ኮሮናቫይረስ፡ ኣብ ዓዲ-እንግሊዝ 6 ሰባት ተፈናቲቶም ክእከቡ ክፍቀድ'ዩ

ኣብ ዓዲ-እንግሊዝ 6 ሰባት ተፈናቲቶም ክእከቡ ክፍቀድ'ዩ

ምንጪ ስእሊ, PA Media

ኣብ ዓዲ-እንግሊዝ (ኢንግላንድ) ካብ ዝመጽእ ሰኑይ ጀሚሩ፡ 6 ሰባት ብጉጅለ ክእከቡ ከም ዝኽእሉ ቀዳማይ ሚኒስተር ብሪጣንያ ቦሪስ ጆንሰን ኣፍሊጡ።

ይኹን እምበር እቶም ኣብ ደገ ዝርከብ ህዝባዊ ይኹን ብሕታዊ መናፈሲታት ክእከቡ ዝፍቀደሎም ሰባት ናይ ክልተ ሜትሮ ምፍንታት ክገብሩ ከም ዘለዎም ተሓቢሩ'ሎ።

ድሕሪ'ዚ ትማሊ ዝተገልጸ መምርሒ፡ ሰባት ምስ ሓያሎ መሓዙቶምን ቤተሰቦምን ክራኸቡ ዘፍቅድ መምርሒ፡ ኣብ ገለ ቦታታት ካብ ሎሚ ዓርቢ ጀሚሮም ብብዝሒ ክእከቡ ምጅማሮም ግን መግናሕቲ መንግስቲ ኣስዒቡ'ሎ።

ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር (ዳውኒን ስትሪት) ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እቲ ሓድሽ መምርሒ ካብ ዝመጽእ ሰኑይ ጥራይ ከም ዝውዕል ኣጠንቂቑ'ሎ።

እቲ ናይ ምኽፋት ስጉምቲ፡ ኩነታት ለበዳ ኮሮናቫይረስ እናተመሓየሸ ይኸይድ ብምህላዉ ከም ዝተወስደ ቀዳማይ ሚኒስተር ቦሪስ ጆንሰን ትማሊ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሩ ነይሩ።

ኣብዚ እዋን'ዚ ቁጽሪ መዓልታዊ ሞት እናጎደለ ይኸይድ ከም ዘሎ ጸብጻባት ሰብመዚ ጥዕና ይሕብሩ።

ዛጊት፡ ቁጽሪ ኣብታ ሃገር በቲ ቫይረስ ዝሞቱ ሰባት 37 837 በጺሑ'ሎ።

እቲ ናይ ምኽፋት ስጉምቲ ኣብተን ካልኦት ክፍለሃገራት ብሪጣንያ (ስኮትላንድ፡ ዌልስን ሰሜን ኣየርላንድን) እውን ጀሚሩ ከም ዘሎ ይፍለጥ።

ኮሮና
Banner

ብፍላይ ኣብ ስኮትላንድ ክሳብ 8 ሰባት ክእከቡ ከም ዝኽእሉ ሰብመዚ ጥዕና ኣፍሊጦም ኣለዉ።

ገለ ተዓጽየን ዝጸንሓ ትካላት ንግዲ'ውን ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ክኽፈታ'የን።

ድሮ፡ በቲ ኩነታት ተስፋ ዝረኸበ ፕሪሜርሊግ ዓዲ-እንግሊዝ ጸወታታት ኩዕሶ እግሪ ካብ 15 ሰነ ጀሚሩ ክቕጽል ወሲኑ'ሎ።

ተጸዋቲ፡ ብእኩብ ምትንኻፍ ዘለዎ ልምምዳት ከካይዱ ኣብ ፈለማ ናይዚ ሰሙን'ዚ ተወሲኑ ነይሩ'ዩ።

ብሪጣንያ፡ ቅድሚ ሕጂ ተራእዩ ዘይፈልጥ ብርሃን ጸሓይ ዝዓብለሎ ወቕቲ ኣየት (ስፕሪንግ) ከም ዘሕለፈት ጸብጻባት ሜትሮሎጂ'ታ ሃገር ሓቢሩ።

እዚ ድማ ሰባት ነታ ኩሉ ግዜ ዘይትርከብ ጸሓይ ከስተማቕሩ ናብ መናፈሲታትን ገማግም ባሕሪን ክውሕዙ ኣወናዊኑን ኣተባቢዑን ኣሎ።