ኣስመራ፡ ካብ ስነ ህንጻ ክሳብ መቓብር ሰብን ታንክታትን

መደበር ኣስመራ
መግለጺ ስእሊ, መደበር ኣስመራ

ኣብ ሓደ ናይ ስራሕ ቃለመሕትት፡ ብዛዕባ ኤርትራ እንታይ ትፈልጢ? ዝብል ሕቶ ቀሪቡለይ ምንባሩ ይዝክር።

"ዝነውሐ ቃልሲ ናጽነት ዘለዎም፣ ልዕሊ 99 ሚኢታዊት 'እወ' ንናጽነት መሪጾም ሃገር ዝመስረቱ ህዝቢታት ምዃኖም፣ ኣብዚ ሕጂ እዋን ድማ፡ ካብ ንኡሽቶ ክሳብ ዓብዪ ብብዝሒ ዝስደዱ ዜጋታት ዘለውዋ ስትራቴጂካዊት ሃገር ምዃና እፈልጥ" ዝብል መልሲ ምሃበይ እውን እዝክር።

ኣብ ዙርያ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት፣ 'ግዱድ ዕስክርና'፣ ገደብ ናጽነት ሃይማኖታት፣ ማእሰርቲ ጋዜጠኛታትን ፖለቲከኛታትን ከምኡ'ውን፡ ናጽነት ፕረስ እዛ ሃገር ዝወጽኡ ዓለምለኻዊ ጸብጻባት ተሓለቕቲ መሰላትን ሕቡራት ሃገራትን ድማ፡ ገለ ክፋል ዛንታ ኤርትራ ካብ ዝኾኑ ዓመታት ተቖጺሮም።

ቅድሚ ሰለስተ ኣዋርሕ ኣቢሉ ይኸውን፡ ብስራሕ ምኽንያት ዝተላለኹዎ ሓደ ኤርትራዊ መንእሰይ፡ ሳሕቲ ኣብ ዝተራኸብናሉ ብዛዕባ ሃገሩ ከዕልለኒ እንክሓቶ፡ ብሄራት ኤርትራ፣ ጎደናታታን ታሪኽ ዝተኣስሩ ጋዜጠኛታትን፣ ኣብ ባጽዕን ዶባትን ዘሕለፎ ህይወትን ካልእን፡ ገለ ብተደጋጋሚ ካብ ዘልዕለለይ ኣርእስታት'ዮም ነይሮም።

'ማይ ፋዘርስ ዳውተር'፡ መጽሓፍ ጋዜጠኛን ደራሲትን ኢንግሊዛዊት-ኤርትራዊት ሃና ፑል ከንብብን፡ ዕድል እንተረኺበ ኣብ ቀረባ ናብ ኣስመራ ክገይሽን፡ እንግዶት እዚ መሓዛይ ኮይኖም፡ እታ ዘራኸበትና ናይ ስራሕ ኣጋጣሚ ግዝኣ ስለ ዘእኸለት ተፈላሊና።

ዛንታ እዛ ንኡሽቶ ሃገርን ህዝባን ንምፍላጥ፡ ፍቓድ ዝምልከቶም ኣካላት መንግስቲ ረኺበ ናብ ኣስመራ ንምጋሽ ሎሚ? ጽባሕ? ዝመጽእ ዓመት? ወይስ ከምቲ ዝብሃል 'ፍጹም ምምሕዳር ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ከየብቅዐ' ናብ ኣስመራ ክኸይድ ኣይክእልን? ግን ንምንታይ?

