ሲሲ ብቐዳም ኣብ ኤክስ ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ፡ ግብጺ ኣብ ዙርያ እቲ ምስ ኢትዮጵያ ዘካትዕ ዘሎ ዓቢ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ብዝምልከት፡ ኣብ ጕዳይ ድሕነት ማይ እታ ሃገር ዘለዋ መርገጽን ስክፍታታትን ከም ዘይተቐየረ ሓቢሩ።

በዚ መሰረት፡ ትራምፕ ንኽልአቲን ሃገራት ንምሽምጋል ዘቕረቦ ሓሳብ ከም ዝንኣደ ጸብጻብ ሮይተርስ የመልክት።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ሱዳን ብወገና፡ ብሰንኪ እቲ ኢትዮጵያ ኣብ ሩባ ኣባይ ዝሃነጸቶ መመንጨዊ ጸዓት፡ ብዛዕባ ምቁጽጻርን ድሕነትን ናይ ገዛእ ርእሳ ቀረብ ማይን ዲጋታትን ስክፍታኣ ገሊጻ።

መራሒ ሰራዊት ሱዳን ዓብደል ፋታሕ ኣልቡርሃን ነቲ ትራምፕ ዘቕረቦ ናይ ሽምግልና ዕድመ ብሓጐስ ከም ዝተቐበሎ እቲ ጸብጻብ ይጠቅስ።

ትራምፕ ኣብ ቀዳማይ እብረ ስልጣኑ ብዛዕባ ግድብ ህዳሰ ንሰለስቲአን ሃገራት ከዛቲ ጀሚሩ'ኳ እንተነበረ፡ ኣብ ወሰንቲ ነጥብታት ግን ኣብ ስምምዕ ክበጽሕ ኣይተኻእለን።

ግብጽን ሱዳንን፡ ኢትዮጵያ ኣብ ሩባ ኣባይ ዝሃነጸቶ ዓቢ ግድብ ህዳሰ ንሃገራት ተፋሰስ ኣባይ ነባሪ ሓደጋ ከም ዘስዕብ ብተደጋጋሚ ገሊጸን እየን።

ፕረዚደንት ትራምፕ ኣብ ደብዳቤኡ፡ "ኣብዚ ዞባ ዝዀነት ሃገር ንበይና ክቡር ጸጋታት ሩባ ኣባይ ክትቈጻጸርን ኣብ መስርሕ ንጐረባብታ ክጐድእን የብላን፡" ብምባል፡ ጕዳይ ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ዘይምርድዳእ ዝጸንሓ ሃገራት ንምፍታሕ ድሌት ከም ዘለዎ ገሊጹ።

ትራምፕ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣብ ዘካፈሎ ደብዳበ፡ "ኣነን ኣባላተይን ኣገዳስነት ሩባ ኣባይ ንግብጽን ህዝባን ንርዳእ ኢና፡" ኢሉ።

ፕረዚደንት ትራምፕ ብተደጋጋሚ ሸውዓተ ኲናት ዓለም ደው ኣቢለ እየ ክብል ጸኒሑ'ዩ፡ እቲ ሓደ ኣብ መንጐ ኢትዮጵያን ግብጽን ዘሎ ምስሕሓብ'ዩ ይብል።

ትራምፕ ኣብ ደብዳቤኡ "ብትኽክለኛ ቴክኒካዊ ክእለት፡ ፍትሓውን ግልጽን ዘተ፡ ከምኡ'ውን ሓያል ናይ ኣመሪካ ናይ ምቁጽጻርን ምውህሃድን ተራ፡ ምስ ኩለን ሃገራት ተፋሰስ ሩባ ናይል ኣብ ነባሪ ስምምዕ ክንበጽሕ ንኽእል ኢና፡" ዝብል ተስፋኡ ገሊጹ።

ወሲኹ ድማ ". . ግብጽን ሱዳንን ኣብ እዋን ደርቅን ንነዊሕ እዋን ዝጸንሐ ደረቕ እዋንን ክግመት ዝኽእል ማይ ንክፍኖ፡ ኢትዮጵያ ድማ ርኡይ መጠን ሓይሊ ኤሌክትሪክ ከተመንጩ ዘኽእል ኰይኑ፡ ገለ ካብኡ ናብ ግብጽን ሱዳንን ክቐርብ ወይ ክሽየጥ ይኽእል፡" ኢሉ።

