"ሓደ ሕብረተሰብ ንጽጉማቱ ብዘለዎ ናብዮትን ኣልያን እዩ ዝኽበር"

ንዝተጸገሙ ስድራቤት ዝግበር ሓገዝ

ምንጪ ስእሊ, MOI Eritrea

ነብሲ ወከፍ ሰብኣዊ ፍጡር እዛ ዓለም ኣብ ዝተፈለላለየ እዋን ኣብ ህይወቱ፡ ዋላ እውን ከም ሰዓልን ጉንፋዕን ዝኣመሰለ ግዝያውን ካልእ ዘደቅስ ሕማማትን የጋጥሞ። ቖልዑትን ኣዴታትን፡ ነብሰ ጾራትን ሓራሳትን ዕድመ ዝደፍኡ ወይ ሕማም ናይ ምጽዋር ዓቕሞም ለጠቕ ዝበሉ ሰባትን ከኣ ብዝያዳ ብሕማም ይጥቅዑ። ስለዝኾነ ነብሲ ወከፍ ሕብረተሰብ ዓለም፡ ንናብዮትን ኣልያን ሕሙማቱን ሽማግለታቱን ብዝምልከት ነናይ ገዛእ ርእሱ ክብርታት ኣለዎ።

ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ክፍሊ መጥባሕቲ ከም ኣንስተዚስት ሕጂ ከኣ ኣብ ምእላይ ሕሙማን ዝነጥፍ ብርሃነ፡ " ሓደ ሕብረተሰብ ንሕሙማቱ ብዘለዎ ኣልያን ናብዮትን እዩ ዝኽበር" ይብል፡ ነቲ ዘዕበዮ ሕብረተሰብ ባህልን ስነ ምግባርን ብምድናቕ።

"ክብርታት ሓደ ሕብረተሰብ ኣብ ኩሉ ኣቕርቦት ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ጥዕናን ትምህርትን ዓንዲ ማእከል እዮም" ክብል ከኣ ይገልጾም።

ንኣብነት ኣብ ገጠራት ሰባት ምስ ዝሓሙ ብፍላይ ከኣ ኣላይን ናባይን እንተዘይብሎም እታ ዓዲ እያ ሓላፍነት ትስከም። መንእሰያታ መሪቓ ነቶም ዝተወጽዑ ሕክምናዊ ኣገልግሎት ናብ ዝረኽቡሉ ክሊኒካትን ሆስፒተላትን ትወስዶም።

ንዝተጸገሙ ስድራቤት ዝግበር ሓገዝ

ምንጪ ስእሊ, Ministry of Information Eritrea

እቶም ብሰንኪ ዕድመን ኣካላውን አእሙራውን ጸገማት ሕዱር ሕማም ዘጥረዩ እሞ ነብሶም ክኣልዩ ዝጽገሙ ከኣ ጭቃ-ዓዲ ነብሲ ወከፍ ገባራይ እታ ዓዲ መዓልታዊ ዝብላዕን ዝስተን ከብጽሕሎም ንኳደረ ይነግር።

ግን ከኣ ሕብረተሰብ ገጠራት ነንሓድሕዱ ኣጸቢቑ ስለዝፋለጥ ኣብ እዝን ትእዛዝን እውን ኣይበጽሕን እዩ። ኣብ ገሊኡስ ይበዝሕ'ኳ ኩሉ በብዓቕሙ ኢደይ ኢድካ ይብል። ኣብታ ዓዲ ዝኾነ ዓይነት ውራይ ምስ ዝህሉ ከኣ ቅድሚ ኩሉ ዝእለዩን ዝፍቀዱን እቶም ዕድመ ዝደፍኡን ጸገም ጥዕና ዘለዎምን እዮም። ኣብ ከተማታት ምስ ዝኸውን እውን፡ ካብ ዝተፈላለየ ዓድታትን ስደትን መጺኦም ብሓደ ዝነብሩ ጎረባብቲ ኣብ ጸገሞም ይረዳድኡን ይደጋገፉን።

ብሓጺሩ ሕብረተሰባት ንዘጋጥሞም ባህሪያዊ ጸገማት ንምፍታሕ ቅድሚ ናብ መንግስትን ስርዓታትን ናብ ውሽጣዊ ዓቕሞም እዮም ዝጥምቱ።

ኣብ ርእሲኡ እቲ ንብጻይካ ከም ነብስኻ ኣፍቅሮ፡ ንዝሓመመ ብጽሓዮ፡ ንዝጠመየ ዓንግሎ፡ ንዝተኣስረ ብጽሓዮ፡ ንጋሻን መንገደኛን ተቐቢልካ አአንግዶ ዝብል ሃይማኖታዊ ምኽርን ትምህርትን እውን ኣብ ናብዮትን ክንክንን ጽጉማትን ሕሙማትን ዓቢ ኣበርክቶ እዩ ዘለዎ ክብል ንዘዕበዮ ተመኩሮኡ ይገልጽ።