ኣብ መፈለምታ መዓልትታት ወርሒ ነሓሰ፡ ብሓደ ናይ ስራሕ ኣጋጣሚ ናብ ኣስመራ ክኸይድ ከም ዝኽእል ተሓቢሩኒ። ብዛዕባ እዚ ጉዕዞ ኣቐዲመ ዝነገርኩዎ፡ ቅድም ኢሉ ዝተፈለየኒ መሓዛይ ግን ኣይኣመነን።

ቪዛይ ክሓልፎ ዝግባእ መስርሕ ሓሊፉ ክሳብ ዝመጽአኒ፡ ፍቓድ ክረክብ'የ ዝብል ተስፋ፡ ክንዲ ዓይኒ መርፍእ ዝጸበበ ነይሩ።

ምስ ኮነ ድማ፡ እማን ኢለ፡ ውሽጠይ ነቶም ተደጋገምቲ ዛንታታት ዘኪሩ፡ ኣብ ምኻድን ምትራፍን ተመቐለ፤ ግን ድማ ክኸይድ ኣለኒ።

ዋላ'ኳ እታ ሃገር ጽብቕትን ተብሃጊትን እንተኾነት፡ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ፖለቲካዊ ኩነታት ዝክሓድ ኣይኮነን፤ ጽንኩርን ኩሉ ነገር ሚስጢራዊ ዝኾነን'ዩ።

መብዛሕትኦም ብዛዕባ ኤርትራ ዝተሓተሙ ጸብጻባት፡ ወይ ናብታ ሃገር ኣትዮም ብዘይፈልጡ፡ ካብ ኤርትራውያን ስደተኛታት ብዝሰምዑዎ ዝጽሓፉ፡ ወይ ድማ፡ ውሱን ሓበሬታ ብዘለዎም ሰባት ዝተዳለው ስለ ዝኾኑ፡ ንዝፈጥረለይ ጦብላሕታ ዝድርቱ ክኾኑ ግን ኣይደለኹን።

ብዛዕባ እዛ ሃገር ክህልወኒ ዝምነዮ ዕምቆት ዘለዎ ሓበሬታ ረኺበ'የ እኳ እንተዘይበልኩ፡ ኣብ ኤርትራ ከልዕሎም ወይ ክሓተሎም ዝኽእል ጉዳያት ድሩታት ምኻኖም፣ እንተልዐልኹ'ውን ዝምልሰለይ ወገን ከም ዘይህሉ ስለ ዝተነግረኒ፡ ደፊረ መንግስታ ዝንቀፈሎምን ዝኽሰሰሎምን ገለ ዛዕባታት ብጎናዊ ወግዒ'ውን እንተኾነ ከልዕሎም ቅጅል ኣይበለንን።

በጻሒ ዓዲ ኮይንኩም ናብዛ ሃገር ክትጉዓዙ ትሓስቡ እንተሊኹም ግን፡ ካልእ ተሪፉ ታሪኽን ተጻዋርነትን ህዝቢ ኤርትራን ክትፈልጡ ኣለኩም።

ፌስቲቫል ኤረትራ 21 ነሓሰ 2019

ስለምንታይ ግን ናብ ኣስመራ ከይደ?

ግደ ሓቂ፡ ኤርትራ 'ሚስጢራዊት' ሃገር'ያ። እቶም ሚስጢራት ኣበይ ሓቢኣቶም? ስለምንታይ ተሓቢኦም? ክንደይ ይኾኑ? ሕጂ ኮይነ መልሲ ክረኽበሎም ዘይኽእል ሕቶታት'ዮም።

እታ ከተማ፡ ለይቲ ይኹን ቀትሪ ክትዛወር ዘስግእ ናይ ጸጥታ ጸገም የብላን። በዚ ዛንታ ኣቢለ ናብ ገለ መስሕብ ቦታታት ኣስመራ ክወስደኩም።

'ታንክ ግሬቭ ያርድ'

ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ኣብ ኤርትራ ዝተኻየዱ ዓውደ ውግኣት ክንደየናይ ከበድትን ክፉኣትን ምንባሮም ንምግንዛብ፡ ናብዚ ኸባቢ ከይድካ ምርኣይ እኹል'ዩ።

እዚ "ታንክ ግሬቭ ያርድ" [መቓብር ታንኪ] ተባሂሉ ዝጽዋዕ ኸባቢ፡ ብኲናት ዝዓነው ተሽከርከርቲ ውግእ ዝተኣከብሉ ኮይኑ፡ ዓይነቶምን ብዝሖምን ቖጺርካ ዝውዳእ ኣይኮነን።

