ግብጺ ድሕነት ማይ ንምሕላው ኣድላዪ ስጕምቲ ክትወስድ እያ - ፕረዚደንት ኣልሲሲ

ፕረዚደንት ኣልሲሲ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ግብጺ፡ ብመንጽር እቲ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ሩባ ኣባይ ዝሃነጸቶ ግድብ ህዳሰ፡ ሃገራዊ ረብሓኣን ናይ ማይ ድሕነታን ንምሕላው፡ ኣድላዪ ስጕምቲታት ክትወስድ ምዃና ፕረዚደንት ዓብደል ፈታሕ ኣልሲሲ ተዛሪቡ።

እቲ ፕረዚደንት፡ ኢትዮጵያ ግድብ ህዳሰ ኣብ ምምሕዳር እትኽተሎ ዘላ "ሓላፍነት ዝጐደሎ" ኣካይዳ፡ ሃገሩ "ኣእዳዋ ኣጣሚራ ኣይትርእዮን፡" ኢሉ።

ኣብ ካይሮ ኣብ ዝተኻየደ ሻሙናይ ሰሙን ማይ ንዕዱማት ብቪድዮ ኣብ ዘሕለፎ መልእኽቲ፡ ግብጺ ኣብ ዲፕሎማስያውን ዓለምለኻውን ትካላት፡ "ዝያዳ ድማ ኣብ ሕቡራት ሃገራት" እምነት ምሕዳራ ከም ድኽመት ክውሰድ የብሉን ኢሉ።

እቲ ግድብ፡ ካብ ሩባ ኣባይ እትረኽቦ መጠን ማይ ክንኪ ምኽንያት ክኸውን እዩ ብምባል ክትቃወሞ ዝጸንሐት ኰይና፡ እቲ ፕረዚደንት ብሰንበት ኣብ ዘስምዖ ዘረባ ግን ኣብ ዝሓለፉ ሰሙናት ኣብ ሱዳን ንዝተኸሰተ ውሑጅ እቲ ግድብ ምኽንያት እዩ ኢሉ።

"ኢትዮጵያ፡ እቲ ግድብ ግቡእ ብዘይኰነ ኣገባብ ተመሓድሮ ብምህላዋ፡ ብምኽንያት ዘይተመጠነ ፍሰት ማይ ኣብ ዝሓለፉ መዓልታት ኣብ ልዕሊ ክልቲአን ሃገራት ታሕተዋይ ተፋሰስ ጕድኣት በጺሑ እዩ፡" ክብል ተዛሪቡ።

እቲ ፕረዚደንት፡ እቲ ግድብ ድሕሪ ምምራቑ ድሕሪ ሒደት መዓልታት ዘጋጠመ ነገር፡ "ኣብ ዙርያ መስርሕ ህንጸት እቲ ግድብ ቀያዲ ሕጋዊ ስምምዕ ንኽብጻሕ እነቕርቦ ዝነበርና ሕቶ ልክዕ ምዃኑ ዘርኢ እዩ፡" እውን ኢሉ።

ኣልሲሲ፡ ኢትዮጵያ ንሃገራት ታሕተዋይ ተፋሰስ፡ "ኣቐዲማ ከየፍለጠት ወይ ከየተሓባበረት ስሩዕነት ዘይብሉ ማይ ትፈኑ ኣላ፡" ክብል ይኸስስ።

ምኒስትሪ ማይን ጸዓትን ኢትዮጵያ፡ ግብጺ ግድብ ሕዳሰ፡ "ብግቡእ ብዘይምምሕዳሩ ዝተፈነወ ማይ ኣብ ሱዳን ውሑጅ ከም ዘስዓበ፡" ብምግላጽ፡ ቅድሚ ሕጂ ዘውጽኣቶ መግለጺ፡ "ሓሶትን ተንኰል ዝመልኦን እዩ፡" ብምባል ከም ዝነጸጎ ይዝከር።

ኣልሲሲ፡ ሃገሩ ዝወሰደቶም ዲፕሎማሲያዊ ስጕምቲታት፡ "መግለጺ ጥንካረ፡ ብስለትን ብዝርርብ ናይ ምእማንን ከምኡ'ውን ድልየት ሃገራት ተፋሰስ ናይል ኣብ ሓደጋ ከይወድቕ ንምሕላው ዝተገብረን፡" ምዃኑ እዩ ዝዛረብ።

ፕረዚደንት ግብጺ፡ ኣብ እዋን ደርቅን ውሕጅን መጠን ካብቲ ግድብ ዝፍኖ ማይ ንምቍጽጻር፡ "ንኽልቲአን ሃገራት ታሕተዋይ ተፋሰስ ዘካተተ፡" ቀያዲ ስምምዕ ክግበር ጸዊዑ።

