ኣብ ጾመ-ረመዳን ዝዝውተር ተምሪ እንታይ ጥዕናዊ ጥቕሚ ኣለዎ?

ተምሪ ኣብ መትሓዚ ኣብ ጣውላ ተቐሪቡ፡ ቆጽሉ ድማ ይርአ
ንባብ: 3 ደቓይቕ

ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ኣስላም ኣብ እዋን ጾም፡ ጸሓይ ኣብ እትዓርበሉ እዋን ተመሳሳሊ ተግባር የዘውትሩ፣ ማለት ብተምሪ የፍጥሩ።

ኣብ እዋን ጾም፡ እቶም ምሉእ ጥዕና ዘለዎም ኣመንቲ ምስልምና ካብ ጸሓይ ብራቕ ክሳዕ ዕራብ ነቲ ሓደ ካብ ሓሙሽተ ኣዕኑድ ምስልምና ዝዀነ ጾመ-ረመዳን ንምኽባር ካብ መግብን መስተን ይሕረሙ።

ተምሪ ከም መፍትሒ ጾም ወይ መፍጠሪ ብነቢ መሓመድ ምኽሪ ተዋሂቡ፣ ኣብ ቅዱስ ቍርኣን'ውን ብዙሕ ሳዕ ተጠቒሱ ኣሎ።

ብተወሳኺ፡ ተምሪ ንዝዀነ ጾመኛ ንኣካላቱ ይዅን ጥዕናኡ ብዙሕ ጥቕሚታት ይርከቦ።

'ፍሉይ' መኣዛዊ ትሕዝቶ

ተምሪ ብዘለዎ መኣዛዊ ትሕዝቶ፡ ንነዊሕ ሰዓታት ካብ ፈሳስን መግብን ተሓሪሞም ንዝጸንሑ ጾመኛታት ጽቡቕ መፍትሒ ጾም እዩ።

ኣብ እዋን ረመዳን ዝጸውም ክኢላ ስነኣመጋግባ ሸናዝ በሽር፡ "ጼምካ ነይርካ ክትስዕር ከለኻ፡ ኣካላትካ ግሉኮስ ከፍሪ ይፍትን። ምኽንያቱ፡ ሓይሊ ንምርካብ ኣድላዪ ስለ ዝዀነ፡" ይብል።

ኣብ ተምሪ ዝርከብ ልዑል ትሕዝቶ ሽኮር፡ ካብ ዝዀነ ካልእ መግቢ ብዝቐልጠፈ መጠን ሽኮር ደም ክዓቢ ይገብር። ካልኦት መግብታት ግና ኣካልና ክሳዕ ዘሕቕቖ ግዜ ይወስዱ።

"ተምሪ ስሉጥ ሽኮር ስለ ዘለዎ ፍሉይ ክኸውን ክኢሉ። እንተዀነ፡ ዝተሓላለኸ ካርቦሃይድረይት እውን ኣለዎ፡" ይውስኽ።

እዚ ማለት እቲ ፍረ ምሉእ መዓልቲ ቀስ እናበለ ጸዓት ይህብ። ስለዚ ድማ'ዩ ንሓደ ምሉእ መዓልቲ ዘይበልዕ ሰብ ብሉጽ ኣማራጺ ዝኸውን።

ብተወሳኺ፡ ብቪታሚናት ቢ-6፡ አይ፡ ከይ ከምኡ'ውን ብ'ኣይሮን' ዝተመልአ ስለ ዝዀነ፡ ኣብ ሓጺር ግዜ ንኣካላትና ዘድልዮ መኣዛታት ይህብ።

ምሃብ ፈሳሲ

ተምሪ ዋላ'ኳ ደረቕ ፍረ እንተዀነ፡ ፈሳሲ ንምቕራብ እውን ይሕግዝ እዩ።

እቲ ዝሓዙዎ ተፈጥሮኣዊ ኤለክትሮላይት ፖታሽየም፡ ማይ ንምዕቃብን ናብ ዋህዮታት ንምስሓብን ክሕግዝ ይኽእል።

"ብዙሓት ሰባት ብተምሪን ማይን ካብ ጾም ይስዕሩ። እዚ ሓይልን ፈሳስን ንምርካብ ብሉጽ እዩ፡" ይብል በሽር።

"ስለዚ፡ ዝዀነ ተወሳኺ ኤለክትሮላይት ኣየድልን'ዩ፡" ይውስኽ።

ካብ መጠን ንላዕሊ ምምጋብ

ገለ ሰባት ኣብ ረመዳን ክብደቶም ይቕንሱ። ይዅን'ምበር፡ ጾመኛታት ድሕሪ ምፍጣሮም ካብ መጠን ንላዕሊ ምስ ዝምገቡ ክብደት ክውስኹ ይኽእሉ እዮም።