ካብ ኣውቶብስ ክሳብ ታንኪ፣ ካብ ኦራል ክሳብ መድፍዕ፡ ኮታስ ኩሉ ዓይነት መሳርሒ ተቓጺሉን ዓንዩን ተኣኪቡ ኣሎ።

'ቃኘው ስቴሽን'፡ ንሸንኽ ምብራቕ ካብ መቃብር ታንክታት ዝርከብ ኾይኑ፡ ኣብ ኣፍሪቃ እቲ ዝዓበየ መደበር ናይ ኣሜሪካ'ዩ ነይሩ።

ውዕሊ ኣሜሪካ ን100 ዓመት'ኳ እንተነበረ፡ ደርጊ ናብ ኣስመራ ምስ ኣተወ ግን ኮንትራቶም እንከይወድኡ ክወጽኡ ተገዲዶም።

ቓኘው ኣብዚ ስዓት ገለ ክፋሉ ቤት ጽሕፈት መንግስቲ ክኽውን እንከሎ፡ ብዙሓት ካብቶም ኣብ ኲናት ዝሰንከሉ ተጋደልትን ሃገራዊ ኣገልግሎትን'ውን ኣብዚ ቦታ'ዮም ዝነብሩ።

እዚ ናይ ዝኽሪ ቦታ፣ እዚ ካብ ዝተፈላለዩ ኩርናዓት እታ ሃገር ዝተኣከቡ ዝዓነው ወተሃደራዊ መካይን፡ እቲ ከቢድ ቃልሲ ምስ ኣኽተመ ናብዚ ጎልጎል ተኣኪቦም፤ ነጸብራቕ እቲ መሪር ቃልሲ ሰላሳ ዓመታት ኮይኖም ኣለው።

ኣብ እግሪ እዞም ሓጻዊን 'መንበሪ ገዛ' ዝመስል ደኲኖም ዝነብሩ ሰባት ብምህላዎም፡ ናብዚ ቦታ ንምኻድ፡ ፍቓድ ማእከል ሓበሬታ በጻሕቲ ዓዲ የድልየኩም።

ንሸነኽ ድቡብ ካብዘን ታንክታት፡ ኣብ ሓጺር ርሕቀት ጽቡቕን ዘመናዉን ብዓል ሓደ ደርቢ ዝኾኑ ተር ዝበሉ ቪላታት ኣራኣዩ፡ 'እንዳ ጀነራላት' ተባሂሉ'ዩ ዝጽዋዕ።

ከምቲ ሽሙ ሚኒስተራትን ጀነራላትን'ዮም ዝነብርሉ። ናብኡ ገጽካ ብካሜራ ምስኣል ዝተኸልከለ'ዩ።

ኣብ ኤርትራ ኣብ ዝተኻየዱ ዝተፈላለዩ ኲናት፡ ዝዓነው ኣጽዋራት ኲናትን ተሽከርከርትን ኣብ ሓደ ቦታ ተኣኪቦም ይርከቡ
መግለጺ ስእሊ, ኣብ ኤርትራ ኣብ ዝተኻየዱ ዝተፈላለዩ ኲናት፡ ዝዓነው ኣጽዋራት ኲናትን ተሽከርከርትን ኣብ ሓደ ቦታ ተኣኪቦም ይርከቡ

