ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ማእሰርቲ ጃኮብ ዙማ ስዒቡ ብዝተልዓለ ናዕቢ ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ሰባት ተኣሲሮም

ምንጪ ስእሊ, EPA
ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ማእሰርቲ ፕረዚደንት ነበር ጃኮብ ዙማ ስዒቡ ብዝተልዓለ ናዕቢ ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ሰባት ከምዝተኣሰሩ ተገሊጹ፡፡
ወዲ 79 ዓመት ዙማ፡ ዝተፈረደሉ ናይ 15 ኣዋርሕ ማእሰርቲ ንምጅማር ብረቡዕ ባዕሉ ንሰበስልጣን ኢዱ ድሕሪ ምሃቡ፡ ደገፍቱ ናብ ጎደናታት ብምውጻእ ተቓውሞ ከስምዑ ጀሚሮም፡፡
ኮይኑ ግና ነቲ ካብታ ናይቲ ፕረዚደንት ነበር መንበሪት ዝኾነት ግዝኣት ክዋዙሉ-ናታል ክሳብ ጆሃንስበርግ ንዝተወለዐ ናዕቢ፡ ገበነኛታት ይጥቀሙሉ ከምዘለዉ ፖሊስ ገሊጹ፡፡
ዛጊድ ልዕሊ 60 ሰባት ተኣሲሮም እዮም፡፡
ትማሊ ሰንበት ኣባትር ዝሓዙ ሓያሎ ተቓወምቲ ብማእከል ከተማ ጆሃንስበርግ ክሓልፉ ተራእዮም፡፡ ብቐዳም ምሸት ድማ ኣስታት 300 ዝኾኑ ሰባት ዓብዪ ጽርግያ ጆሃንስበርግ ዝዓጸዉ ኮይኖም፡ ናይ ዝቃጸላ መካይንን ህንጻታትን ምስሊታት ተራእዮም እዮም፡፡
ሓደ ፖሊስ ብጥይት ዝተወቐዐሉን ካልኦት ክልተ ዝተጎድኡሉን ኣስታት 800 ሰባት ዝተሳተፉሉ ካልእ ናዕቢ እውን ኣብ ኣለክሳንድራ ኣጋጢሙ እዩ፡፡
ፖሊስ ነቲ ኣብ ክዋዙሉ-ናታልን ጆሃንስበርግን ተፈጺሙ ዝተባህለ ዝምታ ኣመልኪቱ ንወኪል ዜና ሮይተርስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እቲ ስርቂ ምስ ደገፍቲ ዙማ ዝተሓሓዝ ምዃኑ ርግጸኛታት ከምዘይኮኑ ብምሕባር ኣብዚ እዋን ነቲ ኩነታት ተጠቒሞም ንምህብታም ዝፍትኑ ገበነኛታት ከምዝረኣዩ ተዛሪቡ፡፡
ፕረዚደንት እታ ሃገር ሰሪል ራማፎዛ፡ እቲ ናዕቢ ክሃድእ ጸዊዑ ኣሎ፡፡
ጃኮብ ዙማ፡ ኣብ እዋን ዘበነ ስልጣኑ ተፈፂሙ ዝተባህለ ብልሽውና ብዝምልከት ይካየድ ኣብ ዝነበረ ምርመራ ናብ ቤት ፍርዲ ኣይቀርብን ብምባሉ እዩ ቤት ፍርዲ ብምድፋር ክእሰር ተወሲኑ፡፡
ነቲ ክስታት ዝነጽግ ዙማ፡ ኣብቲ መስርሕ ፍርዲ ንምትሕብባር ፍቓደኛ ኣይኮነን፡፡
እቲ መቕጻዕቲ ንምስራዝ ወይ ንምቕናስ ጠበቓታቱ ሎሚ ሰኑይ ነቲ ጉዳይ ኣብ ቅዋማዊ ቤት ፍርዲ ከቕርብዎ እዮም፡፡
ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ: ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ደቡብ ኣፍሪቃ ማእሰርቲ ዙማ ንምጽናሕ ዝተገበረ ፈተነ ነጺግዎ እዩ፡፡







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







