ኮሮናቫይረስ፡ ትራምፕ ሃገሩ ምስ ውድብ ጥዕና ዓለም ዝጸንሓ ዝምድና ኣቋሪጹ

ትራምፕ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ፕረዚደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ሃገሩ ምስ ውድብ ጥዕና ዓለም ዝጸንሓ ዝምድና ከም ዘቋረጾ ኣፍሊጡ።

ትራምፕ፡ እቲ ውድብ ንቻይና ተሓታቲት ለበዳ ኮሮናቫይረስ ኣይገበራን ክብል ይኸስስ።

ንሱ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ቻይና ንውድብ ጥዕና ዓለም ምሉእ ብምሉእ ተቖጻጺራቶ ኣላ" ኢሉ።

ሃገሩ: ነቲ ውድብ ትህቦ ዝነበረት ሓገዝ ናብ ካልኦት ኣካላት ክተዘዋውሮ ምዃና'ውን ተዛሪቡ።

ኣሜሪካ ዝዓበየት መዋሊት እቲ ውድብ ክትከውን ከላ፡ ኣብ 2019 ልዕሊ 400 ሚልዮን ዶላር ለጊሳ እያ።

ኣብዚ ዓመት ኣብ ዝካየድ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ዳግማይ ንኽምረጽ ጎስጓስ ዘካይድ ዘሎ ፕረዚደንት ትራምፕ፡ ኣብ ኣተሓሕዛ እቲ ለበዳ ክንቀፍ እኳ እንተጸንሐ፤ ቻይና ነቲ ምልባዕ ከም ዝሸፋፈነት ይኸስስ።

ኣብ ኣሜሪካ ልዕሊ 102,000 ሰባት ብኮቪድ-19 ህይወቶም ክሓልፍ ከሎ፡ ዛጊት እዚ ኣብ ዓለም ዝዓበየ ቁጽሪ እዩ።

ትራምፕ እንታይ እዩ ኢሉ?

ፕረዚደንት ትራምፕ ካብ ዋይት ሃውስ ኣብ ዝሃቦ መለግጺ፡ "ሎሚ ዝምድናና ምስ ውድብ ጥዕና ዓለም ነቋርጾ ኣሎና፤ ነቲ ሓገዝ ድማ ናብ ካልኦት ናይ ጥዕና ግብረ ሰናይ ማሕበራት ክነስግሮ ኢና" ኢሉ።

"ብሰንኪ ዓመጽ መንግስቲ ቻይና ዓለም ትሳቐይ ኣላ" ድሕሪ ምባል፡ ሃገሩ ልዕሊ 100,000 ሰባት ከም ዝሰኣነት ተዛሪቡ።

ውድብ ጥዕና ዓለም "ንመላእ ዓለም ከጋግይ" ቻይና ኣብ ልዕሊ እቲ ውድብ ጸቕጢ ከም ዝገበረት ትራምፕ ይኸስስ።

ኮሮና
Banner