ሞት ጆርጅ ፍሎይድ፡ ንካልኣይ ለይቲ ዝቐጸለ ናዕቢ ሚኒሶታ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ከተማ ሚንያፖሰስ ኣብ መንጎ ኣባላት ፖሊስን ብሞት ሓደ ጸሊም ኣመሪካዊ ዝተቖጥዑ ናዕበኛታትን ዝካየድ ዘሎ ግጭት ንካልኣይ ለይቲ ቀጺሉ ሓዲሩ።
ኣባላት ፖሊስ ዘንብዕ ጋዝ ከም ዝተጠቕሙን፡ እቶም ናዕበኛተት ብወገኖም፡ ናብቶም ኣባላት ፖሊስ እምኒ ከም ዝደርብዩን፡ ጭርሖታቶም ብቀለም ክጽሕፉ ከም ዝተራእዩን ጸብጻባት ካብቲ ቦታ ሓቢሮም።
ገለ ትካላት ንግዲ ናይታ ከተማ ከም ዝተዘምተው'ን ተፈሊጡ።
ወዲ 46 ዓመት ጆርጅ ፍሎይድ፡ ብሰኑይ ኣብ ኢድ ፖሊስ ሞይቱ። ሓደ ጻዕዳ ኣባል ፖሊስ ኣብ ክሳዱ ብብርኩ ረጊጽዎ፡ ክጻዓርን ምስትንፋስ ከም ዝሰኣነ ክዛረብን ዘርኢ ቪድዮ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ድሕሪ ምዝርግሑ ኣብታ ሃገር ሓያል ቁጠዐ ኣለዓዒሉ'ሎ።
ኣብቲ ፍጻመ ዝተሳተፉ ኣርባዕተ ኣባላት ፖሊስ ካብ ስርሖም'ኳ እንተ ተባረሩ፡ ነቲ ናዕቢ ከህድኦ ኣይከኣለን።
ከንቲባ ናይታ ርእሰከተማ ክፍለሃገር ሚኒሶታ ዝኾነት፡ ሚንያፖሊስ፡ "ጸሊም ምዃን ናይ ሞት ፍርዲ ክኸውን የብሉን" ክብል ተቓውሞኡ ገሊጹ።
እዚ ሓድሽ ግጭት፡ እቲ ከንቲባ ኣብ ልዕሊ'ቶም ኣባላት ፖሊስ ገበናዊ ክስታት ክምስረት'ውን ድሕሪ ምጽውዑ'ዩ ተወሊዑ።
እቲ ዘሕዝን ፍጻመ፡ ናይ መጀመርታ ኣይኮነን። ኣብዚ ቀረባ ዓመታት ጸለምቲ ኣመሪካውያን ደቂ-ተባዕትዮ ብተመሳሳሊ መንገዲ ግዳይ ኣባላት ፖሊስ ክኾኑ ተራእዮም'ዮም።
ብፍላይ ሞት ናይቲ ኣብ 2014 ኣብ ከተማ ኒውዮርክ፡ "ከተንፍስ ኣይከኣልኩን" እናበለ ብፖሊስ ኣብ ጎረርኡ ተሓኒቑ ዝሞተ ኤሪክ ጋርንር፡ ኣንጻር ጭካነ ፖሊስ ኣመሪካ ሰፊሕ ምልዕዓል ዘስዓበ'ዩ ነይሩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







