ትግራይ፡ ብርጋዴር ጀነራል ጕዕሽ ገብረ ብምንታይ ምኽንያት'ዩ ተኣሲሩ?

ሓይልታት ትግራይ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ሰብ መዚ ሓይልታት ጸጥታ ትግራይ፡ ኣዛዚ 'ኣርሚ 15' ክፍሊ ሓይልታት ትግራይ ዝነበረ ኣባል ሰራዊት ብርጋደር ጀነራል ጉዕሽ ገብረ ከም ዝኣሰሩ ምንጪታት ቢቢሲ ኣረጋጊጾም።

ነቲ ሓበሬታ ዝሃበ ሓደ ላዕለዋይ ኣዛዚ፡ "ማንም ልዕሊ ሕጊ ኣይኸውንን፤ ስለዚ እወ ተታሒዙ እዩ፡" ክብል ተዛሪቡ።

ብርጋዴር ጀነራል ጉዕሽ፡ ሓደ ካብቶም ነቲ ጉባኤ ዘካየደ ክፋል ህወሓት ዝድግፉን ብኣይተ ጌታቸው ረዳ ዝምራሕ ዝነበረ ግዚያዊ ምምሕዳር ክመዓራረ ዝጠለቡን ኣዘዝቲ 'ካብ ኮር ንላዕሊ' ብዝብል ዝፍለጡ ኣዘዝቲ ሰራዊት ዝተቓወመ ኰይኑ፡ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ጥሪ 2025 ጀሚሩ ካብ መሪሕነት እቲ ሰራዊት ተኣጊዱ ዝፀንሐን እዩ።

ቢሮ ሰላምን ጸጥታን እቲ ክልል፡ ብቐዳም ኣማስያኡ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኣብ ልዕሊ "ናይ ስነ-ምግባርን ጥሕሰት ሕግን፡" ዝፈጸሙ ዝበሎም ኣባላት ጸጥታ ሕጋዊ ስጕምቲ ክውሰድ ምጽንሑ ኣመልኪቱ።

ይኹን'ምበር፡ "ሓደ ሓደ ኣመራርሓ ሰራዊት፡" ብምባል ብስምን ቦታን ዘይጠቐሶም ኣባላቱ፡ "ናይ ሰራዊት መተሓዳደሪ ደንቢ ጥሒሶምን ኣብ ዘየድሊ ናይ ድስፕሊንን ሕግን ጥሕሰት ይሳተፉ፡" ምህላዎምን ተፈሊጡ ኣሎ ክብል ከሲሱ።

እቲ ቢሮ ብፌስቡክ ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ፡ ኣሃዱታት ውሽጣዊ ሰላም ክስእናን ኣብ መንጐ ተጋደላይን ኣመራርሓን ምትእምማን ከይህሉን ምስራሕ፣ ሰራዊት ከይስልጥንን ንልኡኽ ከይዳሎን ዓንቃፊ ተራ ምጽዋትን ኣብ ከተማታት ዓመጽን ዕግርግርን ንክለዓል ሰባት ኣብ ምጕጃልን ምውዳብን ተግባራት ምውፋር ዝብሉ ብተደጋጋሚ ዝተፈጸሙ ስሕተታት እዮም ክብል ዘርዚሩ።

ብርጋደር ጀነራል ጕዕሽ ገብረ ድማ፡ በዞም ዝተጠቕሱ ምኽንያታት ብሓይልታት ጸጥታ ትግራይ ከም ዝተትሓዘ ተመልኪቱ ኣሎ።

"ጉዳዩ ድማ ብመሰረት ሕገ ደንቢ ሰራዊት ኣብ ወተሃደራዊ ቤት ፍርዲ፡" ከም ዝረአ እቲ ዝረኸከብናዮ ሓበሬታ ይገልጽ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ቢቢሲ፡ ዝርዝር ሕገ ደንቢ እቶም ሰራዊት ትግራይ ተባሂሎም ዝጽውዑ ሓይልታት ኣይረኸበን።

ይዅን'ምበር፡ "ኣብ ተመሳሳሊ ጥፍኣት ኣሎ እዩ ተባሂሉ ኣብ ልዕሊ ዝጥርጠር፡" ኣካል ቀጻሊ ስጕምቲ ክውሰድ ከም ዝኽእል እቲ ቢሮ ኣጠንቂቑ ኣሎ።