ፕረዚደንት ኣመሪካ ኣብ ደብዳቤኡ ኣብ ልዕሊ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ዝተፈጠረ ምስሕሓብ ብመንጽር ዘላቒ ዞባዊ ምርግጋእ "ልዑል ቀዳምነት ዝወሃቦ" ምዃኑ ገሊጹ።

"ኣብ ማእኸላይ ምብራቕን ኣፍሪካን ዘላቒ ሰላም ክህሉ ኣብ ዝሰርሓሉ ዘለኹ እዋን፡ ብዛዕባ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ዘሎ ምስሕሓብ ምፍታሕ ቁልፊ ኣጀንዳ እዩ፡" ኢሉ።

እቲ ናብ ፕረዚደንት ኣል-ሲሲ ዝተላእኸ ደብዳበ፡ ናብ ፕረዚደንት ኢትዮጵያ ታዬ ኣጽቀስላሰ፡ ፕረዚደንት ሱዳን ዓብደልፈታሕ ኣልቡርሃን፡ ከምኡ'ውን ኣብቲ ዞባ ልዑል ጽልዋ ዘለዎም ወራሲዘውዲ ስዑዲ ዓረብ ልኡል መሓመድ ቢን ሳልማንን ፕረዚደንት ኢማራት ዓረብ መሓመድ ቢን ዛይድን ተላኢዅ እዩ።

ኣመሪካ ኣብ መንጐ ክልቲአን ሃገራት ዝካየድ ልዝብ መዓስ ከም እትጅምር ግን እቲ ደብዳበ ኣይገለጸን።

መንግስቲ ኢትዮጵያ'ውን ብዛዕባ'ቲ ደብዳበ ርእይቶ ኣይሃበን።

እቲ ንዘተ ናብ ዋሽንግተን ክገይሽ ትጽቢት ዝግበረሉ ዝነበረ ፕረዚደንት፡ ንማይ ኣባይ ብፍሉይ ምቁጽጻርን ኣብ እዋን ደርቂ ማይ ካብቲ ግድብ ምፍናውን ዝብል ሓሳብ ንመርገጺ ግብጺ ዝድግፍ ብምዃኑ፡ ነቲ ዕድመ ብሓጐስ ተቐቢሉዎ ኣሎ።

ኢትዮጵያ፡ እቲ ግድብ ንሃገራት ተፋሰስ ከም ዘይጐድእ ብምግላጽ፡ ሕጋዊ መሰላ ፍትሓዊ ኣጠቓቕማ ተፈጥሮኣዊ ሃፍቲ ትጥቀመሉ ከም ዘላ ብተደጋጋሚ ገሊጻ እያ።

ብልዕሊ ሓሙሽተ ቢልዮን ዶላር ዝተሃነጸ ግድብ ህዳሰ ኣብ 1.78 ኪሎ ሜትር ዝተዘርግሐ 145 ሜትሮ ብራኸ ኣለዎ።

ኣብ ዓለም እቲ ዝነውሐ ሩባ ተባሂሉ ዝፍለጥ ፈለግ ኒል ልዕሊ 85 ሚእታዊት ማይ ካብ ኢትዮጵያ እዩ ዝረክብ።

ዝበዝሕ ማይ'ቲ ሩባ እትጥቀም ግብጺ፡ ህንጸት እቲ ግድብ ኣብ ኢትዮጵያ ብተደጋጋሚ ጥርዓን ኣቕሪባ'ላ። ኢትዮጵያ ነዚ ክስታት ብተደጋጋሚ ክትነጽጐ ጸኒሓ እያ።

ግብጺ፡ ኣብ 1959 ኣብ ዝተገብረ መግዛእታዊ ስምምዕ ብምጥቃስ፡ ካብ ማያት እቲ ሩባ ዝበዝሐ ብጽሒት ክህልዋ ዝፈቐደላን፡ ማያት እቲ ሩባ ጥራይ ክትጥቀመሉ ከም እትደሊን፡ እዚ ኩነታት ክቕየር የብሉን ክትብል ትማጐት።

ኢትዮጵያ ብጽሒታ ብዘረጋግጽ መገዲ ፍትሓውን ርትዓውን ኣጠቓቕማ ሩባ ኣባይ ዝምልከት ስምምዕ ከም እትደሊ፡ ዓቢ ግድብ ህዳሰ ድማ ንውሕስነት ማይ ግብጺ ኣብ ሓደጋ ዘየእቱ ምዃኑ ብተደጋጋሚ ገሊጻ እያ።