ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ውሽጣዊ ታሪኽ እቲ ንሰሙን ዝዘለቐ ስርዓት ኣልቦነት ደርባን

ዕጡቓት ነበርቲ ከተማ ፎኔክስ እቶም ሰረቕቲ ናብ ከባቢኦም ከይኣትው ይከላኸሉ ነይሮም

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, ዕጡቓት ነበርቲ ከተማ ፎኔክስ እቶም ሰረቕቲ ናብ ከባቢኦም ከይኣትው ይከላኸሉ ነይሮም

ድሕሪ ክልተ ሰሙን ኣብ ቁጽጽር ዝውዓለ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ተላዒሉ ዝነበረ ዝምታን ምቅጻል ንብረትን፡ ነቲ ብ1994 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ] ዝመጽአ ዴሞክራሲያዊ ለውጢ ኣብ ፈተና ከየውድቖ ተሰጊኡ ነይሩ።

ሕጂ ኣብታ ወደባዊ ከተማ ደርባን ዝነበረ ኩምራ ጉሓፍን ምዕጻው መገድን ተኣልዩ ክጸሪ ተገይሩ ኣሎ።

እቲ ናዕብን ዝምታን ንምቁጽጻር ስጉምቲ ክወስዱ ተባሂሎም ዝተዋፈሩ ሰራዊት ግን ሕጂ'ውን ኣብ ጎደናታት ዘወርወር ምባሎም ቐጺሎም ኣለው።

እቲ ስርዓት ኣልቦነት ልዕሊ 300 ሰባት ክሞቱ ምኽንያት ኮይኑ'ዩ።

"ኩሉ ነገር ዓንዩ፤ መድሕን ህይወት'ውን የብለይን። መጻኢ ደቡብ ኣፍሪቃ ይኹን ደቀይ የጨንቐኒ ኣሎ" ትብል ኣርባዕተ ድኳናት ዝተዘምታን ዝዓነያን ዳውን ሻባላላ።

እቲ ኩነታት ኣዝዩ ዘፍርሕን ፖሊስ ነቲ ዝበጽሕ ዝነበረ ዕንወት ጠጠው ንምባል ምትሕብባር ዘየርኣይሉን ምንባሩ'ያ ትዛረብ።

ነቲ ዝተዘምተ እንዳ ጸጉሪ ገዝኣን ብዙሓት ብሓዊ ዝነደዱ ትካላትን እናጠመተት፡ "ዳግም ከየጋጥም የስግአኒ፤ ግን ናበይ ክኸይድ ይኽእል? እንታይ ክገብር? 12 ሰራሕተኛታት'ዮም ነይሮምኒ . . . ክከፍሎም ግን ኣይኽእልን" ብምባል ሕርቃና ትገልጽ።

እቲ ናዕብን ዝምታን ክጅምር እንከሎ ምስ ከባብያዊ ኣመሓደርትን ላዕለዎት ሰብ መዚ መንግስትን ዝዘራረብ ዝነበረ ኣመሓዳሪ ግዝኣት ክዋዙሉ ናታል ሺሌ ዚካላላ ነቲ ኩነታት "መዓት" ብምባል ይገልጾ።

ንሱ እቲ ናዕቢ ክልዓል እንከሎ ሰብ መዚ ኣብ ማእሰርቲ ንዝርከብ ፕሬዝደንት ነበር ጄኮብ ዙማ ክፈትሑዎ ኣለዎም ምባሉ ሓያል ነቐፌታ ኣስዒቡሉ'ዩ።

ዙማ ናብ ቤት ፍርዲ ክቐርብ ምዃኑ ነቲ ዕግርግር ክለዓል ምኽንያት ከም ዝኾነ እዩ ክግለጽ ጸኒሑ።

ይኹን'ምበር ጸኒሑ ዚካላላ፡ እቲ ኣብ ዞብኡ ዘጋጠመ ናዕቢ "ማእሰርቲ ጄኮብ ዙማ ምኽንያት ዝገበረ'ኳ እንተነበረ ጸኒሑ ግን ካብ ቑጽጽር ወጻኢ ኮይኑ'ዩ። ኮነ ተባሂሉ ዝተወደበን ዝተላዕለን'ዩ . . . ስርዓት እታ ሃገር ናይ ምትሓት ባህሪ'ውን ኣለዎ" ኢሉ።