መብዛሕትኦም ኣባላት ሓይልታት ትግራይ፡ ኣብ መወዳእታ 2020 መራሕቲ ህወሓትን ማእከላይ መንግስቲ ኢትዮጵያን ናብ ግጭት ድሕሪ ምምራሖም፡ ኣብቲ ክልል ዝተኸፍተ ኲናት ንምቅላስ ዝተኣኻኸቡ ምዃኖም ይንገር።

እቶም ኣስታት 175 ይዀኑ ዝበሃሉ ኣዘዝቲ፡ ካብ ኮር ንላዕሊ ዘሎ መሓውር፡ ኣዘዝትን ምክትላቶምን [ኮሚሳራት] ከምኡ'ውን ሓለፍቲ ሎጂስቲክ ዝርከቡዎም እዮም፤ ዳርጋ ኩሎም ነባራት ተጋደልቲ ህወሓት እዮም።

እቶም፡ ንርእሶም 'ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ' [TDF] ኢሎም ዝጽውዑ ተቓለስቲ፡ ኣብ ሰነ 2013 ዓ.ም [ኣ.ግ] ንከተማ መቐለ ዳግም ድሕሪ ምቍጽጻሮም፡ ሓድሽ ሓቛፊ መሰጋገሪ መንግስቲ ክጣየሽ ህዝባዊ ድፍኢት ኣብ ዝተረአየሉ እዋን፡ ሓሙሽተ ላዕለዎት ኣዘዝቲ 'ንሕና ሰራዊት ህወሓት' ኢና ኢሎም መግለጺ ምሃቦም ዝዝከር እዩ።

ኣብ ዝለሓፈ ዓመት [ጥሪ 2025] ድማ፡ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሓይልታት ትግራይ፡ እቲ ብመሰረት ውዕል ፕሪቶሪያ ዝተመስረተ ግዝያዊ ምምሕዳር፡ ዝተዋህቦ ሓለፍነት ብግቡእ ኣይፈጸመን ብምባል ምትዕርራይ ክግበረሉ፤ "ዝደኸሙ መራሕቱ" ድማ ክትክኡ ከም ዝወሰኑ ኣብ ዝገለጽሉ እዋን፡ ልዕሊ 10 ዝዀኑ ላዕለዎት ኣዘዝቲ፡ ነቲ መድረኽ ረጊጾም ምውጽኦም ጸብጻባት ይሕብሩ።

እቲ ውሱንን ንጹርን ተልእዀ ሒዙ ዝቘመ ግዝያዊ ምምሕዳር፡ ተልእኾኡ ብግቡእ ኣይፈጸመን ጥራይ ዘይኰነስ፡ "ቍልፊ ስልጣን ዝነበሮም ኣመራርሓን ኣባላቱን፡ ካብ ተልእኾኡ ወጻኢ፡ ረብሓታት ህዝቢ ንጐድኒ ብምግዳፍ፡" ብኣንጻሩ "ክሕደት ከም ዝፈጸመን መሳርሒ ረብሓ ሓይልታት ወጻኢ" ኰይኖም ኣለዉን ብምባል ከሲሱ።

ነዚ ስዒቡ፡ ገለ ነቲ ጉባኤ ዘካየደ ጕጅለ ህወሓት ንዝደገፉ ኣዘዝቲ ሰራዊት ትግራይ ብምቅዋም ናይ ባዕሎም ዕጡቕ ሓይሊ ክመርሑ ክጅምሩ እንከለው፡ ገሊኦም ድማ ካብ ሓላፍነቶም ተኣጊዶም ከም ዘለዉ ቢቢሲ ዝረኸቦ ሓበሬታ የረድእ::

ኣቃውማ ሓይልታት ትግራይ

እቲ ምስ ቀዳማይ ምኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ዝነበረ ምትፍናን ጥቅምቲ 2013 ዓ.ም ናብ ኲናት ኣብ ዘምርሓሉ፡ ጀነራላት ዝርከቡዎም ብዙሓት ወተሃደራዊ ኣዘዝቲ ተኣሲሮም፡ ካልኦት ድማ ጥሮታ ወጺኦም ዝነበሩ፡ ናብ ሓይልታት ትግራይ ተጸንቢሮም ተሰሊፎም።

ኣብ እዋን እቲ ኲናት 'ሴንትራል ኮማንድ' ብዝብል ዝፍለጥ ኣወዳድባ፡ ላዕለዋይ ኣካል ምንባሩ ዝግለጽ ኰይኑ፡ ድሕሪ ውዕሊ ፕሪቶርያ ነዚ ተኪኡ ዝሰርሕ ካልእ መሓውር ተፈጢሩ ይርከብ።