እዚ ማለት ግን ኣብ ኩሉ ኩርናዕ ዓለም ሕሙማን ብማዕረን ብተመሳሳሊ ስነ-ምግባርን ይእለዩ እዮም ክበሃል ኣይከኣልን እዩ። ስለዝኾነ ከኣ እዩ፡ ኣብ ጽላል ሕቡራት ሃገራትን ዓለማዊ ውድብ ጥዕናን ዝሕቆፋ 194 ሃገራት ዓለም፡ ኣብ ግንቦት 2019 ኣብ መበል 72 ሓፈሻዊ ኣህጉራዊ መጋባእያ፡ ሕብረተሰብ ዓለም ነቲ ዘለዎ ጽቡቕ ባህልን ስነ-ምግባርን ምእላይ ሕሙማን ክቕጽሎ፡ ኣብ ገሊኡ ንዝረአ ድኽመትን ሕጽረትን ከኣ ክዕረን ክመሓየሽን ብማለት ን17 መስከረም ከም ዓለማዊ መዓልቲ ድሕነት ሕሙማን ኮይና ንክትበዓል ብWHA72 ውሳነ ዘሕለፈ።

ንኣብነት ዓለማዊ ውድብ ጥዕና ንኤርትራ ብዝምልከት ኣብ ዝጸሓፎ መጽሔት "ኤርትራ ናጽነታ ካብ እትጎናጸፍ ኣትሒዛ ንዝበዝሕ ዜጋታት ምዕሩይ ርትዓውን ኩሉ ክጥቀመሉ ዝኽእል ኣገልግሎት ጥዕና ከተቕርብ ዝኸኣለትን ብቐጻሊ ትጽዕር ዘላን ሃገር እያ" ክብል ይገልጻ።

ማእከል መርመራ ኮሮናቫይረስ

ምንጪ ስእሊ, Ministry of information Eritrea

ኣስዒቡ፡ እቲ ጻዕሪ ክጭበጥ ብዝኽእል ኣሃዛት ክረጋገጽ ዝኽእል እዩ" ብማለት ከኣ፡ " እታ ሃገር ብ25 ሆስፒታላት፡ 52 ማእከላት ጥዕና፡ 180 ኖቕጣታት ጥዕና፡ 113 ከሊኒካት ኣገልግሎት ጥዕና ትህብ ምህላዋን ሸቶታት ጥዕና ሚለንዩም ብዓወት ካብዝተግበራን ሃገራት ትሕተ ሰሃራ ሓንቲ ምዃና ይሕብር።

ኤርትራ ኣብ 2005 ካብ ፖልዮ ናጻ ምዃና ኣዊጃ - ኣብ 2015 እውን ዳግም ገምጋም ተገይሩ ዘጋጠመ ጸገም ከምዘይነበረ፤ ዝርገሐ ተመሓላላፊ ሕማማት ኤችኣይቪ/ኤይድስ ከምዝጎደለ፡ ግን ከኣ ከም ሕማም ዓሶ፡ ሓዳሪ ሕማማትን ዓጸቦን ገና ሃስያ የውርድ ከምዘሎ እቲ ጸብጻብ ይሕብር።

ኣብ እዋን ሓርነታዊ ቃልስን ኣብ ፈለማ ዓመታት ናጽነት ሓላፊ ሓላፊ ክፍሊ ሕክምና ነበር፡ ሕጂ ኣብ ዩኒቨርስቲ ቶሮ ፕሮፌሰር ዓለምለኻዊ ጥዕና፡ ዝምህር ዶክተር ኣሰፋው ተኸስተ፡ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ዝርርብ፡ ኤርትራ ኣብ እዋን ሓርነታዊ ቃልስን ድሕሪ ናጽነትን ዝምስገን መሰረታዊ ኣገልግሎት ጥዕና ተቕርብ ምንባራ፡ ግን ከኣ ሕጂ ብኸምቲ ትጽቢት ዝግበረሉ ምዕባለ ከምዘይሰጎመን ሓቢሩ ነይሩ።

እቲ ኣብ እዋን ናጽነትን ሕጅን ዘሎ ሕክምናዊ ኣገልግሎት ብዝኾነ ይኹን መዐቀኒ ከምዘይራኸብ ዝገለጸ ዶክተር ኣሰፋው፡ ' ኣብ እዋን ናጽነት ብዙሓት ሞያውያን ሓካይምን ስፐሺያሊስትን ንህዝብና ከነግልግል ብምባል ካብ ዝተፈላለየ ኩርናዕ ዓለም ስደቶም መጺኦም ከገልግልሉ ይፍትኑ ምንባሮም ሓቢሩ። ሕጂ ግን ብዙሓት ሓካይምን ነርሳትን ሰራሕተኛታት ሕክምናን ብሰንኪ ፖለተካዊ ምሕደራን መነባብሮን ሃገር ገዲፎም ይስደዱ ብምህላዎም ደረጃን ብቕዓትን ኣገልግሎት ከምቲ ዝድለ ከምዘይኮነ ኣረዲኡ።

