ማእሰርቲ ዙማ ስዒቡ ዝተፈጠረ ዓመፅ ኣቐዲሙ ዝተተለመ ምዃኑ ፕረዚደንት ሲሪል ራማፎሳ ኣፍሊጡ

ምንጪ ስእሊ, AFP via Getty Images
ፕረዝደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ሲሪል ራማፎሳ፡ እቲ ኣብዚ ቅነ ነታ ሃገር ይሓቑና ዘሎ ናዕቢ ኣቐዲሙ ዝተወደበ እዩ ብምባል ኣንፃር ዲሞክራሲ ዝተገበረ መጥቃዕቲ ከምዝኾነ ገሊጹ።
ማእሰርቲ ፕረዝደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ነበር ጃኮብ ዙማ፡ ጠንቂ እቲ ኣብታ ሃገር ተወሊዑ ዘሎ ናዕቢ እዩ።
ካብ ዝሓለፈ ሓሙስ ጀሚሩ፡ ቁፅሪ መወትቲ ናብ 212 ከምዝዓረገ መንግስቲ እታ ሃገር ኣፍሊጡ'ሎ።
ኣብታ ሃገር ነዚ ናዕቢ ስዒቡ ብዝተፈፀመ መጠነ ሰፊሕ ዝምታ፡ ሕፅረት ሸቐጣት ኣጋጢሙ'ዩ።
ሰብመዚ ፖሊስ ድማ ከም ኦክስጅን፣ መድሓኒትን ካልኦት መሰረታዊ ቀረባትን ንክግዕዝ ሓለዋ ኣብ ምግባር ይርከቡ።
ኣብ ግዝኣት ክዋዝሉ-ናታል፡ ኣስታት 1 ቢልየን ዳላር ዝግመት ቀረብ (ሸቐጥ) ከምዝተሰረቐን ብውሑዱ 800 ናይ ችርቻሮ ሹቓት ከምዝተዘመተን፡ ሓደ ኣብታ ግዝኣት ዝርከብ ከንቲባ ሓቢሩ።
ፕረዝደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ሲሪል ራማፎሳ ሕምብርቲ እዚ ናዕቢ ኣብ ዝኾነት ግዝኣት ክዋዝሉ ናታል ኣብ ዘካየዶ ዑደት፡ "ኩሎም እዞም ኣጋጣምታት ህውከት ብጎስጓስ ዝተፈፀሙ እዮም፤ ነዚ ዝወደቡን ዘተሓባበሩን ሰባት ኔሮም" ኢሉ።
እቲ ፕረዝደንት፡ እዞም ናዕብታት ናይ ደቡብ ኣፍሪቃ ዲሞክራሲ ንምጭዋይ ዝዓለሙ ከምዝኾኑ ድማ ገሊፁ።
ነዚ ናዕቢ ዘበገሱ ሰባት ከምዝተፈለጡ ንደገፍቱ ዝሓበረ ሲሪል ራማፎሳ፡ መብራህርሂ ካብ ምሃብ ግና ተቖጢቡ ኣሎ።
"ንሃድኖም ኣለና ኢና" ክብል ድማ ወሲኹ ተዛሪቡ።
ኣብ ግዝኣት ክዋዝሉ-ናታል፡ብዙሓት ምግቢ ንምርካብ መስርዕ ክሕዙ ይግደዱ፤ ሓደ ሓደ ግዘ ድማ ውሑዳት ነገራት ንምርካብ ካብ ወጋሕታ እዮም መስርዕ ዝሕዙ ዘለዉ።
ብዙሓት ነበርቲ ንስድርኦም እንታይ ክነብልዖም ኢና ኣብ ዝብል ሻቕሎት ከምዝርከቡ ንቢቢሲ ገሊፆም።
ንደቆም ዝኾን ጸባ፣ ዳይፐርን ካልኦት መሰረታዊ ነገራትን ንምርካብ ዝተፀገሙ'ውን ቁፅሮም ቀሊል ኣይኮነን።
ኣብዚ ሰሙን ዘቑፀረ ናዕቢ መገድታት ተዓንዮምን ብናዕበኛታት ተመሊኦምን እዮም።
መንግስቲ እታ ሃገር ቀረብ ምግቢ ከይተኣጓጎል፡ ፃዕርታት ይብር ከምዘሎ እንክገልፅ፡ ሰራዊት እታ ሃገር ከኣ ነቲ ናዕቢ ንምህዳእ ተዋፊሩ ኣሎ።
ፕረዝደንት ሲሪል ራማፎሳ ትማሊ ዓርቢ ኣብ ተሌቬዥን እታ ሃገር ቀሪቡ፡ ሕፅረት ምግቢ ከምዘየለ ብምግላፅ፡ ሰባት ብስግኣት ምግቢ ከይኽዝኑ ፀዊዑ።
ኣብዚ ናዕቢ ኢድ ዘለዎም 2500 ሰባት ከምዝተኣሰሩ ዝሓበረ እቲ ፕረዝደንት፡ "እንተሓቢርና ዝኾነ ይኹን ናዕቢ ንሃገርና ኣየዕንቅፋን። ዲሞክራሲና፣ ህይወትና፣ ድሕንነትናን ሕገ-መንግስትናን ክንከላኸል ይግባእ" ኢሉ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







