ፖለቲከኛ ጋምቢያ፡ ኣብ ቅትለት ወተሃደራት ኢድ ከም ዝነበሮ ተኣሚኑ

ኤድዋርድን ጃምዐን

ምንጪ ስእሊ, AFP

ላዕለዋይ ፖለቲከኛ ጋምቢያ ነበር፡ ኣብ ልዕሊ ወታሃደራት ንዝተፈጸመ ቕትለት ተሓታቲ ከም ዝኾነ ተአሚኑ።

እቶም ወታሃደራት ኣብ ልዕሊ መራሒ እታ ሃገር ዝነበረ ያሕያ ጃሜ፡ ፈተነ ዕልዋ ፈቲኖም ብዝብል ክሲ እዮም ተቐቲሎም።

ፖለቲከኛ ኢድዋርድ ሲንጋተህ፡ ኣብቲ ኣብ 1994፡ ንያሕያ ጃሜ ናብ ስልጣን ዘምጸአ ዕልዋ መንግስቲ ካብ ዝተሳተፉ ታሕተዎት ኣመራርሓ እዩ።

ድሕሪ 11 ወርሒ ድማ፡ ኣንጻር እቲ ዝተፈጸመ ዕልዋ ስጉምቲ ክወስዱ ፈቲኖም ዝተብሃሉ 11 ወታሃደራት፡ ክሲ ተመስሪቱዎም።

ኢድዋርድ ሲንጋተህ፡ እቶም ጥርጡራት ወታሃደራት ክቕተሉ ምስ ያሕያ ጃሜ ከም ዝተሰማምዐ፡ ንበዓል መዚ መርማሪ ሓቅን ርትዕን እታ ሃገር ተኣሚኑ።

እንተኾነ፡ ኢድዋርድ ባዕሉ ከም ዘይተኮሰሎም ገሊጹ።

ያሕያ ጃሜ ኣብ 2017 ኣብ መረጻ ምስተሳዕረ፡ ነታ ሃገር ገዲፉ ወጺኡ እዩ።