መቓብር ጥልያን

ኣስመራ ኣሰር ኢጣልያውያን ሰብ ሞያ ህንጻ ዘይተፈልያ ምዃና ህንጻታታ ይምስክሩ።

"መቓብር ጣልያን" ኣብ ጸጸራት ፊት ቤተክርስትያን እንዳ ሚካኤል፡ ጎኒ መቓብር ሓርበኛታት ኤርትራ'ዩ ተደኲኑ ዘሎ።

ናብዚ ቦታ ምስ ኣርክቴክት ፕሮጀክት ሓድጊ ኣስመራ ክብረኣብ ጽንብል ኬድና።

ኢጣልያውያን፡ መገዲ፣ ህንጻን ካልእን ክሰርሑ ከለው ሓቢሮም ዝሰርሑ ሰባት ምንባሮም ኣውጊዑኒ።

ሲነማ ኣስመራ ሰሪሑ ከይወድአ ከም ዝሞተ ዝንገረሉ ዝንእዶ ጥልያናዊ በዓል ሞያ ስነ ህንጻ [ኣርክቴክት] ከም ዝነበረ ይዛረብ።

ኤድዋርዶ ካቫኞር ይብሃል። "እዚ ብዙሕ ሰሪሑ ቀልጢፉ ዝሞተ ኢንጅነር'ዩ" ዝብል ኣርክቴክት ክብርኣብ፡ ናይ ምህንድስና፣ ስነ ህንጻ፣ መዓድን፣ ሕርሻን ካልኦትን ሞያታት ከም ዝነበሮ ይገልጽ።

ምስ ሞተ፡ ሬስኡ ናብ ዓዱ ተላኢኹ'ዩ ዝብል እምነት'ኳ እንተነበረ፡ ግና ኣብዚ ቦታ ከምዝተቐብረ ኣርእዩና።

እዚ ናይ መቓብር ቦታ፡ ተኸልቲ ሃይማኖታት ኦርቶዶክስ ክርስትናን እስልምናን ዘይኮኑ፡ ኣብ 1870ታትን 1880ታትን ተወሊዶም ዝሞቱ፡ ህጻናት፣ ደቂ ኣንስትዮ፣ መናእሰያት፣ ወተሃደራትን ካልኦትን ዝተቐበርሉ'ዩ።
መግለጺ ስእሊ, መቓብር ህጻናት

እዚ ናይ መቓብር ቦታ፡ ተኸተልቲ ሃይማኖታት ኦርቶዶክስ ክርስትናን እስልምናን ዘይኮኑ፡ ኣብ 1870ታትን 1880ታትን ተወሊዶም ዝሞቱ፡ ህጻናት፣ ደቂ ኣንስትዮ፣ መንእሰያት፣ ወተሃደራትን ካልኦትን ዝተቐበርሉ'ዩ።

ግሪኽ፣ ኣይሁድ፣ ካቶሊክ፣ ፕሮቴስታንት ኩሎም ኣብዚ ተቐቢሮም። ኣብዚ መቓብር ቦታ ስድራ ሃብታማት ዝቕበርሉ ዝተፈለየን ዓብን ናይ ገዛእ ቅርጺ ዘለዎን'ዩ።

ኣብ ልዕሊ እቲ መቓብራት ኣዝዪም ብዙሓትን ርኢኻ ዘይትጸግቦምን ዝተፈላለዩ ቅርጽታት ኣለዉ።

'ጎንድራድ ፋሚሊ፣ ታዛሪ ፋሚሊስ ከምኡ'ውን ፋሌታ ፋሚሊ' ተባሂሎም ናይ ዝጽውዑ ፍሉጣት ስድራቤታት፡ መቓብራት ክሳብ ሕጂ ኣሎ።

ሓደሽቲ ወለዶታት እዞም ስድራቤታት፡ መቓብር ወለዶም ንምርኣይ ካብ ጥልያን በብዓመቱ ይመጽኡ፤ ሕቑፊ ዕምበባ ኣቐሚጦም ይምለሱ።

እዚ ቦታ፡ ኣብ ጽቡቕ ኩነታት ዝርከብ፡ ጽሩይን ሓምለዋይ ከባቢ ዘለዎን እዩ።

'ጎንድራድ ፋሚሊ፣ ታዛሪ ፋሚሊስ ከምኡ'ውን ፋሌታ ፋሚሊ' ተባሂሎም ናይ ዝጽውዑ ፍሉጣት ስድራ፡ ክሳብ ሕጂ መቓብሮም ኣሎ።
መግለጺ ስእሊ, 'ጎንድራድ ፋሚሊ፣ ታዛሪ ፋሚሊስ ከምኡ'ውን ፋሌታ ፋሚሊ' ተባሂሎም ናይ ዝጽውዑ ፍሉጣት ስድራ፡ ክሳብ ሕጂ መቓብሮም ኣሎ።