እዚ ብቐንዱ፡ 'ወተሃደራዊ ካውንስል' ብዝብል ዝፍለጥ ላዕለዋይ ኣካል እቶም ሓይልታት፡ ብጀነራል ታደሰ ወረደ [ወዲ ወረደ] ዝምራሕ ኰይኑ፡ ኣስታት 26 ወተሃደራዊ ኣዘዝቲ ይርከብዎ።

ኣብዚ ሕዚ እዋን፡ ሓይልታት ትግራይ ኣብ ሰለስተ ግንባራት [ምዕራብ፡ ደቡብን ሰሜን ምብራቕን] ዝተወደበ ኰይኑ፡ ኣስታት 17 ኣርሚታት ኣለዋ፤ ኣብ ነፍስ ወከፍ ድማ 3 ኮራት ኣለዋ።

ካብ ውሽጢ እቶም ሓይልታት ዝተረኽበ ሓበሬታ ከም ዘመልክቶ፡ ብኣርሚታትን ኮራትን ዝግለጽ እዚታት፡ ነፍስ-ወከፈን ሰሰለስተ ኣዘዝቲ [ኣዛዚ፡ ምክትል ኣዛዚ - ኮሚሳር ከምኡ'ውን ሓላፊ ሎጂስቲክስ] ኣለወን።

እቶም ኮሚሳራት [ምክትል ኣዘዝቲ] ፡ ብቐጥታ ፖለቲካዊ ስርሓት ዘሳልጡ ምዃኖም ይዝረብ።

እዚ ኣብ ትሕቲ ነፍስ-ወከፍ ኣዛዚ ዝተሰኵዐ 'ኮሚሳር'፡ ብቐጥታ ምስ ቤት ጽሕፈት ህወሓት ዝተኣሳሰረ ኰይኑ፡ ድሕሪ ካልኣይ ዙር እቲ ኲናት [ፖለቲካዊ ገምጋም ስዒቡ] ዝተፈጥረ መሓውር ከም ዝዀነ እዩ ዝንገረሉ።

ምኽንያቱ፡ 'እቲ ሓድሽ ወለዶ ተጋዳላይ ፖለቲካዊ ብስለት ይንእሶ እዩ' ካብ ዝብል ገምጋም፡ ፖለቲካዊ ህንጸትን ስርጸትን [ኢንዶክትሪኔሽን] ስርሓት ከካይድ ዝተፈጥረ መሓውር ከም ዝዀነ እዮም ዝዛረቡ።

ብዙሓት ተጋደልቲ፡ በቲ ስጕምቲ ሕጕሳት ከም ዘይነበሩ'ኳ እንተገለጹ፡ ኣብቲ እዋን 'ግዳማዊ ጸላእቲ ኣለዉና' ካብ ዝብል፡ ቀዳምነት ከም ዘይሃብዎ እቶም ቢቢሲ ዘዘራረቦም ተጋደልቲ ይዛረቡ።

እቲ ሓውሲ ስለያዊ ስርሓት ይሰርሕ ተባሂሉ ዝሕመ መሓውር [ኮሚሳር]፡ ኣብቲ ምስ ስርዓት ደርግ ዝተኻየደ ቃልሲ ልሙድ መሓውር ዝነበረ ዀይኑ፡ ስነ-ምግባር ተጋዳላይ ንምህናጽ ብዝብል እዩ ተዋቒሩ።

ኲናት ደው ድሕሪ ምባሉ፡ መንግስቲ ፈደራል ኣብ ዘውጽኦ ሓበሬታ፡ ኣብ ትግራይ ልዕሊ 275 ሽሕ ዕጡቓት ከም ዝርከቡ ምግላጹ ይዝከር።

መብዛሕትኡ እቲ ሓድሽ ወለዶ ካብ ክፍለ ጦር ንታሕቲ ኣብ መሪሕነትን ኣባልነትን እዩ ዝርከብ።

ልዕሊኡ እቲ ነባር ተጋዳላይ ህወሓት እዩ ዝእዝዞ።

እቲ እዚ መሓውር ዝተሰግሰገ ኮሚሳር፡ ኣብዚ ዘዘራርብ ዘሎ ወተሃደራዊ ውሳነ፡ ኣብ ምውሳንን ኣብ ምውዳብን ቀንዲ ግደ ዝነበሮ ምዃኑ ካብ ምንጪታት ዝተረኽበ ሓበሬታ የምልክት።