ኮሮናቫይረስ፡ ኣብ ብሪጣንያ ኩለን ኣብያተ ትምህርቲ ተዓጽየን ክጸንሓ እየን

መዋእለ ህጻናት፡ ኣብ ናትስፎርድ ቸሻይር

ምንጪ ስእሊ, PA Media

መንግስቲ ብሪጣንያ ኣብ ለንደን ዝርከባ ኩልን ናይ መባእታ ኣብያተ ትምህርቲ ክጅምራ ኣብ ዝቀራረባሉ ሰዓት፡ ተዓጽየን ክጸንሓ ምውሳኑ "ሕንፍሽፍሽ" ምፍጣሩ ተኸሲሱ።

እቲ ኣብ ናይ መወዳእታ ሰዓት ዝተወሰደ ስጉምቲ፡ ኣብታ ሃገር ዝርአ ዘሎ ልዑል መጠን ሓድሽ መልከፍቲ ኮሮናቫይረስ ኣብ ልዕሊ ሆስፒታላት ጸቕጢ ይፈጥር ብምህላው እዩ።

ሰብ መዚ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ምዕጻው "ናይ መወዳእታ ኣማራጺ" ምዃኑን ትምህርቲ ቀዳምነት ከም ዝወሃቦን ሓቢሮም ነይሮም።

ሰልፊ ዕዮ ግና እቲ ውሳነ ኣብ ልዕሊ ተማሃሮ፡ መማህራንን ወለድን "ልዑል ጸቕጢ" ከም ዝፈጠረ እኳ እንተገለጸ ማሕበር መማህራን ግና ኩሎም ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ኣብያተ ትምህርቲ ክዕጸው ጸዊዑ።

ኣብ ብሪጣንያ ሓድሽ ዓሌት ኮሮናቫይረስ ብቕልጡፍ ይላባዕ ኣብ ዝርከበሉ እዋን መዓልታዊ ቁጽሪ መልከፍቲ ኮቪድ-19 ኣዝዩ ወሲኹ ኣሎ። እዚ ኣብ ልዕሊ ሆስፒታላት ልዑል ጸቕጢ ክፈጥር ከም ዝኽእል'ውን ይግለጽ።

ኣብታ ሃገር ኣብ ዝሓለፈ ዓርባዕተ መዓልትታት ብተኸታታሊ መዓልታዊ ልዕሊ 50,000 ሓድሽ መልከፍቲ ኮሮናቫይረስ ተመዝጊቡ ኣሎ።

ጸሓፊ ጉዳያት ትምህርቲ ጋቪን ዊልያምሰን ኣብ መፋርቕ ወርሒ ታሕሳስ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ኩሎም ተመሃሮ መባእታ ደረጃ ዓዲ እንግሊዝ ኣብ ጥሪ ናብ ንቡር ትምህርቶም ክምለሱ ምዃኖምን ተማሃሮ ናይ ካልኣይ ደረጃን ኮሌጃትን ግና ንፈተናታት ንምድላው ግዜ ምእንቲ ክረኽቡ ምእንቲ ክጸንሑ ምዃኖምን ተዛሪቡ ነይሩ።

እቲ ጸሓፊ ብረቡዕ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ ግና ኩሎም ኣብያተ ትምህርቲ ካልኣይ ደረጃን ገለ ክፋላት ለንደን ዝርከቦም ቀንዲ ኮሮናቫይረስ ዝላብዓሉ ከባቢታት ደቡባዊ ምዕራብ ዓዲ እንግሊዝ ዝርከቡ ኣብያተ ትምህርቲ መባእታ ደረጃን ደንጉዮም ክጅምሩ ምዃኖም'ዩ ሓቢሩ።

ድሕሪ ክልተ መዓልትታት ግና፡ ካብ ሰብ መዚ እቲ ከባቢታት ብዝመጸ ጸቕጢ እቲ ምዕጻው ንመላእ ለንደን ከካትት ገይሩ።

በዚ መሰረት ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ናይ መባእታ ደረጃ ተማሃሮ፡ እንተወሓደ ንኽልተ ሰሙን፡ ኣብ ገዝኦም ኮይኖም ብኦንላይን ክመሓሩ እዮም።

ተቓላዕቲ ዝኾኑ ተማሃሮን፡ ደቂ ተደለይቲ ሰራሕተኛታትን ግና ናብ ቤት ትምህርቲ ምኻድ ክቕጽሉ ምዃኖም ግና ተገሊጹ።