ብቕትለት ጸሊም ኣሜሪካዊ ጆርጅ ፍሎይድ ዝተጠርጠረ ፖሊስ ክሲ ተመስሪትሉ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
እቲ ብቕትለት ጆርጅ ፍሎይድ ዝጥርጠር ኣባል ፖሊስ ነበር ከተማ ሚኒያፕልስ፡ ብቕትለት ሰብ ክሲ ተመስሪትሉ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዝኣተወ ተሓቢሩ።
እዚ ድረክ ቹቫን ዝተባህለ ጻዕዳ ፖሊስ፡ ንወዲ 46 ዓመት ጆርጅ ፍሎይድ፡ ኣብ ክሳዱ ብብርኩ ረጊጽዎ፡ ክጻዓርን ምስትንፋስ ስኢኑ ክዛረብን ዘርኢ ቪድዮ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ተዘርጊሑ።
ኣብቲ ፍጻመ ዝተሳተፉ ሰለስተ ኣባላት ፖሊስ'ውን ብዝቐልጠፈ ክሲ ከምዝምስረተሎም ኣኽባር ሕጊ እታ ከተማ ኣፍሊጡ'ሎ።
ጆርጅ ፍሎይድ ድማ፡ ብሰኑይ መዓልቲ ኣብ ኢድ ፖሊስ ሞይቱ። ኣብቲ ፍጻመ ዝተሳተፉ ሰለስተ ኣባላት ፖሊስን ድረክ ቹቫን ብኡ ንብኡ ካብ ስርሖም ተባሪሮም።
ብሰንኪ እቲ ቕትለት ድማ ኣብ ከተማ ኒንያፕልስ ሓያል ናዕቢ ይካየድ ኣሎ።
ኣብ ከተማታት ኣሊኖይስ፣ ሎስ ኣንጅለስ፣ ካሊፎርኒያን ቴኔሲን ብርቱዕ ተቓውሞ ይካየድ ከምዘሎን፡ "ክትንፍስ ኣይክኣልኩን፡" ዝብል ጭርሖ በርቲዑ ኣሎ።

ምንጪ ስእሊ, EPA
ኣብቲ ከተማ ዝተላዕለ ተቓውሞ ካብ ቑጽጽር ወጻኢ ብምዃኑ ድማ፡ ሰዓት እቶ እቶ ከምዝተኣወጀን፡ ፍሉይ ሓይሊ ናብቲ ከተማ ከምዝኣተውን ተገሊጹ።
ናዕበኛታት ኣመሪካዊት ከተማ ሚንያፖሊስ፡ ንሓደ መደበር ፖሊስ ብሓዊ ድሕሪ ምቅጻሎም፡ ኣብቲ ቤት ጽሕፈት ዓሪዶም ዝነበሩ ኣባላት ፖሊስ ካብቲ መደበር ክወጹ ተገደዶም ኣለው።
እቲ ድሕሪ ቅትለት ጆርጅ ፍሎይድ ዝተባህለ ጸሊም ኣመሪካዊ ዝተወለዐ ናዕቢ፡ እናሓየለ ይመጽእ ምህላዉ ዓቢ ስግኣት ፈጢሩ'ሎ።
ካልኦት ህንጻታትን ትካላት ንግድን'ውን፡ ተቓጺሎምን ተዘሚቶምን ኣለዉ።
ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ፡ ነቶም በቲ ቅትለት ተቖጢዖም ተቛውሞታት ዘስምዑ ዘለዉ "ገፋዕቲ" ክብል ድሕሪ ምግላጽ፡ ምርግጋእ ክፍጠር እንተዘይኪሉን ዝምታ እንተ ቐጺሉን ንሰራዊት እታ ሃገር ብጥይት ክኣትዎም ክእዝዝ ከም ዝኽእል ኣጠንቂቑ።
ብተወሳኺ፡ እቲ መስርሕ መርመራ ብዝቐልጠፈ ክካየድ ጸዊዑ'ሎ።
መግለጺ ናይቲ ፕረዚደንት'ውን ነቲ ሓዊ መሊሱ ኣጎሃሂርዎ ይርከብ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







