ደቡብ ኣፍሪቃ: ጃኮብ ዙማ በገዛእ ርእሱ ንፖሊስ ኢዱ ሂቡ

ጃኮብ ዙማ

ምንጪ ስእሊ, EPA

ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ነበር ጃኮብ ዙማ: ትእዛዝ ቤት ፍርዲ ብምጥሓስ ብዝብል፡ ዝተፈረዶ ማእሰርቲ ክጅመር ባዕሉ ንፖሊስ ኢዱ ከም ዝሃበ ተገሊጹ።

እቲ ንሱ ዝመስረቶ ፋውንዴሽን ኣማስዩ ከምዘፍለጦ፡ ጃኮብ ዙማ ትማሊ ኣብ ጥቓ መንበሪ ገዝኡ ናብ ዝርከብ ቤት ማእሰርቲ ተጓዒዙ እዩ ኢዱ ሂቡ።

እቲ ወዲ 79 ዓመት ሽማግለ ዙማ፡ ትማሊ ረቡዕ ባዕሉ እንተዘይቀርብ ነይሩ፡ እቲ ዝተውሃቦ ግዜ ገደብ ኣብ ኣጋ መወዳእታ ሰዓታት ስለዝነበረን ፖሊስ ንክሕዞ ምድላዋቱ ዛዚሙ ምንባሩን ኣፍሊጡ እዩ።

ጃኮብ ዙማ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ግዕዝይና ዝምልከት ዝቐረበሉ ክሲ ምኽንያት ኣብ መጋባእያ ክርከብ ፍቓደኛ ብዘይምዃኑ እዩ ናይ 15 ኣዋርሕ ማእሰርቲ ዝተፈርዶ።

እቲ ዝተፈርደሉ ማእሰርቲ ዛጊድ ኣብታ ሃገር ሓድሽ ክስተት ኮይኑ፡ እቲ ግዜ ገደብ ፍርቂ ለይቲ ናይ ረቡዕ እዩ ዘብቅዕ ነይሩ።

እዚ ግዜ ገደብ ድማ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት ክቐርብ ዝቐረበሉ ጻውዒት ምእባዩ ስዒቡ እዩ ተነቢርሉ።

እቲ ብስሙ ዝተጣየሰ ፋውንዴሽን፡ "ጃኮብ ዙማ በቲ ናይታ ሃገር ቤት ፍርዲ ዝወጽአ ትእዛዝ ኣኽቢሩ ተረኺቡ ኣሎ" ዝብል ሓጺር መግለጺ ኣውጺኡ።

ጓሉ፡ ዱዱ ዙማ-ሳምቡድላ፡ ብተመሳሳሊ ኣቦኣ ሕጊ ኣኽቢሩ ናብቲ ቤት ማእሰርቲ ኣብ መገዲ ከምዘሎ ኣብ ትዊተራ ጽሒፋ።

ንሳ፡ ወላዲኣ መንፈሱ'ውን ኣብ ጽቡቕ ኩነታት ከምዝርከብ ኣፍሊጣ።

ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ሓደ ፕረዚደንት ነበር ናብ ማሕዩር ክኣቱ ንፈለማ እዋን እዩ።

ጃኮብ ዙማ፡ ኣብ 29 ሰነ ማእሰርቲ ዝተፈረደ፡ ኣብቲ ንትሸዓንተ- ዓመታት ኣብ ስልጣን እንከሎ፡ ንዝቐረበሉ ጥርጣረ ግዕዝይና መረዳእታ ከቕርብ ንዝቐረበሉ ትእዛዝ ብምንጻጉ እዩ።

ደገፍቲ ጃኮብ ዙማ

ምንጪ ስእሊ, EPA

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት ንከይእሰር ብዙሕ ሰብ ኣብ'ቲ ንሱ ዝነብረሉ ተኣኪቡ፡ ተቓውምኡ ኣስመዑ

ዙማ፡ ቅድሚ ኢዱ ምሃቡ፡ እንታይ ተርእዮ ነይሩ

ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት ንከይእሰር ብዙሕ ሰብ ኣብ'ቲ ንሱ ዝነብረሉ ተኣኪቡ፡ ተቓውምኡ ገሊጹን ብሓይልታት ጸጥታ ከይተሓዝን ክከላኸለሉ ተራእዩ እዩ።

ትማሊ'ውን ኣብ ጥቓ መንበሪኡ ከምኡ ዓይነት ምትእኽኻባት ነይሩ ተባሂሉ።

ወኪል ቢቢሲ ኖምሳ ማሴኮ፡ ትማሊ ናብ'ቲ ከባቢ ኣምሪሓ ነገራት ተዓዚባ ነይራ፡ ኣብ ጥቓ ገዛውቲ ዙማ ብዙሕ ዝተዓጥቀ ፖሊስን ወተሃደራትን ዝሐዘ ዓቢዪ ጉጅለ ኸቢብዎ ከምዝነበረ'ውን ተዓዚባ።

