ሓድሽ ሹም ሰብኣዊ ሓገዛት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኢትዮጵያ ዑደት የካይድ ኣሎ

ምንጪ ስእሊ, OCHA
ሓድሽ ሓላፊ መተሓባባሪ ሰብኣዊ ሓገዛትን ህጹጽ ረድኤትን ውድብ ሕቡራት ሃገራት ማርቲን ግሪፊትስ ኣብ ኢትዮጵያ ንሽድሽተ መዓልታት ዝጸንሕ ዑደት ከካይድ ጀሚሩ።
ግሪፍትስ፡ ነቲ ትካል ክመርሕ ዝተሾመ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ግንቦት ኮይኑ ናብ ኢትዮጵያ ምብጻሕ ከካይድ ንፈለማ ግዜ እዩ።
"ሓላፊ ጉዳያት ሰብኣዊ መሰላት ኮይነ ኣብ ኢትዮጵያ ፈላማይ ዕላዊ ምብጻሕ ምግባር ንዓይ ወሳኒ ተግባር እዩ" ኢሉ።
ማርቲን ግሪፊትስ ኣብ ጻንሒቱ ምስ ላዕለዎት ሰብ ስልጣናት ኢትዮጵያ፣ ተወከልቲ ትካላት ረድኤትን ምስ ተወከልቲ ለገስቲ ሃገራትን ከም ዝራኸብ ተፈሊጡ ኣሎ።
እቲ ሓድሽ ሓላፊ ናብ ትግራይ ብምኻድ በሰንኪ እቲ ኲናት ጉድኣት ዝበጽሖም ሰባት ከም ዘዘራርብ፣ ሰብኣዊ ረድኤት ንዝገብሩ ትካላት ዝበጽሖም ዘሎ ዕንቅፋት'ውን ንምርዳእ ክፍትን ምዃኑ ገሊጹ ኣሎ።
ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከም ዝብሎ፡ 90 ሚኢታዊት ወይ ከኣ 5̀.2 ሚልዮን ህዝቢ ተጸባዪ ረድኤት ኮይኑ ኣሎ።
እቲ ሓላፊ፡ ናብ ክልል ኣምሓራ ብምኻድ ምስ ሰብ ስልጣን እቲ ክልል ንምዝርራብ ትልሚ ከም ዘለዎ'ውን ተፈሊጡ ኣሎ።
"ሰብኣዊ ረድኤት ዝልግሱ ትካላት ነቲ ዝተፈጥረ ጸገም ምስ መንግስትን ህዝቢ ኢትዮጵያን ኮይኖም ክሰርሑ ድልዋት እዮም" ኢሉ።
እቲ ሓላፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ምስ መንግስቲ ኮይኑ ብኸመይ ዝሐሸ ስራሕ ክሰርሕን ከገልግልን ከም ዝኽእል ዝርርብ ከም ዝገብረሉ ድማ ሓቢሩ።
ኣብዚ ሕዚ እዋን፡ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ልዕሊ 90 ትካላት ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት፣ መንግስታዊን መንግስታዊ ዘይኮኑን ትካላት ረድኤት ኣብ ምቅራብ ተዋፊሮም ከም ዝርከቡ ይግለጽ።
ተወላዲ ዩናይት ኪንግደም ዝኾነ ማርቲን ግሪፊትስ ንማርክ ሎውኮክን ተኪኡ ንትካል ሰብኣዊ ጉዳያትን ህጹጽ ረድኤትን ሕቡራት ሃገራት ንክመርሕ ተሸይሙ ኣሎ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







