"ኮቪድ 19፡ ናይ መጀመርታ ለበዳ ኣይኮነን፤ ናይ መወዳእታን እውን ኣይክኸውንን'ዩ"

ዓመተ 2020፡ ብለበዳ ኮቪድን ንሱ ብዘኸተሎ ሞትን ሕማምን ብሰንኩ ብዝሰዓበ እገዳን መገሻን ምንቅስቓስ ንዓለምና ብጥዕናን ቁጠባን ረማሚሳ ትሓልፍ ኣላ።
ይኹን እምበር ኣብ ምውዳእ እዛ ዓመት ድሮ ኣብ ዕዳጋ ዝወዓለ ክታበትን ገና ኣብ ዝተፈለላያ ሃገራት ኣብ መስርሕ ዘሎ ፍርያትን ተስፋ ዝህብ እዩ።
እንተኾነ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ካብ ኮቪድ -19 ብዝተዓጻጻፈ ቅልጣፈ ዝላባዕ ሓዲሽ ዓይነት ኮቮድ ምስተረኽበ ነቲ ምስ ምጅማር ክታበት ተፈጢሩ ዝጸንሐ ተስፋ ኣብ ምልክት ሕቶ አእትዩዎ ኣሎ።
ዓሚ ከምዚ እዋን ኣብ ቻይና ከተማ ውሃን ዝተራእየ ኮቪድ -19 ንመላእ ዓለም መሰጨነቓ ሓፈሻዊ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት፡ ብምሉእ ድምጺ መጋባእያ፡ ን27 ታሕሳስ ከም መዓልቲ ምድላው ንተላባዕቲ ሕማማት ክትዝከርን ክትክበርን ወሲኑ።
ለበዳ ኮቪድ ኣብ ህይወት ማሕበረሰብ ዓለም ኣብ ማሕበራዊ ቁጠባውን ምዕባለን ቅልውላው ፈጢሩ፡ ንምዕባለ ዓለምን ሕብረተሰብን ንድሕሪት ጎቲቱዎ ይርከብ።
ብሰንኪ እዚ ሕማም እዚ ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ሰራሕተኛታት ካብ ስራሕ ወጺኦም፡ ኩለን ሃገራት ዓለም ብሰንኪ እገዳ ምንቅስቓስን በረራን ብቢልዮናት ዶላራት ዝግመት ክሳራ ኣጋጢሙወን።

ምንጪ ስእሊ, PA Media
ኣብዛ ዕለት፡ ሃገራት ዓለምን ማእከላት ምርምር ጥዕናን፡ ንምክልኻልን ምውጋድን ዝኾነ ይኹን ዓይነት ለበዳ ኩሉ ዓይነት ሳይንሳዊ ርኽበታትን ሓበሬታን ክለጋገሳን ንዓለማዊ ጸገማት ጥዕና ብሓባራዊ ፍልጠትን ክእለትን ክገጥመኦ ክጽዕራ ዓለማዊ ውድብ ጥዕና ይምሕጸን።
እቶም ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ እዋን ብማሕበራዊ መራኸቢታት ብማንዛዊ ርክብ ዝተጋብኡ መራሕቲ ዓለም ምዕሩይ ዝርገሐ ክታበት ክህሉ ተረዳዲኦም። ኣምባሳደር ቬትናም ኣብ ሕቡራት ሃገራት ሚስተር ዳንግ ዲንህ ኵይ፡ "ለበዳ ኮቪድ -19 ናይ መጀመርታ ኣይኮነን፤ ናይ መወዳእታን እውን ክኸውን ኣይኮነን" ብምባል ነዚ ሓባራዊ ጸገም ሕቡር ስራሕን ጻዕርን ከምዘድሊ ተዛሪቡ።
ብቐንዱ ንስርዓተ ምስትንፋስ ዘጥቅዕ ለበዳ ሕማም ኮሮናቫይረስ ኣብ ሂወት ደቂ ሰባት ኣዕናዊ ሳዕቤን ብምኽታል ማሕበራውን ቁጠባውን ምዕባለ ሕብረተሰብ ንድሕሪት ጎቲቱዎ ኣሎ።
ዓለማዊ ትካላት ጥዕና ካብ ዝግበኦን ዝጾሮን ንላዕሊ ተወጢሩ፡ መጠን ዘይብሉ ህዝቢ ኣደዳ ሞትን ሕማም ኮይኑ ኣሎ።

