ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ኣስታት 800 ሚልዮን ህዝቢ ብኮሮናቫይረስ ከምዝተለኽፉ ይግመት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ብደረጃ ዓለም ካብ ዓሰርተ ሰባት እቲ ሓደ ኮሮናቫይረስ ሒዝዎ ክኸውን ከምዝኽእል ውድብ ጥዕና ዓለም ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ ገሊጹ።
ላዕለዋይ ሓላፊ እቲ ውድብ "ዝበዝሓ ህዝቢ ዓለም ገና ኣብ ከቢድ ስግኣት ከምዝርከብ" ኣፍሊጡ።
ኣብ መላእ ዓለም ልዕሊ 35 ሚልዮን ሰባት በቲ ቫይረስ ተለኺፎም ከምዘለው እኳ እንተተገልጸ ውድብ ጥዕና ዓለም ግን እቲ ሓቐኛ ቁጽሪ ኣስታት 800 ሚልዮን ክኸውን ከምዝኽእል ይግምት።
ቁጽሪ መልከፍቲ ኮቪድ ብልዑል ናህሪ ይውስኽ ስለዘሎ፡ ክኢላታት ሕክምና እቲ ቁጽሪ ልዕሊ እቲ ዝግለጽ ዘሎ ከምዝኾነ ክገልጹ ጸኒሖም እዮም።
ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ዓለምለኻዊ ብኮሮናቫይረስ ንምዝታይ ኣብ ጀኔቫ ስዊዘርላንድ ኣኼባ የካይድ ኣሎ።
ሕማም ኮሮናቫይረስ ኣብ መወዳእታ ናይ ዝሓለፈ ዓመት፡ ኣብ ቻይና ድሕሪ ምኽሳቱ፡ ድሕሪ ዓሰርተ ወርሒ ናይ ምውዳእ ምልክት ገና ኣየርኣየን ዘሎ።
ኣብ ዝሓለፉ መዓልታት፡ ኣብ ኣውሮጳን ካልኦት ሃገራትን፡ ዳግማይ መልከፍቲ ኮሮናቫይረስ ክረአ እንከሎ፡ ከምቲ ኣቐዲሙ ዝተገብረ ናይ ምውሻብ ስጉምትታት ዕጽዋታትን ክእወጅ ጀሚሩ'ሎ።
ሓላፊ ክፍሊ ህጹጽ ሓደጋታት ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ማይክ ራያን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣስታት 10 ሚእታዊት ህዝቢ ዓለም ብኮሮናቫይረስ ከምዝተለኽፉ ይግመት ኢሉ።
ንሱ፡ ዝበዝሓ ክፋል ህዝቢ ዓለም እቲ ሓደጋ ኣንጸላልይዎ ከምዘሎን፡ ነቲ ቫይረስ ንምግታእን ንምቁጽጻርን እኹል መሳርሒታትን መሰልያጣትን ከምዘሎ ሓቢሩ።
ሓላፊ ውደብ ጥዕና ዓለም ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም ብወገኑ፡ ሃገራት፡ ሓድነትን ጽኑዕ ምሕደራን ክገብራ ድሕሪ ምጽዋዕ፡ በቲ ቫይረስ ዝያዳ ዝተጎድኣ 10 ሃገራት ከምዝኾናን፡ ሰለስተ ሃገራት ድማ ፍርቂ እቶም ዝሞቱ ሰባት ከምዝረከብወን ገሊጹ።
ብመሰረት ፖን ሆብኪንስ ዩኒቨርሲቲ፡ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ሰባት ብሕማም ኮሮናባይረስ ሞይቶም ኣለው። ዝበዝሓ መልከፍቲ ኣጋጢምወን ዘለዋ ሃገራት ድማ ኣመሪካ፡ ህንዲ ከምኡ'ውን ብራዚል እየን።









![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