ኣብያተ ሲነማታት ኣስመራ

ናይ ቀደም ኣስመራ ዕረፍቲ ዘይብላ ከተማ ምንባራ ይዝንቶ። ብዙሓት ኣብያተ ተልሂት ምንባሮም፡ ካብዚኦም ማካምቦ ዝተብሃለ ፍሉጥ ለይታዊ ተልሂት ከም ዝነበረ ይንገረሉ።

ፈረንሳውያን፣ ኢጣልያውያን ሳዕሳዕትን፡ ኣሜሪካውያን እውን ድሕሪ ኲናት ቬትናም ናብ ኣስመራ መጺኦም ይዘናግዑ ከም ዝነበሩን፡ ጸሓፊ ተስፋዬ ገብረኣብ ንሓንቲ ወይዘሮ ቃለ መሕትት ገይሩ ኣብ ዘስፈሮ ጽሑፉ ይጠቅስ።

ካብዚ ሓሊፉ፡ ደረጅኦም ዝሓለው ቑጽሮም ዘይነዓቕ ሲነማታት ዘለውዋ ከተማ'ያ።

ኣብታ ከተማ እንተውሓደ ክልተ ቋንቋ ክዛረብ ዝኽእል ሰብ ድማ ኣሎ።

ሲነማ ሮማ

ቅድሚ ብዙሓት ዓሰርታት ዓመታት ካልእ ምስሊ ዝነበራ ኣስመራ፡ ኣዝዮም ዘመናውያን፡ ኣብቲ ግዘ ድማ ኣለው ዝብሃሉ ፊልምታት ቋንቋታት ኢንግሊዘኛን ጥልያንን ዝርኣየሎም ዝነበሩ ሲነማታት፡ ከም ሓድጊ ዓቂባ ዓጽያቶም ትርከብ።

ዳርጋ መብዛሕትኦም፡ ዝተሰቕለ መጋረጅኦም ጠቂሩ፣ ገለ ቬትሮታቶም ወይ ማዕጾኦም ተሰይሩ፣ ተመሳቒሎም እንትዕጸው፤ ውሑዳት ድማ፡ ጸወታታት ፕሪሚየር ሊግ ዓዲ ኢንግሊዝ፣ ባህላዊ ምድላዋት ምምሕዳር እታ ከተማ የአንግዱ። ከም እንዳ ሻሂን መስተን ኮይኖም'ውን የገልግሉ።

ሲነማ ኣዝመራ
መግለጺ ስእሊ, ሲነማ ኣዝመራ

ፊያት ምስ ነፋሪት

15 ሜትሮ ንውሓት ዘለዎ ክንፊ እዚ ህንጻ፡ ብጀካ ኣብ ማእከል ደጋፊ ዓምዲ የብሉን። ከምዚ ኢሉ 82 ዓመት ኮይኑዎ ኣሎ።

ቅርጽን ኣቃውማን እዚ ኣብ መራኸቢ ጎደና መረብ ዝርከብ ህንጻ ግን፡ ክሳብ ሕጂ ንብዙሓት ኢንጅነራት 'ሚስጢር' ኮይኑዎም ይርከብ።

ፊያት ታሌሮ፡ ህንጸቱ ኣብ 1938 እንትዛዘም፡ መዐደሊ ነዳዲ፣ ኣገልግሎት ጋራዥን መሕጸቢ መኻይንን ዝወሃበሉ ቦታ'ዩ ነይሩ። ኣብ ርእሲ እዚ ህንጻ ዘሎ 'ፊያት' ዝብል ጽሑፍ ገንኢ ማይ'ዩ ነይሩ ይብል ኢንጀነር ክብረኣብ።