ዋላ'ውን "ብዙሓት ሰባት ብማእሰርቲ ዙማ ሕጉሳት እንተዘይኮኑ፡ ዝኾነ ነዚ ዕግርግር ዘልዓለ ወይ ዝወደበ ከምኡ'ውን ዝደገፈ ክእሰርን ክፍረድን ኣለዎ" ኢሉ።

ኣስታት 40 ሽሕ ትካላት ንግዲ ተዘሚቶም፣ ተቓጺሎምን ዓንዮምን

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, ኣስታት 40 ሽሕ ትካላት ንግዲ ተዘሚቶም፣ ተቓጺሎምን ዓንዮምን

ናይ ኲናት ቐጠና ይመስል

እቲ ዝምታን ምቅጻል ንብረትን ንሽዱሽተ መዓልታት ዝቐጸለ ነይሩ። ፎኒክስ ሓደ ካብቶም በዚ ዝምታን ናዕብን ኣዝዮም ዝተጠቕዑ ከባቢታት'ዩ።

እዚ ብዙሓት መበቆል ህንዲ ዘለዎም ሕብረተሰብ ዝነብርሉ ኮይኑ፡ እቶም ነዚ ዕግርግር ዘልዓሉን ድሕነት ዜጋታት ክሕልው ዘይክኣሉ ኣካላት ጸጥታን ኮነ ኢሎም ዘልዓሉዎ ዓሌታዊ ምትፍናን እዩ ይብሉ።

"ናይ ኲናት ቀጠና'ዩ ዝመስል፤ ኮነ ተባሂሉ ዝተኣልመ እከይ ነገር'ዩ። ብዝግባእ ዝሰልጠኑ መናእሰይ ኣብታ ሃገር ኲናት ሓድሕድ ክለዓል ጻዕሪ ይገብሩ ነይሮም። ብቐጥታ ኣብ ልዕሊ ማሕበረሰብ ህንዲ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ'ዩ" ክብል ኣባል ማሕበር ነበርቲ እቲ ከባቢ ዝኾነ ማርቪን ጎቨንደር ተዛሪቡ።

ይኹን'ምበር "ህዝቢ ንርእሱ ይሕሉ ስለ ዝነበረ" ዕጉብ ምዃኑ ገሊጹ።

ኣብዚ ናዕብን ዕግርግርን ዓሌታዊ መጥቃዕቲ፣ ጎነጻዊ መጥቃዕትን ቕትለትን ከም ዝተፈጸመ'ውን ይለዓል።

እዚ ጉዳይ ንምጥንኻር ሚኒሰትር ፖሊስ እታ ሃገር ቤኪ ሴሌ ጉዳይ ብዘይኣግባብ ኣብ ዝተዓጽወ መገዲ ጠጠው ክትብል ናይ ዝተገብረ ጸላም ደቡብ ኣፍሪቃዊት መንእሰይ ኣልዒሉ።

"ጠጠው ኣቢሎም መኪንኣ ከም ዝፈተሹ ነጊራትኒ፤ ካልኦት በቲ ከባቢ ዝሓልፋ ዝነበራ ህንዳውያን ዝሓዙወን መካይን ግን ደው ኣየበሉወንን። ኣብቲ ከባቢ ናብ ዝርከብ ሩዳ ወሲዶም ከኣ ኣጥቂዖምዋ። ድሕሪኡ ትቀተል'ዶ ትጽናሕ እናበሉ'ውን ክካትዑ ጀሚሮም። መኪንኣ ከኣ ኣቃጺሎምዎ" ኢሉ።

ብብዝሒ ትካላት ንግዲ ዒላማ ክኾኑ እንከለው ገለ መንበሪ ኣባይቲ ከኣ ብሓዊ ክቃጸሉ ተገይሩ

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, ብብዝሒ ትካላት ንግዲ ዒላማ ክኾኑ እንከለው ገለ መንበሪ ኣባይቲ ከኣ ብሓዊ ክቃጸሉ ተገይሩ

ብ1800ታት ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝመጽኡ ህንዳውያን 2.6 ሚኢታዊት ብዝሒ ህዝቢ እታ ሃገር ይሕዙ።

