ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ክታበት ኮሮናቫይረስ መዓስ ከምዝበጽሐን ኣይፈልጣን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ብዝተፈላለዩ ኩባንያታት ዝፈረዩ ዓይነታት ክታበት ኮሮናቫይረስ ናብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዓለም ክበጽሕ ኣብ ዝጀመረሉ እዚ እዋን ዝበዝሓ ሃገራት ኣፍሪቃ ግን እቲ ክታበት መዓዝ ክበጽሐን ከምዝኽእል ርግጸኛታት ኣይኮናን።
ብዙሓት ሃገራት ኣፍሪቃ በቲ ፍትሓዊ ክፍፍል ክታበት ንኽህሉ ብዝብል ውድብ ጥዕና ዓለም ዘዳለዎ ‘ኮቫክ’ ብዝብል ዝፍለጥ ውጥንን ‘ጋቪ’ ዝተበሃለ ጥምረትን ክታበት ኮሮናቫይረስ ንኽበጽሐን ዝተወሰነ ገንዘብ ከዋጽኣ ጀሚረን ኣለዋ።
በዚ መስርሕ ነተን ኣብ ማእኸላይን ዝተሓተን ቁጠባ ዝርከባ ሃገራት ኣብ 2021 ኣስታት 1.3 ቢልዮን ክታበታት ክበጽሐን ከምዝግበር ተተስፍዩ’ሎ።
ኣብ ፈላማይ ዙር ምብጻሕ’ቲ ክታበት ድማ ነቶም ኣብ ምቅላስ ኮሮናቫይረስ ብመሪሕነት ዝነጥፉ ሰራሕተኛታት ጥዕና ክበጽሑም ዝግበር ኮይኑ፤ ኣብ ቀዳማይ መፋርቕ 2021 ናብተን ሃገራት ክዝርጋሕ ትጽቢት ኣሎ።
እቲ ውጥን፡ ክታበት ኮሮናቫይረስ ተበጻሒ ንምግባር ዓብዪ ዕድል ዝፈጥር’ዩ። እንተኾነ ከቢድ ውድድር ከምዝጽበዮ ይእመን። ብፍላይ ምስተን ብቐጥታ ምስ ኣፍረይቲ ክታበታት ስምምዓት ዝፍጽማ ሃብታም ሃገራት ከቢድ ፈተና ይጽበዮ።
ብዘይካ’ዚ ምጉዕዓዝ እውን ንውጥን ኮቫክስ ካልእ ፈተና እዩ። ብፍላይ ናብተን ድኻ ሃገራት ዝግበር ምጉዕዓዝ ኣጸጋሚ ከምዝኸውን ይግመት።
ዩኒሴፍ ከምዝብሎ እንተኾይኑ፤ እቶም ክታበታት ናብተን ሃገራት ክበጽሑ ምግባር “ኣዝዩ ገዚፍን ታሪኻውን ዕማም” ክኸውን’ዩ።
ኣብ ነብሲ ወከፍ ወርሒ ኣስታት 850 ቶን (850 ሽሕ ኪሎ ግራም) ምጉዕዓዝ ናይ ግድን ከምዝኸውን ይግለጽ። እዚ ድማ ነቲ ክታበት ዝምቹእ ዛሕሊ ብዘለወን ሃገራት ዝውሰን ይኸውን።
ኣብ ልዕሊ'ዚ እቲ ተበጻሒ ናይ ምግባርን ምክፍፋልን ስራሕ ሰፊሕ ገንዘባዊ ጸገም ከምዘለዎ ይግለጽ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