ምልመላ ሓደስቲ ኣገልገልቲ ጥዕና

ምኒስትሪ ጥዕና ትማሊ ሰኑይ 14 መስከረም ኣብ ባረንቱ ክስልጥኑ ዝጸንሑ 48 ደቀንስትዮ ዝርከብኦም ንኹሉ መምዘኒታት ብቕዓት ዘማልኡ ን18 ኣዋርሕ ብግብርን ክልሰ-ሓሳብን ዝተደገፈ ትምህርቲ ዝቐሰሙ 100 ሕጹያት ተሓጋገዝቲ ነርስ ከምዘመረቐ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ ኣብ ናይ ሰሉስ 15 ሕታማ ጸብጺባ።

እቲ ምኒስትሪ ክኢላዊ ዓቕሚ ጥዕና ብቚጽርን ዓይነትን ክብ ብምባል ዝበለጸ ኣገልግሎት ንምርግጋጽ ካብ 2003 ኣብ ዞባታት ኣብ ዝተኸፍታ ኣብያተ-ትምህርቲ፡ ክሳብ ሕጂ 3,369 ተሓጋገዝቲ ነርስ ኣመሪቑ ኣብ ስራሕ ከምዘዋፈሮም ይሕብር።

እዚ ከኣ ሓደ መርኣያ ናይቲ ብቑዕ ኣገልግሎት ንምርግጋጽ ዝካየድ ጻዕሪ እዩ። እንተኾነ ኣብታ ሃገር ሕጽረት ብቑዕ መነጸሪ ሕማማት ናውቲ ሕክምናን እኹል ቀረብ መድሃኒት ብዘይምህላውን ኣብ ዝሓለፈ ዓመት መንግስቲ ኣብ ልዕሊ እተን ብካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ዝመሓደራ ዝነበራ ሓያሎ ትካላት ጥዕና ብዝወሰዶ ናይ ምህጋር ስጉምቲ ህዝቢ እቲ ከባቢ ዝረኽቦ ዝነበረ ኣገልግሎት ጥዕና ብምድኻሙ ተገልገልቲ ከምዘማርሩ ምንጭታት ይሕብሩ።

ስለምንታይ ግን ኣህጉራዊ መዓልቲ ንሕሙማን?

ንዝሓመመ ዝኣሊ ሓኪም

ምንጪ ስእሊ, Alamy

ዓመታዊ ብሰንኪ ዘይብቑዕ ኣግለግሎት ኣብ ሆስፒታላትን ክሊኒካትን ካብ 134 ሚልዮን ሕሙማን እቶም 2.6 ሚልዮን ይሞቱ። ወጻኢታት ሆስፒታልን ክፍሊትን ንብዙሓት ሕሙማን ልዕሊ ዓቕሞም ይኸውን እሞ ይጽገሙ። ብዙሓት እውን ንመርኣይ ዝኸውን ገንዘብን ናይ ሕክምና ኢንሹራንስን ስለዘይብሎም፡ ብዙሕ ሕጽረታት ናብ ዘለዎ ባህላዊ ፍወሳ ይኸዱ። ግዳያት ናይ "ፈውሰይ ፈውሲ ዓሻ!" ከኣ ይኾኑ።

ብሰንኪ ጉድለት ሕክምናዊ ኣገልግሎት ማንም ሰብ ክጉዳእ የብሉን ዝብል መንፈስን ሕልናን ዓለማዊ ውድብ ጥዕና ነብሲ ወከፍ መንግስታት ዓለም ዓቕመን ብዘፍቅዶ ንዜጋታተን ዝግባእ ሓገዝ ክገብራሎም ይምሕጸን።

እታ ዕለት ኩሎም ኣብ ትካላት ሕክምና ዝዓዩ ሞያውያን፡ ሓካይም፡ ነርሳት መወልዳን፡ ኣለይቲ ሕጻናት፡ ቴክኒሻናት ላባራቶራዊ ምርምር፡ ማሕበረ ኮማት፡ ስድራ-ቤታት ዝምልከቶም ኣርቀቕቲ ፖሊስን ጸለውቲ ኣካላትን ደረጃን ብቕዓትን ሕክምና ክብ ከብሉ አእጃሞም ከበርክቱ ይጽውዕ።