ቁጽሪ ናይቶም ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ብዝምታ ዝተዓጀበ ናዕቢ ዝሞቱ ሰባት ይውስኽ ኣሎ ተባሂሉ

ምንጪ ስእሊ, EPA
ንማእሰርቲ ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ነበር ጃኮብ ዙማ ስዒቡ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት እታ ሃገር ብዝተወለዐ ናዕቢ ዝሞቱ ሰባት ናብ 72 ከምዝበጽሐ ይግለጽ ኣሎ።
ብዝሒ ናይቶም ዝሞቱ ሰባት ድማ ነቶም ብሰኑይ ኣብ ሶዌቶ ዝርከብ ማእኸል ዕዳጋ ዝምታ እንትፍጸም ዝተቐተሉ 10 ሰባት ከምዝሓውስ ተፈሊጡ።
ቢቢሲ ኣብ ከተማ ደርባን ካብ ሓደ ተዘሪፉ፡ ኣብ ታሕተዋይ ደርቢ ሓዊ ዝነድድ ህንጻ፡ ሓንቲ ንኡሽተይ ቆልዓ ካብ ላዕሊ ክትድርበ ብቪድዮ ቀዲሑ’ሎ።
እቲ ዘይምርግጋእ ካብ ዝጀመረሉ ዝሓለፈ ሰሙን ጀሚሩ ዝተዋፈረ ፖሊስ ነቲ ኩነታት ክቆጻጸሮ ብዘይምኽኣሉ ሰራዊት እታ ሃገር ንሓገዝ ተዋፊሩ ይርከብ።
ፖሊስ ደቡብ ኣፍሪቃ ነቲ ናዕቢ ኣሳዊሮም ዝበሎም 12 ተጠርጠርቲ ከምዝነጸረ ዝገልጽ ኮይኑ ዛጊድ ድማ 1,234 ሰባት ኣብ ቀይዲ ውዒሎም።
ፕረዚደንት እታ ሃገር ሲሪል ራማፎሳ፡ ካብ 1990 ጀሚሩ ኣብ ዘሎ እዋን ካብ ሞንጎ ዘጋጠሙ ኣዝዮም ዝኸፍኡ ዓመጻት ሓደ ክብል ገሊጽዎ።
እቲ ሕዚ ዝፍጸም ዘሎ ሰፊሕ ዝምታ ዝቕጽል እንተኾይኑ ሓደጋ ሕጽረት መሰረታዊ ሸቐጣት ዘጋጥመሎም ከባብታት ከምዝህልዎ ሚንስትራት ኣጠንቂቖም።
ኣብ ደርባን ዝርከቡ ሹቓት ዝዘመቱ ሰባት ነቲ ህንጻ ስለዘንደድዎ ኣብኡ ዝነብሩ ሰባት ናብ ሓደጋ ክኣትዉን ቆልዑ ንምድሓን ካብ ላዕሊ ክሳብ ምድብራይ ከምዝተበጽሐን ምርግጋጽ ተኻኢሉ።
ብዙሓት ሓለፍቲ መገድን ጎረባብትን ከኣ መሳልል ብምጥቃም ነቶም ኣብ ላዕለዋይ ደብሪ እቲ ህንጻ ዝነበሩ ሰባት ንምድሓን ክረባረቡ ከምዝተዓዘበት ጋዜጠኛ ቢቢሲ ኖምሳ ማሴኮ ተዛሪባ።
ብሰኑይ ጥራሕ ልዕሊ 200 ማእኸላት ዕዳጋ ከምዝተዘምቱ ወኪል ዜና ብሉምበርግ ጸብጺቡ። ብፍላይ ኣብ ከተማ ሶዌቶ ዝርከቡ ዳርጋ ምሉእ ንምሉእ ክዝረፉ ከለዉ፤ ማሽናት ኤቲኤም ተሰባቢሮም።
ፕረዚደንት ሲሪል ራማፎሳ ብሰኑይ ምሸት ዘረባ የስምዕ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ከኣ ኣብ ደርባን ዝርከብ ባንኪ ደም ከምዝተወረረ ተፈሊጡ።
እቲ ንሰፊሕ ዝምታን ስርቅን መንቀሊ ዝኾነ ዓመጽን፡ ፕረዚደንት እታ ሃገር ዝነበረን ብብልሽውና ዝተኸሰሰን ጃኮብ ዙማ ናብ ቤት ማእሰርቲ ምእታዉ ስዒቡ’ዩ ተወሊዑ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







