ኮሮናቫይረስ፡ ኣብ ድኻታት ሃገራት ክታበት ይውዳእ ምህላው ተገሊጹ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ብፕሮግራም ምምቕራሕ ኮቫክስ ክታበት ኮሮናቫይረስ ዝበጽሐን ዘሎ ብዙሓት ድኻታት ሃገራት እኹል ክታበት ከም ዘይብለን ውድብ ጥዕና ዓለም ኣፍሊጡ።
ላዕለዋይ ኣማኻሪ እቲ ትካል ጥዕና ዶክተር ብሩስ ኣልዋርድ ፕሮግራም ኮቫክስ ናብ 131 ሃገራት 90 ሚሊየን ብልቃጥ ክታበት ኣብጺሑ'ዩ ኢሉ።
እንተኾነ እዚ ነቲ ኣብ ዓለም ዝርግሕኡ ሕጂ'ውን ዝውስኽ ዘሎ ለበዳ ንምክልኻል እኹል ከም ዘይኮነ ተዛሪቡ።
ገለ ሃገራት ኣፍሪቃ ሳልሳይ ለብዒ እቲ ቫይረስ ከርእያ ምስ ጀመራ ዘጋጠመ ሕጽረት ከም ዝኾነ ተገሊጹ።
ብሰኑይ ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ስሪል ራማፎሳ መንግስቱ ምውሳኽ መልከፍቲ ኮሮናቫይረስ ንምግታእ ከም ዝተጸገመ ብምግላጽ ሃብታማት ሃገራት ክታበት ብብዝሒ ምኽዛን ጠጠው ከብላ ጸዊዑ።
ክሳብ ሕጂ ኣብ ኣፍሪቃ 40 ሚሊየን ክታበት ጥራይ ክበጽሕ እንከሎ፡ እዚ ድማ ትሕቲ ክልተ ሚኢታዊት ብዝሒ ህዝቢ እቲ ኣህጉር ከም ዝኾነ እቲ ፕረዚደንት ጠቒሱ።
ነዚ ንምፍታሕን ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዞባዊ ማእከል መፍረዪ ክታበት ክፍጠርን መንግስታት ምስ ኮቫክስ ተሓባቢሮም ይሰርሑ ምህላዎም ሓቢሩ።
ኮቫክስ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ክታበት ኮሮናቫይረስ ንኹሉ ምብጻሕ ንክክኣል ዝተጀመረ ፕሮግራም እዩ።
እዚ ብውድብ ጥዕና ዓለምን ካልኦት ዓለምለኻዊ ትካላትን እናተመርሐ: ክሳብ መወዳእታ 2021 ክልተ ቢሊየን ክታበት ኣብ ዓለም ከባጽሕ መደብ ነይሩዎ።
መብዛሕትኡ ንድኻ ሃገራት ዝወሃብ ኮይኑ፡ ብውሑድ 20 ሚኢታዊት ህዝቢ ካብቲ ቫይረስ ክከላኸል ዘኽእል ክታበት ከብጽሕ ተስፋ ይገብር።
ይኹን'ምበር ኣብ ፋብሪካታት ብዘጋጠመ ምድንጓይ ቐረብ እቲ ዝዓለሞ ክታበት ከባጽሕ ከም ዘይክኣለ እዚ ድማ ኣብተን ኣብ ኮቫክስ እምነት ኣሕዲረን ዝነበራ ሃገራት ሕጽረት ከጋጥም ምኽንያት ከም ዝኾነን ይግለጽ።
ኡጋንዳ፣ ዚምባብወ፣ ባንግላድሽ፣ ትሪኒዳድን ቶበጎን ካብተን ኣብ ቀረባ መዓልታት ክታበት ከም ዝወድኣ ሪፖርት ዝገበራ ሃገራት እየን።
ውድብ ጥዕና ዓለም ትማሊ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ካብተን ኣብ ኮቫክስ ዝተሓቖፋ 80 ትሑት እቶት ዘለወን ሃገራት "ብውሑዱ ፍርቀን እኹል ክታበት የብለንን" ክብል ዶክተር ኣልዋርድ ተዛሪቡ።
"መዓልታዊ ካብተን ሃገራት እንሰምዖ ነገር እንተሪኢና፡ ልዕሊ ፍርቂ ሃገራት ዝኾነ ዓይነት ክታበት ከም ዘይብለንን ተወሳኺ ክታበት ከም ዘድልየንን እዩ" ኢሉ።
ገለ ሃገራት ነቲ ዘጋጠመን ጸገም ንምፍታሕ ልዕሊ ዋግኡ ገንዘብ ብምኽፋል ክታበት ክዕድጋ ከም ዝጀመራ እውን ሓቢሩ።
ትማሊ ፕሬዝደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን ህጹጽ ክታበት ንዝደልያ ሃገራት: 55 ሚሊየን ክታበት ንምልጋስ መደብ ከም ዘለዎ ገሊጹ ነይሩ።
ካብቲ እቲ 41 ሚሊየን ብኮቫክስ ኣቢሉ ዝመቓራሕ ኮይኑ፡ እቲ ዝተረፈ 14 ሚሊየን ድማ ቐዳምነት ንዘድልየን ሃገራት ተራእዩ ዝወሃብ ምዃኑ ተሓቢሩ።
ቅድም ኢሉ'ውን ፕሬዝደንት ባይደን ኣብ ኣኼባ ኣባል ሃገራት ጉጅለ-7: ኣመሪካ ብኮቫክስ ኣቢላ 500 ሚሊየን ክታበት ሓገዝ ክትገብር እያ ኢሉ ነይሩ።
ኩለን ሃገራት እቲ ጉጅለ'ውን በዚ ዓመት ንድኻታት ሃገራት ሓደ ቢሊየን ክታበት ኮሮናቫይረስ ክንልግስ ኢና ምባለን ይዝከር።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







