ኤርትራ፡ 'ብሳላ ክብርታትና ብድሆታት ኮቪድ-19 ንሰግሮ ኣለና'

ባንዴራ ኤርትራ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ለበዳ ኮሮናቫይረስ ሃንደበት ስለዝተኸስተን ብቕልጡፍ ናህሪ ስለዝተዘርገሐን ነተን ዝማዕበላ ሃገራት ዓለም ከይተረፋ ዘዕግብ ቅድመ ምድላዋት ከይገበራ ኣብ ዕጽዋን ሸበድበድን አእትዩወን።

ምንቅስቓስ ሰባትን ተሸከርከርትን፡ መዕርፎ ነፈርትን ተዓጽዩ፡ ማሕበራውን ሃይማኖታውን ምትእኽኻባት ከይግበር፡ ሰባት ከም ዝለመድዎ ከይዛወሩን ንስድራ-ቤቶም ከይበጽሑን ተኣጊዶም። ኣብ ስራሕ ተዋፊሮም ዝነበሩ ብሰንኪ ዕጽዋን ስግኣት ኮሮናቫይረስን ስርሖም ስኢኖም።

ብሰንኪ እዚ ናይ ዕጽዋ ኣዋጃት መነባብሮ ህዝቢ ከምዝኸበደን፡ ብዙሓት ሰባት ካብ ስራሕ ወጻኢ ኮይኖም ከምዘለው ይፍለጥ። ኣብ ገለ ምዕቡላት ሃገራት ነዚ ቁጠባዊ ሃስያ ዝበጽሆም ሰራሕተኛታትን ንኣሽቱ ትካላትን ንምሕጋዝ ዝውዕል ቢልዮናት ዶላር ተሰሊዑ። ኣብ ድኻታት ሃገራት ግን ብዙሕ ሓገዝ ክግበር ኣይተርኣየን።

ዕጽዋ ኮቪድ ኣብ ኤርትራ ከቢድ ከምዘሎ፡ ነገራት በብቑሩብ ክፈኩስ'ዩ እኳ እንተተባህለ፡ ግን፡ መሊኡ ከምዘይፈኾሰ፡ ብፍላይ ብተሽከርከርቲ ካብን ናብን ምንቅስቓስ ከምዘየለ፡ እንተልዩ ከኣ ኩሉ ብጸቢብ ፍቓድ ምዃኑ ምንጭታት ቢቢሲ ሓቢሮም።

ካልእ ይትረፍ፡ ንስሩዕ ሕክምናዊ ሓገዝን ክንክንን እውን እንተኾነ ብዘይ ፍቓድ መኪና ከንቀሳቕሱ ከምዘይክእሉ፡ ዕለተ ሕርሰን ዝኣኸለ ነብሰ ጾራት እውን ከይተረፋ ንሆስፒታል እትወስደን መኪና ብቐሊሉ ከምዘይረኽባን ብዘይ ፍቓድ ከምዘይከኣልን ኣረዲኦም።

ኣብ ርእሲ እቲ ብመንግስቲ ዝወሃብ ሓገዝ ዘይምህላው ዋጋ ሃለኽቲ ስለዝኸበረ፡ እቲ ስራሕን ኣታውን ዘይብሉ ወገን ኣዝዩ ከምዝተጻገመን ብዙሕ ሰብ ጉልባቡ ክቐልዕ ከምዝተገደደን፤ እንተኾነ፡ እቲ ዘለዎ ነቲ ዘይብሉ እናመቐለ፡ እቲ ስኡን እውን እንተኾነ፡ ካብታ ዘላቶ ነንሓድሕዱ ተማቒሉ ነዛ ሕማቕ እዋን ይሓልፋ ከምዘሎ፤ ንብድሆታት ኮቪድ እውን ከም ኩሉ ኣብ ታሪኹ ዝሓለፎ ካልእ ከቢድ ጸገማት ብረዚን ክብርታቱ፡ ብጽንዓትን ምትሕብባርን ይሰግሮ ምህላው ምንጭታት ገሊጾም።

"ህዝቢ ኤርትራ ጉልባብካ ዘየቕልዕ ጭዋ ህዝቢ እዩ። ከምኡ እንተዘይከውን ነቲ ኹሉ ኣብ ታሪኹ ዝወርዶ ዘሎ ኣደራዕ ኣይምጸሮን" ዝበለ ነባሪ ኣስመራ ምንጭና፡ ኣብዚ እዋን እዚ ብዙሓት ስድራ ቤታት ኤርትራ ኣብ ስደት ካብ ዝነብሩ ደቆምን መቕርቦምን ይጥወሩ ከምዘለው እቶም ኣብ ርሑቕ ገጠራት፡ ብፍላይ እቶም ኣብ መታሕት ዝርከቡ ዜጋታት ግን ተጸጊሞም ምህላዎም ሓቢሩ።

ከተማ ከረን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

እተን ናይ ሓዋላ ኣገልግሎት ዝህባ ትካላት ውሕዳት ብምዃነን ህዝቢ ካብ መቕርቡ ንዝተሰደደሉ ገንዘብ ክቕበል ኣንጊሑ ሪጋ ክሕዝን ኣብኡ ክውዕልን ከም ዝግደድ ምንጭታት ይሕብሩ።

ብሰንኪ ጸገማት ምንቅስቓስ እቲ ኣብ ገጠር ዝነብር ነቲ ካብ ግዳም ዝለኣኾ ገንዘብ እውን ኣብ እዋኑ ኣይበጽሕን እዩ። ስለዚ ጸገም ኣሎ፤ ብዘይ ቃል ዓለም ጥሜት ኣሎ። ይብል ካልኣይ ምንጭና ካብ መንደፈራ።

