ኮሮናቫይረስ፡ ኣብ ኤርትራ ዝለዓለ መዓልታዊ መልከፍቲ ተመዝጊቡ

ምንጪ ስእሊ, Shabait/MoI
ኣብ ኤርትራ ዛጊት እቲ ዝለዓለ መዓልታዊ መልከፍቲ ኮሮናቫይረስ ተመዝጊቡ።
ሚኒስትሪ ጥዕና ብሰሉስ ኣብ ዘውጽኦ ሓበሬታ፡ ኣብቲ ዕለት፡ 181 ብኮሮናቫይረስ ዝተለኽፉ ዜጋታት ከምዝተረኸበ ገሊጹ።
ንሳቶም፡ ኣብ ዞባታት ደቡብ፡ ጋሽ-ባርካን ማእከልን ኣብ ዝርከቡ መወሸቢ ማእከላት ዝጸንሑን፡ ተመላለስቲ ሕሙማትን ምዃኖም'ውን እቲ ሓበሬታ ኣረዲኡ።
እቶም ዝበዝሑ፡ ማለት 117 ኣብ መወሸቢ ማእከላት ዞባ ደቡብ ዝጸንሑ ምዃኖም ዝሓበረ እቲ መግለጺ፡ ኣብ ሰንዓፈ 43፡ ደቀምሓረ 36፡ እንዳገርግስ 19፡ ዓዲ-ዀተዮ 12፡ መንደፈራ 4፡ ሞልቊ 2፡ ዓዲ-ቐይሕ ሓደ ከም ዝተረኽበ የርእይ።
ብተወሳኺ ኣብ መወሸቢ ማከእላት ዞባ ጋሽ ባርካ 52 ክርከቡ እንከለው፡ እቶም 50 ካብ ኣቑርደት ምዃኖም እቲ ሓበሬታ የረድእ።
ኣብ ዞባ ማእከል ኣብ ክፍልታት ተመላለስቲ ሕሙማት ብዝተገብረ መርመራ'ውን 12 ሰባት ኮሮቫይረስ ከም ዝተረኽቦም እቲ ሚኒስትሪ ሓቢሩ።
ብኻልእ ወገን፡ 20 ኣብ ሆስፒታላት ዝጸንሑ ሓውዮም ተፋንዮም ኣለዉ።
ክሳብ ሕጂ ኣብ ኤርትራ ጠቕላላ ቁጽሪ እቲ ቫይረስ ዝተረኽቦም ሰባት 1220 ክበጽሕ እንከሎ፡ ዛጊት በቲ ቫይረስ ዝሞተ ሰብ ሓደ ጥራይ ምዃኑ ጸብጻባት እቲ ሚኒስትሪ የርእይ።
ኣብታ ሃገር ኣብዚ እዋን ዝርአ ዘሎ ልዑል ወሰኽ ድሕሪ እቲ ኣብ ክልል ትግራይ ኢትዮጵያ ተኸሲቱ ዘሎ ቅልውላው፡ ብርክት ዝበሉ ዜጋታት ናብ ኤርትራ ምስ ምምላሶም ዝተኣሳሰር ክኸውን ከም ዝኽእል ገለ ምንጭታት ይገልጹ።
መጋቢት 21 ናይ ፈለማ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኽፈ ሰብ ዝረኸበት ኤርትራ፡ ካብ ፈለማ ሚያዝያ ጀሚራ ተሪር እገዳ ኣንቢራ እኳ እንተጸንሐት ካብ 22 ታሕሳስ ነቲ እገዳ ዳግማይ ከም ዘጽንዓቶ ተገሊጹ እዩ።
ላዕለዋይ ሓይሊ ዕማም ምክልኻል ለበዳ ኮሮናቫይረስ ኤርትራ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ለበዳ ኮቪድ-19 "ብሰላሕታ ናብ ኩለን ዞባታታት እንተላይ ገለ ገጠራትን ብምስፍሕፋሕ ናይ ጉዕዞ ታሪኽ ንዘይብሎም ሰባት ክለክፍ ጀሚሩ ምህላዉ" እዩ ሓቢሩ።
እቲ ሓድሽ ዝወጸ መምርሒ፡ ኣብ ኤርትራ እንትርፎ ብዘይካ እቶም ክውንዘፉ ዘይክእሉ ብዝምልከቶም ኣካል ዝተፈቐዱ "ልምዓታዊ፡ ኣገልግሎታውን ድሕነታውን ንጥፈታት" ኩሉ ምንቅሳቓሳት ደው ዘብል ኮይኑ፡ ኣብ መላእ ሃገር ካብ ሓደ ዓዲ/ከተማ፡ ናብ ካልእ ዓዲ/ከተማ ምንቅስቓስ ሰባት ከልኪሉ እዩ።
በቲ ንከባቢ ትሽዓተ ኣዋርሕ ተነቢሩ ዘሎ ተሪር ኣዋጅ ዕጽዋ፡ ህዝቢ ንጥሜት ተቃሊዑ ምህላው ምንጭታት ቢቢሲ ክሕብሩ ጸኒሖም እዮም።
እቲ ኣዋጅ ዕጽዋ ዘብቀዓሉ እዋን ዘየነጸረ መግለጺ ላዕለዋይ ሓይሊ ዕመም ምክልኻል ኮሮናቫይረስ ኤርትራ፡ እቲ ኩነታት "እናተገምገመ" ክመሓየሽ ከምዝኽእል ሓቢሩ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







