ፕረዚደንት ነበር ጋምብያ ኣብ ቅትለት ስደተኛታት ዝነበሮ ተራ "ክምርመር" ተጣባቒ መሰላት ሓቲቱ

ጃምዐ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ፕረዚደንት ነበር ጋምቢያ ያሕያ ጃሜ፡ ኣብቲ ኣብ 2005 ኣብ ጋምቢያ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ዝተፈጸመ ቅትለት ዝነበሮ ተራ ክምርመር ተጣባቒ መሰላት ሂዩማን ራይትስ ዎች ሓቲቱ።

ኣብ ቀረባ እዋን ኮምሽን ሓቂ እታ ሃገር ኣብ ዝኣከቦ ሓበሬታ፡ እቲ ፕረዚደንት ነበር ኣብ ቅትለት እቶም ካብ ሃገራት ምዕራብ ኣፍሪቃ ዝመጹ 59 ስደተኛታት ኢድ ከምዝነበሮ ገሊጹ።

እቶም ስደተኛታት ብጀልባ ናብ ኣውሮጳ ንምስጋር እንትፍትኑ፡ በቶም ብጭካነኦም ዝፍለጡን ብቐጥታ በቲ ፕረዚደንት ነበር ዝእዘዙን ወታሃደራት ኣብ ጋምብያ ተኣሲሮም።

ያሕያ ጃሜ ኣብ 2017 ካብ ስልጣኑ ምስተኣለየ፡ ኣብ ኢኳቶርያል ጊኒ እዩ ተዓቑቡ ዝርከብ።

ኣብ'ታ ሃገር ኣብ 2016 ኣብ ዝተኻየደ መረጻ ብኣዳማ ባሮ ምስተስዓረ፡ ካብ ስልጣን ኣይወርድን ብምባሉ ጎረባብቲ እታ ሃገር ክገጥመኦ ሰራዊት ልኢኸን ምንባረን ይዝከር።

ጃሜ ካብ ስልጣን ምስወረደ ድማ ጋምቢያ ኣብ ዘመነ ስልጣኑ ኣብ ዝተፈፀሙ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት ኣድሂቡ ዝሰርሕ ኮሚሽን ሓቅን ዕርቅን ኣቑማ።

ኣብ ርእሰ ከተማ እታ ሃገር ባንጁል ኣብ ዝተኻየደ ስነስርዓት፡ 11 ኮሚሽነራት ነቲ ኮሚሸን ክመርሑ ቃለ-መሓላ ፈፂሞም ምንቅስቓስ ጀሚሮም።

ዜጋታት እታ ሃገር ኣብ ግዜ ስልጣን ጃሜ ብፍርሒ ተሸሚሞም ምንባሮም እዩ ዝግለጽ።

ስቓይ ዝተመልኦ መቕፃዕትን ብዘይመስርሕ ፍርዲ ዝፍፀም ናይ ሞት ቅፅዓትን ልሙዳት ከም ዝነበሩ'ውን ሰበስልጣን ይዛረቡ።