"እዚ ሕብረተ ሰብ እዚ ጽቡቕ ነገሩ፡ ካብታ ዘላቶ ተማቒሉን ተኻፊሉን ዝነበር እዩ። ስለዚ ነዚ መዓት እዚ እዝግሄር ከቑርረልና ንጽበ። ካልእ ንብሎ የብልናን። ብዙሕ ሕማቕ ነገር ሓሊፍና ኢና እሞ፡ እዚ ግን ዘይረአ ጸላኢ ብምዃኑ ምንቅስቓስና ገዲቡ ቀይዱና ኣሎ። ጸላኢኻ መን ምዃኑን ኣበይ ከም ዝጸንሓካን ትፈልጥ እንተኼንካ ክትገጥሞ ጸገም የሎን። ሕጂ ግን ጸላኢና፡ ብዓይኒ ዘይረአ፡ ዘይጭበጥ፡ ዘይድህሰስ፡ ስዉር ቫይረስ እዩ። ነዚ መዓት እዚ ዘቑርሮ ከኣ ፈጣሪ ጥራሕ'ዩ። ስለዚ ብጸሎትን ጥንቃቐን ኢና ንገጥሞ ዘሎና" ይብል።

ካልእ ኣደ ብወገና፡ "እዋእ! ኣብዛ እዋንሲ ሓገዝ ምደለና። ሓቂ እሓይሽ ሃቡኒ ህበይ ይገብር ዝብልዎ ሓቂ እዩ'ሞ ግን ኣብዚ እዋን ንብዙሕ ሰብ ልዕሊ ዓቕሙ ኮይኑዎ ኣሎ። ንግሆ ተንሲኡ መን ኣሎ ከማቕል ዝኽእል ርቡሕ ርኹብ ዘመድ፡ ዝሕግዝ ዝደጋገፍ መቕርብ ዝብል ውሑድ ኣይኮነን" ብማለት ጉልበቱ ሸይጡን ሸቓቒጡን ዝነባበር ከቢዱዎ ከምዘሎ ነጊራትና።

ኣስመራ

ምንጪ ስእሊ, Yemane G/meskel

ኣብ ገጠራት ዝነብር ህዝቢ ከም ቀደሙ እቲ በለስ ዝረክብ በለስን ሓምልን መሊኡ ይሓልፎ ኣሎ። እቲ ከም በለስ ዝኣመሰለ ባህርያዊ ጸጋታት ኣብ ዘይብሉ ዝነብር ከባቢ ግን ብዝያዳ ይጽገም ምህላው ምንጭታትና ይገልጹ።

"እቶም ኣብ ገጠራት ንነብር ጸባ ጥሪትና መሊእና ሓምሊ በረኻ መሊእና ብቑራስ እንጌራ ክንዕንገል ጸገም የብልናን። ከቢዱና ዘሎ፡ ብቑዕ ሕክምናን መድሃኒትን ዘይምህላዉ'ዩ። እተን ዝነበራ ናይ ደናግል ሕክምና ካብ ዝዕጸዋ ንደሓር ሕክምና ኣይከምቀደሙን" ክብሉ መረረኦም ይገልጹ ምንጭታትና።

ኣብ ግዳም ዝነብሩ ኤርትራውያን ምስ ስድራ ቤቶም ብስልኪ ኣብ ዝራኸቡሉ ዝሰምዕዎ ነገር ቃንዛ እዩ። ኣፎም መሊኦም ዓው ኢሎም ጠሚና፡ ስኢንና፡ ተጸጊምና ኢሎም ከይዛረቡ'ውን ኣንጻር እቲ ስርዓት ዝዛረቡ ስለዝመስሎም፡ ወይ እቲ ስርዓት ከይቁጣዕ እሞ ኣደዳ ማእሰርትን ካልእ ዘይተደልየ ነገራትን ከይኮኑ ብማለት "ጽቡቕ ኣለና፤ ደሓን ንኽእሎ፡ እንታይ እሞ ክንገብር ከም ግዜኡ ከም እዋኑ" እናበሉ ምረቶም ከምዝገልጹሎም ይዛረቡ።

እቶም ካብአ ኣይሕለፍ ዝበሉ ምርር ዝበሎም ከኣ 'ክላእ ዋእ ካብ ልክዑ ኣይሓልፍን'ዩ፡ ሕማቕ ኣለና፡ እንታይ ጽቡቕ ኣለና፡ እዚ ዝከሓድ ኣይኮነን። ሓቂ እዩ ፈጠራ ኣይኮነን። እንተኽኢልኩም ሓግዙና ህዝቢ ተሸጊሩ እዩ ዘሎ። ኩሉ ዝኽእል ዘበለ ሕጂ ቤተ ሰቡ ይርዳእ' ዝብሉ ኣለው።

ኤርትራ ክሳብ ሕጂ ብኮቪድ ዝሞተ ሰብ የብላን። እዚ ጽቡቕ ዜና'ዩ ብጥሜት ዝሞቱ ቖልዑ ሰባት'ከ? ብዝብል ሕቶ፡ ሰባት ብጥሜት ተሸጊሮም ከምዘለው ዝገለጹ ምንጭታትና፡ ዕጽዋን ምርጋጥን ኮቪድ ከቢድ ብደሆ ከምዝኾኖም ሓቢሮም።

ኮሮና