ኣመንቲ ምስልምና ብተለምዶ ተምሪ ድሕሪ ምብልዖም ቀንዲ መግቢ ከይተመገቡ ናብ ስግዳን ይኸዱ።

ኣካልና ካብ ተምሪ ዝረኸቦ ሓይሊ ክሳዕ ዝሓቅቕ ወይ ዝሰባበር፡ ብዙሕ ናይ ምምግብ ድሌት ይጐድል።

"ኣካላትና ብሓቂ ሓደ ነገር ተመጊቡ ከም ዘሎ ክሳዕ ዝሓስብ መስርሕ ምሕቃቕ ዕድል ይረክብ፡" ይብል በሽር።

ምሕቃቕ መግቢ

ምሕቃቕ መግብን መንፋሕትን ኣብ ጾም ኣስላም ልሙዳት ጸገማት እዮም። እዚ ዝዀነሉ ምኽንያት፡ ዕለታዊ ምብላዕን ምስታይን ንቡር ጥዑይ ምንቅስቓስ መዓናጡ ክህሉ ይሕግዝ፣ ኣብ ነዊሕ ሰዓታት ጾም ድማ ክሰናኸል ይኽእል።

ተምሪ ልዑል ምንጪ ፋይበር ኰይኑ፡ ቀልቀል ብቐሊሉ ብመዓንጣ ንኽንቀሳቐስ ይሕግዝ።

ሃገራዊ ኣገልግሎት ጥዕና ዓባይ ብሪጣንያ፡ ኣብ መዓልቲ 30 ግራም ፋይበር ክንምገብ ከም ዘለና ይመክር።

"ሓድሓደ ግዜ ኣብ ረመዳን፡ ቀለልቲ መግብታት ካርቦሃይድረይት ዊን ክብሉና ይኽእሉ እዮም። መግቢና ኣቐዲምና እንተ ኣዳሊና ግን ኣብ መግቢና ፋይበር ከም ዘሎ ከነረጋግጽ ንኽእል ኢና፡" ይብል በሽር።

ኣብ መግብና ገለ ጥረምረ ፈይ እንተ ኣቢልና፡ ብቐሊል መንገዲ ፋይበር ክንረክብ ንኽእል።

ክልተ ቈልዑ ጸጕረን ዝተሸፈና ተምሪ እናተመገባ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ተምሪ ብዙሕ መኣዛታት ኣለዎ

ተምሪ ምስ ዘይንበልዕከ?

ካብ ረመዳን ወጻኢ (ካብ ሃይማኖታዊ ምኽንያታት ወጻኢ) ብጥዕናዊ ምኽንያት ኣብ ዝጾሙ ሰባት ተምሪ ተፈታዊ እናዀነ ይመጽእ ኣሎ።

ንተምሪ እንተ ዘይፈቲኹሞ፡ ካልኦት ኣማኢት ዓይነታት ኣለዉ። ስለዚ ነዓታቶም ነዘውትር።

"ኵሎም ዝተፈላለየ ቅርጺ ኣለዎም። ገሊኦም ይሕየኹ፡ ገሊኦም ልስሉሳት፡ ገሊኦም ተሪር ቆርበት ዘለዎም፡ ገሊኦም ንእሽቶ ቆርበት ዘለዎም እዮም፡" ይብል በሽር።

ንተምሪ ምስ ዘይትፈትዎ፡ ምስ ጽማቝ ሓዊስካ ክትፍትኖ ትኽእል ኢኻ።

"ተምሪ ምስ ጸባ ብምሕዋስ፡ ምናልባት'ውን ምስ ንእሽቶ ርግኦን ፉልን ሓዋሲስካ ክትጥቀም ይከኣል እዩ፡" ይብል።

እቲ ክኢላ ኣመጋግባ፡ ተምሪ ጽቡቕ መግቢን መብዛሕትኡ ንኣካላትና ዘድልዮ መኣዛታት ዝሓዘን ምዃኑ ይዛረብ።