እዚ ድማ፡ "ኣብ መንጎ ድልየት ልምዓት ሃገራት ላዕለዋይ ተፋሰስን ታሕተዋይ ተፋሰስ ሃገራት ካብ ጕድኣት ንምክልኻልን ዝህሉ ሚዛን ንምሕላው ዘኽእል ብሕታዊ ኣማራጺ'ዩ፡" ኢሉ።

እቲ ፕረዚደንት፡ ግብጺ ኣብ ሩባ ኣባይ ዝዀነ ይዅን ብሓደ ወገን ዝውሰድ ስጕምቲ፡ "ኣህጉራዊ ኣገባባትን ስምምዓትን ዘዳኽም፡ ንረብሓታት ታሕተዎት ሃገራት ኣብ ሓደጋ ዘእቱ፡ ንመትከላት ፍትሕን ምርግጋእን ዘዳኽምን፡" ብምዃኑ ከም ዘይትቕበል ገሊጹ።

"ልምዓት ጉዳይ ሓንቲ ሃገር ጥራይ ኣይኰነን፤ ብሓባራዊ ሓላፍነትን ምትሕብባርን ህዝብታት ሩባ ኣባይ ጥራሕ ክሕሎ ዝኽእል መሰል እምበር በይናዊ ስጕምቲ ኣይኰነን።"

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ንሱ፡ እቲ ን14 ዓመታት ዝቐጸለ ዘተ ህንጸት ግድብ ህዳሰ ጠቒሱ፡ "ንዅሉ ረብሓታት ኣብ ግምት ዘእተወ ቀያዲ ስምምዕን ኣብ መንጎ መሰላትን ግዴታታትን ሚዛን ክህሉ ዝገብር ፍትሓውን ጥንቁቕን ዲፕሎማስያዊ መንገዲ፡" ከም ዝነበረ ገሊጹ።

እቲ ፕረዚደንት ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ ካይሮ "ንዕላማታት ልምዓት ኢትዮጵያ ዘማልኡ ሓያሎ ጽቡቓት ቴክኒካዊ ኣማራጺታትን ረብሓ ክልቲአን ሃገራት ታሕተዋይ ተፋሰስ ዝሕሉ እማመን ኣቕሪባ፡" ምንባራ ኣመልኪቱ።

ይዅን እምበር፡ እዞም ኣማራጺታት፡ "ፖለቲካዊ ድልየት ብዘይምንባሩን ብጸቢብ ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባታት ዝድረኽ ፍሉይ ክውንነት ንምጽዓን ብዝነበረ ሃቐነ ጥራይ ክግለጽ ዝኽእል ድርቅናን፡" ተነጺጐም ይብል።

ግብጺ ካብተን ሕጽረት ማይ ዘለወን ሃገራት ዓለም ምዃና ዝገለጸ ፕረዚደንት ኣል-ሲሲ፡ ካብ 100 ሚልዮን ህዝባ 98 ሚእታዊት ዘድልዮ ማይ ካብ ሩባ ኣባይ ከም ዝረክብ ብምግላጽ፡ "ጉዳይ ህልውና እዩ፡" ኢሉ።

ግብጽን ሱዳንን ብዛዕባ ምሕደራን ምምላእን ዓቢይ ግድብ ህዳሰ ንዓመታት ምስ ኢትዮጵያ ስሉሳዊ ዝርርባት ከካይዳ እኳ እንተ ጸንሓ፡ ኣብ ቅቡል ስምምዕ ከይበጽሓ ግን ህንጸት እቲ ግድብ ተዛዚሙ ኣሎ።

ግብጺ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ንኢትዮጵያ ብጉዳይ እቲ ግድብ ኣብ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ሕቡራት ሃገራትን ሊግ ዓረብን ጥርዓናት ብምቕራብ ጸቕጢ ክትገብር ፈቲና'ያ።

ኣብ ዓለም እቲ ዝነውሐ ሩባ ኣባይ ልዕሊ 85 ሚእታዊት ማይ ካብ ኢትዮጵያ ዝቕበል ኰይኑ፡ ዝበዝሕ ማይ ናይቲ ሩባ እትጥቀም ግብጺ፡ እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተሃንጸ ግድብ ነቲ ክትጥቀመሉ ዝጸንሐት ማይ ከየስእና ስግኣት ኣለዋ።

ግብጺ፡ ኣብ 1959 ምስ ኤውሮጳ ዝተገብረ መግዛእታዊ ስምምዕ፡ መሰል ዝበዝሐ ማይ'ቲ ሩባ ከም ዝህባ ብምጥቃስ፡ እዚ ክቕየር የብሉን ክትብል ትምጕት።

ኢትዮጵያ ብወገና፡ ኣብ ርትዓውን ምኽንያታውን ኣጠቓቕማ ሩባ ኣባይ ኣብ ስምምዕ ክብጻሕ ከም ዘለዎ ብተደጋጋሚ ገሊጻ፤ ህንጸት እቲ ግድብ ድማ ንውሕስነት ማይ ግብጺ ኣብ ሓደጋ ዘየእቱ ምዃኑ ትምጕት።