ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ልዕሊ ፕረዚደንት-ነበር ዙማ ናይ ብልሽውና መርመራ ጀሚራ

ጃኮብ ዙማ

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ነበር ጃኮብ ዙማ፡ ሰብ ርእሰ ማል ኣብ ፖሎቲካዊ ውሳኔታት ጽልዋ ንክህልዎም ፈቒድካ ተባሂሉ'ዩ ዝኽሰስ ዘሎ

መንግስቲ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ልዕሊ ፕረዚደንት-ነበር ጃኮብ ዙማ ጀሚርዎ ዘሎ ክሲ ብልሽውና ናይ ምምርማር መስርሕ፡ ቅድሚ ዙማ ካብ ስልጣኑ ክወረድ ምቕሳቡ ኢዩ ተላዒሉ ነይሩ። እቲ ሕጂ ፍልይ ዘብሎ ድማ ነቲ ተፈጺሙ ዝተባህለ ብልሽውና ዝምርምር ኮምሽን ምቛሙ ኢዩ።

ብዙሓት ምቛም እቲ ኮምሽን ዝፍይዶ ነገር የለን፡ መጥፋኢ ገንዝብ ኢዩ ይብሉ።

እቲ መርመራ ኣብቲ 'ብመደብ ደይመደይ ኢልካ ንውልቃዊ ረብሓታትካ ክትብል ዝፍጸም ብልሽውና ኢዩ ከተኩር'። ንከም እቲ ሃብታም ስድራቤት ጉፕታ ተኸሲስሉ ዘሎ ገበን - ኣብ ልዕሊ ፖለቲካዊ ውሳነን ምሻም ምኒስተራትን ዝፈጥሮ ዝነበረ ተጽዕኖ የጠቓልል።

ፕረዚደንት-ነበር ዙማን ጉፕታን ግና ዝኣበስናዮ ነገር የለን ብምባል ነቲ ክሲ ይነጽግዎ።

እቲ ህዝባዊ መርመራ ኣብ ዝተጀመረሉ እዋን፡ ሓላፊ'ቲ ኮምሽንን ምክትል ዋና ዳኛ፡ ረይ ዞንዶ፡ ደቡብ ኣፍሪቃውያን ኩሉ ዝፈልጥዎ ዘበለ ንመንግስቲ ክሕብሩ ተማሕጺኑ። 'መታን ነዚ ሽግር ሓንሳብን ንሓዋሩን ክንፈትሖ ኩሎም ነዛ ሃገር ዘፍቅሩ ደቡብ ኣፍሪቃውያን ኩሉ ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ዝፈልጥዎ ዘበለ ነዛ ኮምሽን ክሕብሩ ንምሕጸን' ኢሉ ሓላፊ'ታ ኮምሽንን ምክትል ዳኛን፡ ረይ ዞንዶ።

ኣነጻር ጃኮብ ዙማ ኣብ ፐሪቶርኣ ደቡብ ኣፍሪቃ ሰለማዊ ሰልፊ እናገበሩ
መግለጺ ስእሊ, ኣብ 2016 ኣሽሓት ኣብ ከተማ ፐሪቶርያ ዙማ ካብ ስልጣን ንኽወርድ እናኣደሙ።

እንታይ'ዩ ብመደብን ደይመደይ ኢልካ ዝፍጸም ብልሽውና?

ብፍላይ ድሕሪ ናይ ደቡብ ኣፍሪቃ ጸረ-ብልሽውና ትካል ጸብጻብ፡ ፕሬዚደንት-ነበር ዙም ነቲ ተፈጺሙ ዝተባህለ ብልሽውና ዝምርምር ኮምሽን ከቕውም ብላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ዝሓለፈ ታሕሳስ ተኣዚዙ ነይሩ።

እቲ ብዛዕባ'ቲ ብመደብን ደይመደይን ኢልካ ዝተፈጸመ ብልሽውና ዝገልጽ ጸብጻብ፡ ኣብቲ ዝለዓለ ጽፍሒ ናይ ፕረዚደንት-ነበር ዙማ መንግስቲ ብልሽውና ከምዝነበረ ዘርኢ ጭብጥታት ከምዝረኸበ ይሕብር።

እቲ ጸብጻብ ስድራ ቤት ጉፕታ፡ ፕረዚደንት ዙማ ምኒስተራቱ ኣብ ዝመርጸሉ እዋን ጸቕጢ ከምዝገበረሉን ዘይገበረሉን'ውን ዳህሲሱ ኢዩ።

