ኮሮናቫይረስ፡ ሲንጋፖር ቖልዑ ንዝወልዱ መተባብዒ ክትህብ እያ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሲንጋፖር መጠን ወሊድ ንምትብባዕ ኣብዚ እዋን ለበዳ ንዝወልዱ ስድራ፡ ንሓደ ጊዜ ጥራይ ዝወሃብ ገንዘብ ከምዘዳለወት ኣፍሊጣ።
እታ ሃገር ነዚ ዝወሰነት ዜጋታት ብምኽንያት ፋይናንሳዊ ጸገምን ስእነት ስራሕን ስድራ ናይ ምምስራት ድልየቶም እናጎደለ ብምምጽኡ እዩ።
ቖልዓ ንዝወልዱ ስድራ ዝወሃብ መጠን ገንዘብ ግን ዛጊት ኣይተፈልጠን። እዚ መተባብዒ ኣብ ልዕሊ'ቲ ቅድሚ ሕዚ ዝወሃብ ዝነበረ ተወሳኺ ከምዝኾነ ተፈሊጡ'ሎ።
ሲንጋፖር ሓንቲ ካብተን ኣብ ዓለም ዝተሓተ መጠን ወሊድ ዝምዝገበለን ሃገራት'ያ። ነዚ ንምምሕያሽ ከኣ ንዓሰርተታት ዓመታት ክትሰርሕ ጸኒሓ ኣላ።
ከም ኢንዶኒዥያን ፊሊፕንስን ዝኣመሰላ ጎረባብታ ብምኽንያት ለበዳ ኮሮናቫይረስ ኣብ ዝደንገግኦም ኣዋጃት ዕጽዋ መጠን ጥንሲ ክዓቢ እንከሎ ኣብ ሲንጋፖር ግን ኣይወሰኸን።
ብኣንጻሩ እታ ቀደሙ'ውን ዝተሓተ መጠን ወሊድ ዝምዝገበላ ዝነበረ ሲንጋፖር ኣብ ቁጽሪ ዝውለዱ ህጻናት ዝለዓለ ምንካይ ኣጋጢምዋ'ሎ።
"ቖልዓ ንክወልዱ መደብ ዝነበሮም ግን ብሰንኪ ለበዳ ኮቪድ ንኻልእ እዋን ዘሰጋገሩዎ ስድራ ቤታት ከምዘለው ሓበሬታ በጺሑና'ዩ" ኢሉ ምክትል ቀዳማይ ምኒስተር ሲንጋፖር ሄንግ ስዊ ኬት።
መጠን እቲ ቖልዓ ንዝወልዱ ስድራ ዝወሃብ ገንዘብ ድማ ኣብ ቀረባ እዋን ወግዓዊ ከምዝኸውን ሓቢሩ።
እታ ሃገር ኣብዚ ሕዚ እዋን ሕጋዊ ንዝኾኑ ስድራ (ሰብ ሓዳር) ቖልዓ ኣብ ዝወልዱሉ እዋን ክሳብ 7 ሽሕን 330 ዶላር ዝግመት ንዋታዊ ሓገዛት ክትህብ ጸኒሓ እያ።
ኣብ 2018 ዝተመዝገበ መረዳእታ ከምዘመልክቶ ቅድሚኡ ኣብ ዝነበሩ 8 ዓመታት፡ መጠን ወሊድ እታ ሃገር ኣዐርዩ ነክዩ ነይሩ። እቲ መጠን ወሊድ 1.14 ቖልዓ ንሓንቲ ሰበይቲ'ዩ ተመዝጊቡ።
ብዙሓት ተመሳሳሊ ጸገም መጠን ወሊድ ዘጋጥመን ሃገራት ኤስያ ኣብዚ እዋን ኣዋጃት ዕጽዋ ናብ ዝኸፍአ ደረጃ ከይበጽሕ ስግኣት ኮይኑወን ኣሎ።









![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