ምንጪ ስእሊ, EPA
በቲ ዝወርድ ዘሎ ህልቂት ከኣ ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን እተን ዝደኸያ ሃገራት ብዝያዳ ይጥቅዑ ኣለዉ።
እቲ ጉዳይ ካብ ዝጅመር ኣትሒዙ ዓለማዊ ኣቓልቦ ተዋሂቡዎ ክግጠም እኳ እንተተፈተነ ብኣግኡ ክግታእ ኣይከኣለን ዘሎ። ገና ከኣ ኣብተን ብቴክኖሎጂን ስልጣነን ዝማዕበላ ዝበሃላ ሃገራት ምዕራብ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ሰባት ይሞቱ ኣለው።
ስለዝኾነ ዓለማዊ ውድብ ጥዕና በዛ ምስ ምምጻእ ለበዳ ኮቪድ ዝኣወጃ ዓለማዊት መዓልቲ ምክልኻል ለበዳ ገይሩ ኣብ ማሕበረ ሰብ ዓለም ብዛዕባ ለበዳ ዓቢ ወፈራ ምንቕቓሕ የካይድ ኣሎ።
ኣባል ሃገራት ዓለም፡ ስነ-ፍልጠታዊ ሓበሬታታት ክለዋወጣ፡ ጥዕናዊ ፍልጠት ከበርኻ፡ ቅቡል ናይ ምክልኻል ልምድታት ከተኣታትዋ፡ ብብቕዓቱ ዝሓሸን ዝበለጸን ዓይነት ትምህርቲ ክቕርባ፡ ብደረጃ ዓለምን ዞባን ከባብን ለበዳታት ንምክልኻልን ንምግጣምን ውጽኢታዊ ዝኾኑ መለክዒታት ክትግብራ የዘኻኽር።

ምንጪ ስእሊ, PA Media
ኣብ ኣልያ ምክልኻል ለበዳ ዝተጠርየ ተመኩሮ ክዕቀብን ክሕይልን፡ ቀረብ መሰረታውያን ኣገልግሎታት ጥዕና ምዝርጋሕ፡ ንዝኾነ ዓይነት ዝመጽእ ለበዳ ብልዑል ቅሩብነት ብውሕሉል መገዲ ምግጣም፡ ብውሁድ ስራሕ ንጥዕና ደቂ ሰባት፡ ጥዕና እንስሳታትን፡ ጥዕና ዓለምናን ምውሓስ ብቐዳምነት ክስርሓሉ ዘለዎ ጉዳይ ምዃኑ ሕቡራት ሃገራት ይእምም።
ዓለማዊ ውድብ ጥዕና፡ ለበዳ ንምግታእ ኣብ ኩሉ ቐጸላታት ማሕበረ ሰብ ዓለም፡ ኮማትን ትካላትን ውልቀ ሰባትን ኪኢላታት ጥዕናን ብሽርክነት ክዓዩ ይምሕጸን።
እዚ ዓሚ ዝፈለመ ተበግሶ ምክልኻል ሕማማት ከኣ ኣብ 2030 ኩለንትናዊ ውህደት ፈጢሩ ጽቡቕ ክግስግስ ዘለዎ እምነት ይገልጽ።
ዓለማዊ ብድሆ ጥዕና ኣብ ምፍታሕ፡ እቲ ዝለዓለ ተራን ሓላፍነትን ዝስከም መንግስቲ እዩ።
እንተኾነ መንግስቲ ብዘይ ኣገዳሲ ኣበርክቶ ናይ ተዛመድቲ መሻርኽትን ሰራሕተኛታት ጥዕናን ምንም ክገብር ኣይክእል እዩ። ስለዝኾነ ዓለማዊ ውድብ ጥዕና፡ እተን ልዑል ናይ ለበዳ ተኽእሎ ዘለወን ኣባል ሃገራት ሕቡራት ብኹሉ ነገረን ክሕገዛ ከምዝግባእ የዘኻኽር።
ነተን ኩለንትናዊ ደገፍ ዘድልየን ኣባል ሃገራት ከኣ፡ ብቐጻሊ ኣስተምህሮ ንቕሓት ዜጋታት ንምብራኽን ኣገዳስነት ምክልኻል ለበዳ ንምርዳእ ብዓቕሙ ይሕግዝ።
ኮቪድ-19፡ ብዘውረዶ ዕንወትን ቅዝፈትን ዘሕዝን ፍጻሜ እኳ እንተኣኸተለ፡ ንማሕበረ ሰብ ዓለም ንዓለማዊ ብደሆ ብዓለማዊ ጻዕርን ፍልጠትን ጥራሕ ክግጠም ከምዘለዎ ዘርኣየን ዘምሃረን መዘክር እውን ምዃኑ ዓለማዊ ውድብ ጥዕና ይገልጽ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