ጥልያናዊ በዓል ሞያ ስነ ህንጻ ጁሴፔ ባሳታ ነዛ ህንጻ ዘቖመ ክኢላ'ዩ።

ኣብቲ ሽዑ እዋን ንድፈ ሓሳብ እዚ ህንጻ ዝቐረበሎም ኢንጀነራት ኣስመራ፡ "15 ሜትሮ ንውሓት ዘለዎ ክንፊ ብዘይ ዓንዲ ጠጠው ክብል ኣይኽእልን" ኢሎም ስለ ዘይተቐበልዎ፡ ሰሪሑ ከእምኖም ስለ ዝደለየ፡ ዓንዲ ወሲኸሉ ኣለኹ ኢሉ ከም ዘታለሎም ይዝረብ።

"እዚ ህንጻ እንተፈሪሱ ነብሰይ ከጥፍእ'የ" ኢሉ ፈኪሩ ነቲ ህንጻ ዝሰርሐ ኢንጀነር ጁሴፔ፡ ነታ ከተማ ካብ ዘበርከቶም ዝድህሰሱ ስራሕቲ ሓደ ኮይኑ መለለዪ ኣስመራ ኮይኑ'ሎ።

እቲ ኣገልግሎት ምዕዳል ነዳዲ ዝህብ ዝነበረ ህንጻ፡ ኣብዚ እዋን ብዘይ ዝኾነ ምንቅስቓስ ንብሕቱ ግርማ ከተማ ጥራሕ ኮይኑ ደዉ ኢሉ ይርከብ።

ፊያት ምስለ ነፋሪት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ብቅርጺ ነፋሪት ዝተሰርሐ ህንጻ ፋያታሌሮ

ካቶሊካዊት ቤተክርስቲያን (ካቴድራል)

እዚ ቤተክርስቲያን፡ ኣብ ማእከል ጎደና ሓርነት ዝርከብ፡ ካልእ ምልክት ኣስመራ'ዩ። 100 ዓመት ክገብር ኸኣ ቀሪቡ'ሎ።

ሞን ሲኞር ካሚሎ ካራራ ዝብሃሉ ካህን ብ1911 ካብ ዓዲ ጥልያን ናብ ኣስመራ መጺኦም፡ ኣብ 1921 ህንጸት እዛ ቤተክርስቲያን ከም ዝወጠኑዎ እትዛረብ ጸሓፊት እታ ቤተክርስቲያን ኤደን ሚካኤል'ያ።

ኣብቲ እታ ቤተክርስቲያን ተደኲናትሉ ዘላ ቦታ፡ ብ1895 ዝተሃነጸት ንኡሽቶ ቤተክርስቲያን ቅዱስ ማርቆስ ምንባራ ይዝንቶ።

ኣብ ጫፍ ካቶሊካዊት ቤተክርስቲያን ካቴድራል፡ ኣብ ጎኒ እቶም ካህናት ኮይኖም ንህንጸት እዚ ህንጻ ዝኸውን ገንዘብን ዝኣከቡን ካልኦት ሓገዛትን ናይ ዘተኣኻኸቡ ሰባት ሽሞም ኣብ እምነ በረድ ተጻሒፉ ኣሎ።

ኣብ 1923 ህንጸት እዛ ቤተክርስቲያን ከም ዝተዛዘመ ዘዕለለትኒ ኤደን፡ ኣብ ውሽጢ እቲ ቤተክርስቲያን ዘለው ስእልታት፡ ህቡባት ኢጣልያውያን ስነ ጥበበኛታት ዝሰኣሉዎም ምዃኖም ሓቢራትኒ።

እታ ዝዓበየት ስእሊ 'ቅድስት ድንግል ማርያም' ካርሎ ማራታዳ ካማራሎ ዝተብሃለ ህቡብ ኢጣልያዊ ቀባኣይ ብውህብቶ ዘበርከታ'ያ። ካልኦት'ውን፡ ንኽብሪ እቲ ቤተክርስቲያን ዝተለገሱ'ዮም።