ገለ ካብቲ ዝቐርብ ጠቐነ ድማ ኣብ 2015 ምክትል ምኒስተር ፋይናንስ ማኪቢሲ ጆናስ ናይ ፋይናንስ ምኒስተርነት እንተድእ ተቐቢሉ ኣጃይ ጉፕታ 41 ሚልዮን ዶላር ክህቦ ከምዝተመባጽዓሉ ተገሊጹ። ካልእ እቲ ጸብጻብ ዝዳህሰሶ ድማ ስድራቤት ጉፕታ ሰበስልጣን መንግስቲ ኣብቲ ናይ ጽዓት ኮንትራት ተዓዊቶም መታን ክወጹ ብላዕ ሂቦም ዝብል ዝቐረበ ጠቐነ'ውን ከምዝመርመሩ ተፈሊጡ።

ዝሓለፈ ዓመት ስድራቤት ጉፕታ ናይ ዜና ማዕከናት ወረ ኢዩ ብምባል ነቲ ኣንጻሮም ዝቐረበ ኩሉ ጠቐነታት ጭብጢ ዝይብሉ ኢዩ ክብሉ ነጺጎሞ።

ኣንጻር ዙማ ዝቐረቡ ጠቐነታት እንታይ ኢዮም?

እቲ ተበጊሱ ዘሎ መርመራ፡ ተራ ፕረዚደንት-ነበር ዙማ ኣብ ምምራጽ ኣባልት ምኒስተራት ከተኩር ኢዩ።

በተወሳኺ፡ እቲ መርመራ ፕረዚደንት-ነበር ዙማን ካልኦት ሰበስልጣን መንግስትን ስድራቤታቶምን መንግስታዊ ኮንትራት ኣብሞዳል ዝረኸብዎ ረብሓታት እንተሎ'ውን ክምርምር ኢዩ።

ወዲ ዙማ፡ ዱድዜን ምስ ስድራቤት ጉፕታ ከምዝሰርሕን፡ ንሱ'ውን ኣብቲ ዝብሃል ዘሎ ብልሽውና'ውን ኢድ ከምዘለዎ ይግለጽ። እንተኾነ እቲ ምስ ናይ ጉፕታ ስድራቤት ዘለዎ ዝምድና ዝኾነ ኣበር ከምዘይብሉ ገሊጹ።

እቲ ቆሙ ዘሎ ኮምሽን ኣንታይ ስልጣን ኣለዎ?

እቲ ብዞንዶ ዝፍለጥ ኮምሽን ዝኾነ ፍርዲ ናይ ምሃብ ስልጣን የብሉን፡ እንተኾነ እቲ ዝኣከቦ ጭብጥታት ኣብ መጻኢ ፍርዲ ንምሃብ ክሕግዝ ይኽእል።

እቲ ኮምሽን ጸብጻቡ ንምቕራብ ክሳብ ክልተ ዓመት ክወስድ ከምዝኽእል ይግለጽ።

Presentational grey line

ትንተና፡ ፍትሒ ተደናጒዩ

ደገፍቲ ጃኮብ ዙማ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ጃኮብ ዙማ ካብ ኣፍሪቃዊ ሃገራዊ ኮንገረስ ደገፍ ኣለዎ

ብናይ ቢቢሲ ጋዜጠኛ ኣብ ጆሃንስበርግ፡ ሚልቶን ንኮሲ ዝቐረበ ትንተና

እቲ 'ምድንጓይ ፍትሒ ምኽላእ ፍትሒ ኢዩ' ዝብላ ናይ ኣቦታት ምስላ ኣብዚ ይሰርሕ።

ብዙሓት እቲ ኮምሽን ብዛዕባ'ቲ ንነዊሕ እዋን ተኻይዱ ዝብሃል ብልሽውና ገለ ኣንፈት ክህብ ተስፋ ይገብሩ።

ገለ ድማ፡ እዚ ክልተ ዓመት ዝውድእ መስርሕ ናይ ነቲ ናይ ህዝቢ ግብሪ ዝኸፈለሉ ገንዘብ ንብላሽ ምጥፋእ ኢዩ፡ ዝኾነ ውጽኢት ኣየምጽእን ኢዩ፡ ዝፍረድ ሰብ'ውን ኣይክህሉን ኢዩ ይብሉ።

እቲ ወዲ 76 ዓመት ፕረዚደንት-ነበር ዙማ ሕጂ'ውን ኣብቲ ሰልፊ ብዙሓት ደግፍቲ ኣለውዎ።

ደገፍቱ፡ ኣቲ ኣብ ሎዕሊኡ ዝቐረበ ጠቐነ ፍትሓዊ ኣይኮነን ይብሉ። ማዕከናት ዜና ኢየን ዝውንጅልኦ ዘለዋ ድማ ይብሉ።

እዚ ሕጂ ዝካየድ ዘሎ መርመራ ኣብቲ ንዓመታ ዝካየድ ምርጫ ዝኮነ ጽልዋ ኣይክህልዎን ኢዩ ድማ ኢሉ ሚልቶን ንኮሲ።