መብዛሕትኦም ከኣ ኣብ ግዝኣት ክዋዙሉ ናታል ይነብሩ።

ኣብታ ብብዝሒ ህንዳውያን ዝነብሩላ ከተማ ቬሩላም እትነብር ናስረን ፒርብሃይ በዓል ቤታ መሓመድ እቲ ሕብረተሰብ ከባቢኡ ንምሕላው ኣብ ዝተፈጸመ ምዕጻው መገዲ ከም ዝተቐትለ ትዛረብ።

ኣብቲ ቦታ ዝተወስደ ምስሊ ከም ዝሕብሮ ከኣ ኣብ ሸነኽ ድኳን ናይቲ ስድራ ዝርከበሉ ኣውራ መገዲ ናብ ዝተኣከቡ ሰባት እናንሃረ ዝመጽእ መኪና ይርኣይ።

"ሓሙሽተ ጸለምቲ መናእሰይ ኣብታ መኪና ነይሮም። ተሃንዲዶም ስለ ዝመፍኡ ግን ሸሞንተ ሰባት ሞይቶም፤ እቶም ሓሙሽተ ከቢድ መጉዳእቲ በጺሑዎም። በዓል ቤተይ ሓደ ካብቶም ዝተቐትሉ'ዩ። ብጣዕሚ ዘጽልእ ኩነታት ነይሩ፤ ኣብ ውሽጢ ሒደት መዓልታት ብዙሕ ህይወት ጠፊኡ" ኢላ።

ኣብ ጥቓ ኣብቲ ከባቢ ዝርከብ ቤት ፍርዲ፡ ብዙሓት ህንዳውያንን ኣፍሪቃውያንን ኣንጻር ማእሰርቲ ብዙሓት ጥርጡራት ተቓውምኦም የስምዑ ነይሮም፤ ፖሊስን ወተሃደራትን ከኣ ነዚኦም ንምፍላይ ጻዕሪ ገይሮም'ዮም።

ድኽነት ምኽንያት እቲ ናዕቢ ኮይኑ

ገለ ነበርቲ ንብረቶም ንምሕላው ለይቲ ከይተረፈ ኣብ ሓለዋ ይሓድሩ ነይሮም

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, ገለ ነበርቲ ንብረቶም ንምሕላው ለይቲ ከይተረፈ ኣብ ሓለዋ ይሓድሩ ነይሮም

ብዙሓት ኣብ ዋና ከተማ ክወዙሉ ናታል ዝኾነት ደርባን ዝነብሩ ሰባት ብዓቐን እቲ ዘይምርግጋእ ሰንቢዶም'ዮም።

ግን ድማ "ኣይሰመረሎምን፤ ሕብረተሰብና ኣየጥፍኡዎን። እኳ ድኣ ዚያዳ ክንጥንክር ገይሩና" ክብል ዳይሬክተር ማርኬቲንግ እቲ ከባቢ ኣንቶኒ ኪሪክውድ ተዛሪቡ።

"መሰረታዊ ቑጠባዊ ስግግር" ክመጽእ ኣለዎ ዝብል ጠለብ ዙማ ንከስርጽ ዝጽዕር ጉጅለ ዝመርሕ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ንኮሴንተሻ ሺዚ፡ እቲ ናዕቢ ምስቲ ፕሬዝደንት ነበር ይኹን ደገፍቲ ዘራኽብ የብሉን ኢሉ።

እኳ ድኣ በቲ ኣብታ ሃገር ዘሎ ስርዓታዊ ድኽነት ቐንዲ ግዳያት ምዃኖም'ዩ ብምባል ይምጉት።

"ህዝቢ ፕሬዝደንት ነበር ጄኮብ ዙማ ጠጠው ንዝብለሎም ሓሳባት ህይወቱ ንምሃብ ድልዊ'ዩ። እዚ ግን ኣንጻር ጽዓዱ ወይ'ውን ህንዳውያን ዝተወልዐ ኲናት ዘይኮነ ኣንጻር ኣተሓሕዛ ባዕዳዊ መግዛእቲ ኣፓርታይድ'ዩ" ይብል።

ወሲኹ "እቶም ናብ ዓበይቲ ማእከላት ንግዲ ብምኻድ ዝሰርቁ ዘለው [መብዛሕትኦም ጸለምቲ] ብረት ኣይዓጠቑን። ብኣንጻሩ ግን ብሽም ንብረት ምሕላው ኣብ ልዕሊኦም ተተኲሱን ግዳያት ኮይኖምን'ዮም" ኢሉ።