ኣብ ጫፍ እቲ ቤተክርስቲያን ዘለዋ ደወላት፡ ኣብቲ እዋን ጥልያናውያን ኣብ ዝተዓወቱሎም ዓውደ ውግኣት ካብ ዝማረኹዎም መዳፍዕ መኺኾም እየን ተሰሪሐን።
መግለጺ ስእሊ, ኣብ ጫፍ እቲ ቤተክርስቲያን ዘለዋ ደወላት፡ ኣብቲ እዋን ጥልያናውያን ኣብ ዝተዓወቱሎም ዓውደ ውግኣት ካብ ዝማረኹዎም መዳፍዕ መኺኾም እየን ተሰሪሐን።

ደወላት ካቴድራል

ኣብ ጫፍ እቲ ቤተክርስቲያን ዘለዋ 8 ደወላት ግን፡ መዓልታዊ ንኣስመራ ዝሕብርኦ ነገር ኣሎ። ግዜን መዘኻኸሪ ጸሎትን፡ ኣብ መላእ እታ ከተማ ክበጽሕ ይገብራ።

እተን ደወላት፡ ኢጣልያውያን ኣብ ዝተዓወቱሎም ዓውደ ውግኣት ካብ ዝማረኹዎም መዳፍዕ ብምካኽ እየን ተሰሪሐን።

"ፒዮ"፡ ሽም እታ ካብ ኩለን ዝዓበየት ደወል ኮይኑ፡ ብ1925'ያ ተሰሪሓ። 52 ሜትሮ ቁመት ኣለዋ፤ 82 ኩንታል ድማ ትምዘን።

ክትድውል ከላ እትሃርሞ ኖታ ሙዚቃ፡ "ላ" እዩ። ብሽም ኣብቲ ሽዑ እዋን ዝነበረ ጳጳስ ሮማ ፒዮሽ መበል 11 ዝተሰየመት እዛ ደወል፡ 'ምእንተ ሰላም' ትድውል።

እታ ካብዛ ደወል ዝነኣሰትን 24 ኩንታል እትምዘን "ቪቶሪያ" ተባሂላ ትጽዋዕ። እትሃርሞ ኖታ፡ "ሲ" እዩ።

ንኽብሪ ናይቲ ግዘ ንጉስ ኢጣልያ ቪቶሪዮ ኢማኑኤለ ቴርሶ ዝተበርከተት እዛ ደወል፡ 'ምእንተ ሕውነት' ትድውል።

እታ ሳልሰይቲ፡ ብሽም እታ ቤተክርስቲያን ዘስርሓ ካሜሎ ካራራ ዝተሰየመት ኮይና፡ "ዶ" ትሃርም እሞ፤ ክትድውል ከላ ኣብ ውግእ ዝሞቱ ይዝከሩላ።

እተን ዝተረፋ ካልኦት ሓሙሽተ ደወላት፡ ምእንቲ መሰል ሰብ፣ ፍቕሪ፣ ፍትሒ ዝቃለስ ዝነበረ "ልውጂ" ዝተብሃለ ኢጣልያዊ ዝተሰምየት ኖታ "ረ" እትሃርም፡ ንጸሎት ማርያም እተዘክር "ጆቫን" እተብሃለት፡ ኖታ "ሚ" እትሃርም ደወል አለዋ።

ብተወሳኺ ኖታ "ፋ" ዝወሰደት ኣብ 'ተስፋ ከለው ዝሞቱ' ዝዝከሩላ "ጁዜፔ"፡ ኖታ "ሶል" እትሃርም 'ብስራት ገብርኤል ንማርያም' ዝምሰለላ "ማሪያ፡፣ ከምኡ ድማ እታ ዝነኣሰት፡ ኖታ ሙዚቃ "ላ" እተስምዕ "ማርቆስ" እየን።

