ኮቪድ 19 ፡ ሃገራት ኣውሮጳዊ ሕብረት ሰፊሕ ህዝባዊ ክታበት ኮሮናቫይረስ ጀሚረን

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ኣባል ሃገራት፡ ሕብረት ኣውሮጳ ኣብ ኩለን ኣባላት እቲ ሕብረት ሎሚ ዝተወደበ ህዝባዊ ክታበት ጀሚሩ።
ፕረዚደንት ሕብረት ኣውሮጳ ኡስላ ቮን ደር ለይን እቲ ኣብ ሃገራት ሕብረት ኣውሮጳ ኣብ መዓላ ክውዕል ፈቓድ ዝረኸበ ብፋይዘር ባዩ ኤንተክ ዝፈረየ ክታበት ናብ 27 ሃገራት ኣባላት ሕብረት ኣውሮጳ ከምዝበጽሐ ትማሊ ገሊጻ።
ገለ ሃገራት ትማሊ እቲ ክታበት ኣብ ኢደን ምስ ኣተወ ሽዑ ንሽዑ ክታበት ከምዝጀመራ ገሊጸን።
ኣብ 27 ሃገራት እቲ ሕብረት ክሳብ ሎሚ 335,000 ሰባት ምስ ኮቪድ 19 ብዝተሓሓዝ ሕማማት ሞይቶም ኣለዉ።
ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ ምሉእ እቲ ሕብረት ልዕሊ 14 ሚልዮን ሰባት ብኮሮናቫይረስ ክልከፉ እንከለዉ ዳርጋ ኣብ ኩለን ሃገራት ተሪር ዕጽዋ ተኣዊጁ ይርከብ።
እቲ ኣብ ሃገራት ኣውሮጳዊ ሕብረት ሎሚ ዝጀመረ ህዝባዊ ክታበት ኮሮናቫይረስ፡ ሓዲሽ ዓይነት ኮሮናቫይረስ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ኣውሮጳ፡ ካናዳን ጃፖንን ኣብ ዝተረኣየሉ እዩ።
እዚ ሕድሽ ዓይነት ኮሮናቫይረስ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ መላእ ዓለም ናይ መገሻታት እገዳ ንኽውሰድ ጽልዋ ፈጢሩ እዩ።
ሃገራት ኣውሮጳዊ ሕብረት ብዛዕባ እዚ ክታበት እንታይ ይብላ ኣለዋ?

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ኣብ 27 ሃገራት ኣውሮጳዊ ሕብረት ኣስታት 446 ሚልዮን ብዝሒ ህዝቢ እዩ ዘሎ።
እቲ ሕብረት ኸኣ ብዝተኸኣለ መጠን ኩሉ ሰብ ንክኽተብ እዩ ኣንቂዱ።
ኣብ ኣውሮጳዊ ሕብረት ኣጄንሲ መድሃኒታትን ኣውሮጳዊ ኮምሽንን፡ ነቲ ብጀርመንን ብኣመሪካን ዝውነን ብፋእዘር ባዩኤንተክ ዝማዕበለ ክታበት ኣብ መዓላ ክውዕል ፍቓድ ስለዝሃብዎ ኸኣ ኣብ መላእ ሃገራት ኣውሮጳዊ ሕብረት እቲ ኽታበት ሎሚ ተጀሚሩ ኣሎ።
ኣውሮጳዊ ሕብረት ካብ ዝተፈላለያ ክታበት ኮሮናቫይረስ ዝፍትና ዘለዋ ትካላት ልዕሊ 2 ቢልዮን ብልቓት ክታበት ብቀዳምነት ንኽውሃቦ ዕርቡን ከፊሉ ኣሎ።
ፕረዚደንት ሕብረት ኣውሮጳ ኡስላ ቮን ደር ለይን ትማሊ፡ "ሎሚ ኣብዚ ከቢድ እዋን ሓዲሽ ገጽ ንግንጽል ኣለና፡ እቲ ክታበት ናብ ኩለን ሃገራት በጺሑ ኣሎ፡ እቲ ክታበት ከኣ ጽባሕ ክጅምር እዩ" ድሕሪ ምባል "እዚ ናይ ክታበት እዋን ኣብ ኩለን ሃገራት ኣውሮጳ ሕብረት ናይ ሓድነት መንፈስ ዘርኢ ተንካፊ እዋን እዩ፡ እዚ ለበዳ ኸኣ ብኽታበት ጥራይ እዩ ደው ክብል ዝኽእል" ኢላ።
ሚኒሰተር ጥዕና ጀርመን ጅንስ ስፓህን ብወገኑ ትማሊ "እዚ ጽቡቕ መልእኽቲ ልደት እዩ፡ ኣብዛ ሕጂ ሰዓት ኣብ መላእ ኣውሮጳ ክታበት ዝጽዓና ዓበይቲ መካይን ካብን ናብን ይንቀሳቐሳ ኣለዋ፡ ተወሳኺ'ውን ጽባሕን ድሕሪ ጽባሕን ክስዕብ እዩ" ኢሉ።.

ምንጪ ስእሊ, Reuters
እቲ ሚኒሰተር ብምስዓብ "እዚ ክታበት ነዚ ለበዳ ንኽንስዕሮ ወሳኒ ተራ እዩ ክህልዎ፡ ናብ ንቡር ህይወትና ንኽንምለስ ኸኣ እቲ እንኮ መንገዲ እዚ ክታበት እዩ" ኢሉ።
ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ጣልያን ሉጂ ደሲ ማዮ ዜጋታቱ ነቲ ክታበት ክወስድዎ ብምምሕጻን "ናብ ንቡር ናጽነትና ዳግም ክንምለስ ኢና" ኢሉ።
ሰብ ሞያ ጥዕና ሰሜናዊ ምብራቕ ጀርመን እቲ ክታበት ኣብ ኢዶም ምስ በጽሐ ንምንታይ ንሰንበት ንጽበ ብምባል ነቲ ክታበት ካብ ትማሊ ቀዳም እዮም ጀሚረሞ።
ሃገረ ሃንጋሪ እውን ነቲ ክታበት ቀዳም እያ ጀሚራቶ፤ ኣብታ ሃገር ንመጀመርታ እቲ ክታበት ዝተውሃቦ ሰብ ኣብ ሆስፒታል ደል ፔስት ዝሰርሕ ዶክተር ከምዝኾነ'ውን ናይታ ሃገር መደበር ዜና ኣቃሊሓ።
ሰብ መዚ ስሎቫክያ'ውን ሰብ ምኽታብ ከምዝጀመሩ ሓቢሮም ኣለዉ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