ግጅለ ልኡኽ ገለ ላዕለዎት ሰበ ስልጣን እታ ሃገር ድማ፡ ዙማ ብሰላም ኢዱ ንከህብ ኣብ ገዝኡ ከይዱ የዘራርበቦ ከምዝነበረ ተፈሊጡ።

እቲ ግዜ ገደብ ከብቅዕ ሒደት ሰዓታት ምስ ተረፎ ግና፡ ሓንቲ ንዙማ ዝሓዘት እትርከበን በዝሒ ዘለዎን መካይን፡ ናብ'ቲ ኣብ ጥቓ መንበሪ ዙማ ዝርከብ ቤት ማእሰርቲ ኣምሪሐን ተባሂሉ።

ሚስተር ዙማ፡ ቅድም ኢሉ ባዕሉ ንፖሊስ ኢዱ ክህብ ፍቓዳኛ ምዃኑ ገሊጹ እንተነበረ'ኳ፡ "ኣብዚ እዋን ለበዳ ኮሮናቫይረስ፡ በዚ ዕድመይ ናብ ቤት ማእሰርቲ ምልኣኽ፡ ዳርጋ ናብ ሞት ምልኣኽ ገይረ እየ ዝወስዶ" ዝብል ቃል ሂቡ ነይሩ።

ናብ መንበሪ ገዛውቲ ጁማ እትኣቱ መኪና

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ብገዛ ፈዕቓዱ ናብ ቤት ማእሰርቲ ኣምሪሑ

ክሲታትን ብያን ጃኮብ ዙማ

ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ነበር ጃኮብ ዙማ ን15 ኣዋርሕ ክእሰር ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ እታ ሃገር እዩ በይኑሉ።

ዙማ፤ ባዕሉ ኢዱ ንፖሊስ ክህብ ሓሙሽተ መዓልታት ተዋሂብዎ ነይሩ፤ ከምኡ እንተዘይገይሩ ግና፡ ፖሊስ ኣብ ቀይዲ ከእትዎ ክፍቀደሉ ምዃኑ ተገሊጹ ነይሩ።

እዚ ማእሰርቲ፡ ዙማ ኣብ ስልጣን እንከሎ ኣጠፋፊእኻ ተባሂሉ ብዝቐረበሉ ምርመራ ብልሽውና፡ 'ናብ መጋባእያ ክቐርብ ዝወጽአሉ ትእዛዝ ብዘይምኽባር' ብዝብል ብመጻረዪ ሕገ መንግስቲ እዩ ተበይንዎ።

ዙማ ኣብ ስልጣን እንከሎ፡ ብሰፊሕ ግዕዝይና ዝሕመ እንትኸውን፡ ከምኡ ድማ፡ ሰብ ሃፍቲ ምስ ፖለከኛታት ተሻሪኾም ውሳነታት መንግስቲ ብዝተፈላለዩ ውዲታት ይጸልዉ ምንባሮም እዩ ዝዝረብ።

እቲ ፕረዚደንት ነበር፡ በቲ ዝቐረበሉ ክሲ ሓደ ግዜ ጥራይ ናብ መጋባእያ ምቕራቡ ይዝረብ።

ምክትል ሚኒስተር ፍትሒ እታ ሃገር፡ ጃኮብ ዙማ፡ ንኽብሪ'ቲ ቤት ፍርዲ ዝትንክፍ ዘረባታት ኣስሚዑ ኢላ ነይራ።

"ሕዚ ንዙማ ካብ ምእሳር ወጻኢ ካልእ ኣማራጺ የብለይን፤ ኣብዛ ሃገር ልዕልነት ሕጊ ከምዘሎ ንምርግጋጽ ተሪር መልእኽቲ ዘሕልፍ ውሳነ እዩ" ድማ ኢላ።

እቲ ፕረዚደንት ነበር፡ በቲ ዝቐረበሉ ክሲ ሓደ ግዜ ጥራይ ናብ መጋባእያ ቀሪቡ ቃሉ ከምዝሃበ ይዝረብ።

ብፍላይ፡ 5 ቢልዮን ዶላር ዘካተተ ኣብ 1990ታት ዝተፈጸመ ወተሃደራዊ ውዕል 'ዕድጊ ኣጽዋር'፡ ግዕዝይና ፈጸሙ ንዝብል ክሲ ነጺግዎ'ዩ።

ዙማ ኣብ 2018፡ ብናይ ባዕሉ መራሒ ውድብ [ኤኤንሲ] ካብ ስልጣን ዝተኣለየ እንተኾነ'ኳ፡ ዛጊድ ብፍላይ ኣብ ትውልዲ ዓዱ ሓያሎ ደገፍቲ ኣለውዎ።