ኩለን ተደሚረን 110 ኩንታል ይምዘና። ብ1987 ኣቆጻጽራ ፈረንጂ ኤሌክትሪካዊ መቆጻጸሪ ደወል ሰዓት ተገጢሙለን ባዕለን ሰዓትን ፈረቓን ቆጺረን እንትድውላ፡ መጀመርታ ግን፡ ኣብ ነብሲወከፍ ሰዓት ሰባት ደይቦም ብገመድ ይድውልወን ነይሮም

ኣብ ግዜ በዓላትን ሰንበትን፡ ሸሞንቲኤን ብሓባር ይድውላ። ኣብ ካልኦት መዓልታት ግን፡ በብሪጋ ይሃርማ፡ ኣብ ሓንቲ ሰዓት ሓንቲ ደወል ካብ ሸሞንቲኤን ትሃርም።

ኣብታ ቤተክርስቲያን፡ ንጉሆ ሰዓት ሽዱሽተ ብቋንቋ ኢንግሊዘኛ፣ ሰዓት ትሸዓተን ፈረቓን ብጥልያን፡ ሰዓት 11 ድማ ብቋንቋ ኢንግሊዘኛ እንትቕደስ፡ ሓደ ቅዳሴ ጀሚሩ ክሳብ ዝውዳእ ሸሞንቲኤን ብሓንሳብ ይሃርማ።

እተን ኣብ መንደቕ ካቴድራለ ተሰቒለን ዘለዋ ሰዓታት፡ ኣርባዕቲኡ ሸነኽ ናይ ካቴድራል ዝርከባ ኮይነን፡ ካብ ዝበዝሐ ኣንፈት ናይ ኣስመራ ኴንካ ክርኣያ ይኽእላ። ካብዚ ተበጊሶም ድማ 'ዝማሪኖታት' "ወዲ ኣስመራ ሰዓት ኣይኣስርን'ዩ" ዝብሉ።

መደበር

ኣብ ኣስመራ ካልእ ክትርእዮ እትኽል፡ ንማሕበራዊ ናብራ፡ ፈጠራውነት፡ ኢደ ስርሓት፡ ህርኩትነትን ነበርታ እትዕዘበሉ ቦታ፡ መደብር'ዩ።

ኣብዚ ቦታ፡ ንልዕሊ 60 ዓመት፡ ኣብ ምፍራይ ሓጺነ መጺን ዝሰርሑ ናይ ዕድመ ሰብ ጸጋን መናእሰያትን ኣለው።

ኣብዚ እዋን'ዚ፡ ማሕረሻ፣ ፈርኔሎ፣ ሞጎጎ፣ ፊስቶ፣ መዓጹ ካልኦት ዝፈርየሉ ኮይኑ፡ ቀደም መዓር እኽሊ፣ ቀመማ ቀመም ይሽየጠሉ ነይሩ ይብሃል።

ኣብዚ ቦታ ዝረኸብኩዎም ሰባት፡ "መደብር ቤት ትምህርቲ ኢደ ጥበብ'ዩ" ክብሉ ይገልጹዎ።

ብዙሓት ኢትዮጵያውያን ኣብዚ ቦታ ተማሂሮም ናብ ዓዶም ከይዶም ተመሳሳሊ ስራሕ ዘተኣታተው እንትህልው፡ ኣብ ከተማ መቐለ ብተመሳሳሊ ሽም 'መደበር' ተባሂሉ ዝጽዋዕ ቦታ ኣሎ።

መደበር ኣስመራ
መግለጺ ስእሊ, መደበር ኣስመራ

ኣብ ኣስመራ ዝነበረኒ ጻንሒት፡ ዝያዳ እቲ ክገልጾ ዝኽእል ሙቁርን ፍቕሪ ሰብን ከባብን ዘይተፈለዮ እዩ ነይሩ። ኣስመራ ጻዕዳ ተመሊሰ ክርእያ ዶ'ኾን እኸውን?

መግለጺ ቪድዮ, ነጥብታት ብዛዕባ ኢትዮ ኤርትራ